ካርዲናል ፓሮሊን፡ ‘ናይ ህጻናት ጻውዒት ፍትሒ ስምዑ’
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ካብ ፖለቲካውን ቁጠባውን መድረኽ ፍሉጣት ሰባት ክሳብ መራሕትን ተራ ዜጋታትን ኣንጻር ጥምየት፡ ኲናት፡ ዓመጽ፡ ዘይምዕሩይነትን ከባብያዊ ዕንወትን ዝጭድር ድምጺ ህጻናት ከይተሰምዐ ክተርፍ ዘተሓሳስብ ዓውደ ኣኼባ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን የሰብህሉ።
እቲ "ኣፍቅሮምን ሓልዎምን" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰኑይ 3 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘስምዕዎ መደረ ዝተኸፍተ፡ ባዕሎም ቅዱስነቶም ነቶም መሰሎም ዝተነፍጉ ኣብ ሓደገይና ዅነታት ዝነብሩ፡ ዝምዝመዙን ንዘተፈላለየ ማህሰይቲ ዝቃልዑን፡ ከምኡውን ብሳዕቤን ውግእ ዝሳቐዩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምሕጋዝን ንምሕላውን ኣሚቶም፡ ዕለት 20 ሕዳር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ድሕነት ህጻናት ንምምሕያሽ ዝዓለመ ኣህጉራዊ መዓልቲ መሰል ህጻናትን መንእሰያትን ምስ ዝዝዝከረሉ ዕለት ተተሓሒዙ፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 3 ለካቲት 2025 ዓ.ም. "ኣፍቅሮምን ሓልዎምን" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ፡ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ መሰል ህጻናት ክተእንገድ ብዘመሓላለፍዎ ውሳነ መሰረት ዝተኻየደ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
“ኣፍቅሮምን ሓልዎምን”
ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተጸውዐ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ “ኣስተንትኖን ሓድሕዳዊ ምስማዕን” ዝካየደሉ ህሞት እንክብሉ ገሊጾም። ነቲ ናይ’ቲ ዋዕላ መርሕ ቃል - "ኣፍቅሮምን ሓልዎምን" ዝብል ብምጉላሕ፡ እዞም ክልተ ተግባራት ለበዋታት ጥራይ ዘይኮኑስ “ኵላዊ ስምምዕ ክእዝዙን ጭቡጥን ሓባራውን ስጉምቲ ከነቓቕሑ ዝግበኦም ምድባዊ ግዴታ እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ግዳያት ኲናትን ስደትን ዝኾኑ ሕጻናት
ህጻናት ካብቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ኣባላት ክፍሊ ሕብረተሰብ ምዃኖም ታሪኽ ብቐጻሊ ይሕብር። ዋላ እኳ ዘመናዊ ርክብ ምዕባለታት እንተሃለወ፡ ናይ ሎሚ ዓለም ንንኣሽቱ ኣባላታ ብስእነት ፍቕርን ሓለዋን ትሳቐ ከምዘላ ኣመልኪቶም፡ ነቲ ኣሽሓት መንእሰያትን ዝከላኸል ዘይብሎምን ብውግእ ዝቐትሉ ዘሕዝን ክውንነትን ከምኡ’ውን ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ንስደት ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዋትን፡ ብዙሓት ህጻናት ሓዊሱ - ሓደጋን ሞትን ዘጋጥሞም ምዃኑ እውን ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ህላወ ወከልቲ ኣይሁድን ኣስላምን
ካርዲናል ንወንጌል ብምውካስ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንጹሕ ኣጠማምታ ህጻን ክዕቅቡ ከም ዝጸውዖምን መጉዳእቲ ከይወርዶም ከም ዘጠንቀቐን ዘኪሮም። ቤተ ክርስቲያን ዋላ’ውን ናይ ገዛእ ርእሳ ጉድለታት ኣፍልጦ እናሃበት፡ መሰል ሕጻናት ንምክልኻልን ንምሕላውን ኣብ ዘለዋ ተልእኾ ጸኒዓ ከምዘላ ብምሕባር፡ ክኢላታት ማሕበራዊ፡ ስነ - ኣእምሮኣውን ስነ-ምምሃርን ስነ - ፍልጠት፡ ከምኡ’ውን ንኣህጉራዊ ትካላትን ቅልውላው ኣብ ዘልሉ ከባቢ ዝዋፈሩ ሰራሕተይናታትን ምስማዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ደጊሞም የረጋግጹ።
ብተወሳኺ ዋጋ ናይ ምትሕብባር ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣጉሊሖም፣ ንህላወ ወከልቲ ማሕበረሰባት ኣይሁድን ኣስላምን፣ ንኣብነት ረቢ ዳዊት ሮዘንን ኣሕመድ ኣል - ጣየብ ናይ ኣል - ኣዝሃር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይመላኽት።
ብሰላምን ናጽነትን ናይ ምጽዋት መሰል ቈልዑ
ድሕሪ’ቲ ኣብ ግንቦት 2024 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ጽምብል ኣብ ወርሒ መስከረም 2026 ዓ.ም. ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት፡ ዓለም ንድምጺ ህጻናት - ብፍላይ ድማ ንጥሜት፡ ዘይማዕርነት፡ ዓመጽ፡ ኲናትን ዕንወት ከባቢን ዝነጽግ ንቕድሚት ዝጥምት ንጹሕ ባህርይ ህጻናት ክትሰምዕ ኣተሓሳሲቦም።
ንህጻናት ዝጸሉ ወሰንቲ ጉዳያት፡ ማለት ተበጻሕነት ጸጋታት፡ ትምህርቲ፡ መግቢ፡ ክንክን ጥዕና፡ ስድራቤትን ትርፊ ግዜን ዝምልከቱ ብድሆታት ንምፍታሕ ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት ኣቕሪቦም። “ነፍሲ ወከፍ ህጻን ብሰላምን ብናጽነትን ክጻወት መሰል ኣለዎ” እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ንቕድሚት ዝወስድ መንገዲ
“እቲ ብድሆታት ሰፊሕ እኳ እንተኾነ፡ ግን እቲ ኣገዳሲ ስጉምቲ እወንታውን ነባርን ለውጢ ከስዕብ ዝኽእል መስርሓት ምጅማር ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ኩሎም እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፉ ሰባት በቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ተጠርኒፎም’ ኩሎም ህጻናት ተቐባልነት ክረኽቡን ክፍተዉን ክሕለዉን መታን ነፍሲ ወከፉ ዝስዕቦ ሃይማኖትን ዘለዎ ኣምነትን መሰረት ብቆራጽነትን ንቕድሚት ክስጉሙ ኣተባቢዖም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዛዘሙ ኣፍሊጡ።