ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ተኣፋፍነቶም ሕጂ እውን ንቤተክርስትያንን ንሰብኣውነትን የገልግሉ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ነቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ንጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኽጽለይ ዘሰናደውዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ቅዱስ ኣቦና “ስለቲ ምእንታኦም ንኽጽለይ ዝዓርግ ጸሎትን መስዋዕተ ቅዳሴን” ዘቕርብዎ ምስጋና ኣስሚሮም፣ ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዕለት 20 መጋቢት ድሕሪ ቀትሪ ኣብታ መንፈሳዊት ቤት ማሕበር ኢየሱሳውያን ተባሂላ እትግለጽ ደብረ ቅዱስ ስመ ኢየሱስ፣ ኣብ ቅድስቲ መንበር ሓያሎ ልኡካነ መንግስታት ዝተሳተፍዎ፣ በቶም ልኡካነ መንግስታት ምእንቲ ጥዕና እቶም ካብ ዕለት 14 ለካቲት ኣትሒዞም ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ቤት ሕክምና ኣጎስቲኖ ጀመሊ ዝርከቡ ቅዱስ ኣቦና ጥዕና ሓሳብ ዝገበረ ዘሰናደውዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም፣ ኣብቲ “ብቐጻሊ ካብ እተወግአ ልቢ ኢየሱስ ዝውሕዝን ምላሽና ዝደልን ናይ እግዚብሔር መለኮታዊ ፍቕሪ ኣተኲሮም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፣ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ “ሕሰምና፣ ሓጢኣትና ናይ ምሕረት ባህሪ ለቢሱ ይራኸበና፣ “ዘመነ ዓቢይ ጾም፡ ነዚ መገዲ ንምዕማቝ ምቹእ እዋን እዩ . . . እዚ ጕዕዞ መንፈሳዊ ዳግማይ ምውላድ እዚ ኸኣ ናብ "ሓድሽ ቦታን ሓድሽ ተስፋን ናጽነትን ሰላምን" ክፉታት ክንከውን ገዛእ ርእስና ብኣምላኽ ክንፍቀር ክንፈቅድ ይሕግዘና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካብ ህይወት ናብ ሞት ናይ ምሕላፍ ሓደጋ
ብኻልእ ወገን ድማ ካብ ኣብ ህይወት ንላዕሊ ኣብ ሞት ናይ ምትኳር ሓደጋ የጋጥመና ከምዘሎ ኣስተብሂሎም። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ጸልማት ኣብ ልዕሊ ብርሃን እውን ከይተረፈ ዝዕወት እዩ ዝመስል። እዚ እውን እቲ "ኣብ ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ሊባኖስ ምያንማር ሱዳን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት ዘሎ ውግእ" ኣብነት እዩ፣ ኰይኑ ግና ዕንቅፋታት ፈጺሙ ዘይጐደሎ እኳ እንተ ዀነ፡ መንፈሳዊ ዳግማይ ልደት ናብ መገዲ ርክብ ኪመርሓና ይኽእል እዩ፣” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ “ነቲ ጽልኢ፣ ዕብለላ፡ በዚ ኸኣ ነቲ ውግእ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ” ብምሕቋፍ፣ “ብዘሕዝን ኩነታት ብቐጻሊ ናይ ሞት ባህሊ ዝምግቡ ኣለዉ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ
ማሕበረሰብ ክርስትያን ኣብ ክንድኡ ፍቕርን ፍትሕን ሰላምን ዝብሉ ክብርታት ንምስፋሕ ዝተጸውዑ እያቶም . . . እቶም ኣብ ዙርያ ሓደ መኣዲ ኮፍ ቢሎም ኣብ ርትዓውን ሕልናን ዝውከሉ ኣብ ዕዙዝ ዋጋ ሰብኣዊ ኽብረት እምነቶም ዘንብሩ ብጹኣን እያቶም - ቢሎም - ዓለምና "ንዅሉ እቲ ዝለዓለ ረብሓታት ፍትሕን ሰላምን ንምርግጋጽ ብሓባር ብምትሕብባር ንጥቕሚ ሓባራዊ ረብሓታት ብናጻ ንምዕያይ ካብ ውልቃዊ ረብሓታት ካብ ዝብል ድራኼታት ዝረሓቐ" ዓይነት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘድልያ ኣጒሊሖም፣ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ናይ ምርኻብ ስነ ሞጎት እንክብሉ ዝገልጽዎ ኣተሓሳስባ ንኽቕበሉ ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘኪሮም፣ ሰብኣዊ ፍጥረት ለጋሳት ኰይኖም ርክብ ንምምስራት ስለ ዝተፈጥሩ . . . ንርእስኻ ጥራይ ምሕላውን ርእኻ ጥራይ ማእከል ምግባር ንኻልኦት “በረኸት” ከይንኸውን ዝዓግተና መቑሕ እዩ፣ "ኣብ መንጎ እቲ ንኻልኦት ህይወት ዘምጽእ፡ ንምድሓን ኢዱ ዝዝርግሕን ሞት ዘምጽእ፡ ነቲ ካልእ ንኽነብር ዘድሊ ሓገዝ ዝኸልእን ዓቢ ፍልልይ ኣሎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብጸሎት ኣቢልካ ናይ ሕልና ድምጺ ምልላይ
ብጹዕነቶም ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዘለዎም ልኡካነ መንግስታት፣ ሰብኣውነት ንምርጫታትና ዝመርሕን ንምትግባሩ ዝሕግዘናን “ዝለዓለ ብርሃን” ከምዘድልዮ ኣዘኻኺሮም፣ "ብልክዕ ኣብቲ ሱቕታ ዝመልኦ ጸሎት እዩ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ መቕደስ ኣእምሮን ልብን ዘንጸባርቕ ድምጺ ጐይታ ደኣ እምበር ብሃውሪ ዚግበርን ዝፈርድን ዘይኰነ ድምጺ ሕልና ምስማዕ ክንመሃር ኣሎና . . . “እቶም ንሰብኣዊ ክብርን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓትን በደልን ዝተቓለሱ - ዋላ’ውን ወትሩ ክርስትያናዊ እምነት ወይ ሃይማኖታዊ እምነት ዝስዕቡ ኣይኹኑ፡ ነቲ ቕኑዕ መገዲ ዝሕብር ብሉጽ ድምጺ ሕልና ኣፍልጦ ብምሃብን ብስም ሕልና ኣቢሎምን እዮም ነዚ ዝፍጽሙ . . . ምስ በሉ ነቶም ልኡካነ መንግስታት “ኣብ ጽሞናን ናብ ውሽጣዊ ቤተ መቕደስ ዝኾነ ሕልና ጽን ክብሉ” ብምዕዳም፣ ብፍላይ ኣብዚ ዘመነ ዓቢይ ጾም፣ ገዛእ ርእስና ከምኡ እውን ጥዕና ቅዱስ ኣቦናን ኣብ ዓለም ሰላም ክወርድን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም እመ ጽሞና ነወክፍ” እንክብሉ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።