ካርዲናል ጉጆሮቲ፥ ክርስትያን ቅድስቲ መሬት ሓገዝና የድልዮ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ግዜ ዓቢይ ጾም ንበዓል ፋሲካ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘሎ እዋን፡ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ክላውዲዮ ጉጆሮቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብ መንጎ እምነትን ምጽዋትን ዘሎ ኣገዳሲ ምትእስሳር ኣዘኻኺሮም፣ ንዅሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት፣ ዕለት 17 መጋቢት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ - letter to all Catholic Bishops፣ ነቲ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዝፍጸም ስርዓተ ኣምልኾ ዝእከብ ምጽዋት ከነቓቕሑ ከም ዝዓደሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ምእመናን ኣብ ቅድስቲ መሬት ንዘሎ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ምስ ምድራዊ ሕይወት ኢየሱስ ዝተኣሳሰሩ ቅዱሳት ቦታታት ንምሕብሓብ ቤተ ክርስቲያን ንእተካይዶ ተልእኾ ንምድጋፍ ዝኣመተ ምዃኑ ከም ዘነጸሩን፣ ካቶሊካውያን ጳጳሳት - ብስም ቅዱስ ኣቦና - ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጻውዒት፣ “ንኣውያት ናይቶም ኣዝዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ምላሽ ክህቡ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ክወርድ ወትሩ ጻውዒት የቕርቡ
ካርዲናል ክላውዲዮ ጉጆሮቲ ድሕሪ እቲ ናብ መላእ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዕለት 24 መጋቢት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ኣብ ቓዛ፡ ምዕራባዊ ገማግም፡ ሶርያን ሊባኖስን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዩክሬን፡ ኣፍሪቃን ኤስያን ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ኣመልኪቶም፣ ንረብሓ ውሑዳት ጥራይ ዘገልግል ወተሃደራዊ ሓይሊ ሰላም ከረጋገጽ ከምዘይክእል ኣስሚሮም፣ ዓለም ሱቕታ ኣብ ዝመረጸሉ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅድቲ መሬትን ኣብቲ ግጭት ዝካየደሉ ዞባታት ሰላም ክወርድ ጻውዒት ብምቕራብ መንግስታት ጎደና ዘተ ክስዕቡ ከም ዝላበዉ የዘካኽሩ።
ክብሪ ሰብ ምሕላው
ካርዲናል ጉጆሮቲ፣ "ካብ ቅድስቲ መሬት ዝመሓላለፉ ዜናታትን ምስልታትን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባር ዘርእይ እዩ . . . በዚ መንጽር ድማ ካብ ዘመነ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣትሒዙ ዝጀመረ ጳጳሳዊ ተበግሶ፣ ማለት ኣብ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዝፍጸም ስርዓተ ኣምልኾ ዝእከብ ምጽዋት ኣገዳስነቱ ደጊሞም ኣረጋጊጾም፣ "ስለዚ እየ ድማ ጻዕርታት ምእካብ ምጽዋት ዘተባብዕ መልእኽቲ ዘመሓላለፍኩ። እዚ ዝእከብ ምጽዋት እዚ ንቅድስቲ መሬት ንዝወሃብ ሓገዝ ዓንዲ ሕቖ እዩ” ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውትን ነዚ መደብ እዚ ቀዳምነት ክህብሉ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ድምጺ ቤተ ክርስቲያን
ናይቲ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ዝእከብ ምጽዋት ኣብ ቅድስቲ መሬት ንቅዱሳት ቦታታት ንምዕቃብ ዝዓለመ ምዃኑ ኣዘካኺሮም፣ ሕጂ ግን እቲ ቀንዲ ስክፍታ ንባዕሉ ማሕበረሰብ ክርስትያን ምዕቃብ ምዃኑ ኣጉሊሖም፣
"ማሕበረሰብ ክርስቲያን ቅድስቲ መሬት ነተን ክሳብ ሕጂ ኣሰርን ሽታን ኢየሱስ ዘለወን ሃገራቱ ገዲፉ ንጃምላዊ ስደት ክቃላዕ እናረኣና ስቑ ምባል ዝከኣለና ኣይኮነን፣ እዞም ሰባት እዚኦም ምስ ክርስቶስ ናይ ዘሎ ዘይብተኽ ምትእስሳር ህያው ምስክር እዮም። ንሕና ንሰብኣዊ ምኽንያት ጥራይ ዘይኮነስ እዞም ሰባት እዚኦም ንዓና ናይቲ ቅዱስ ምስጢር እውን መሰካኽር እያቶም፣ ብርግጽ ቤተክርስትያን ንኹሎም እቶም ዝስደዱ፣ ዝደኸሙ፣ ዝሳቐዩን ዝተደርበዩን እውን ጽምጺ እያ" ኢሎም።
ዝሓሸት ዓለም ምእማን
ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝቕጽል ዘሎ ዕግርግር ነቶም ንቕዱሳት ቦታትንን ተመክሮ ህላወ እግዚኣብሔርን ንኽገብሩ ንዝገሹ መንፈሳውያን ነጋድያን እውን ኣዕናዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ፣ ስለዚ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ንግደት ተወሳኺ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ምስቶም ዝሳቐዩ ሰባት ቅርበትን ምትሕብባርን ዘረጋግጽ እዩ . . . እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ንበዓል ፋሲካ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ፣ ብዙሓት ምብራቓውያን ክርስትያን ብሰንኪ ውግእን ድኽነትን ንኢዮቤል ናብ ሮማ ክጓዓዙ ዘይምኽኣሎም ብሓቂ ዘሕዝን ምዃኑ ድማ ገሊጾም፣ "ነዚ 'ትንቢታዊ ግዜ' ኣብ ቤቶም ከሕልፍዎ ይግደድ ኣለዉ . . . "ንሕና ክርስትያን" ብጽንዓት ብትንቢት ዝሓሸት ዓለም ንኣምን፣ ዝሓሸትን ብልጽትን ዓለም ከም እትመጽእ ድማ ርግጸይናታት ኢና፡ እንተኾነ ግን ኣብዚ ዝተኻእለ እዋን ኣቐዲማ ክትህሉ ናይ ንምግባር ግዴታ ኣሎና። ንሓጢኣት ክንስዕሮ ኣሎና፣ ምኽንያቱ እዚ ኩሉ መከራ ሓጢኣት እዩ - ማሕበራዊ ሓጢኣት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ፖለቲካዊ ሓጢኣት እውን እዩ" እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ዛዚሞም።