ቃለ መሕትት ምስ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣብ ደ.ሪ.ኮ. ሊቀ ጳጳሳት ምትዣ ሌስኮቫር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ጥሪ 2025 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፡ ሰላማዊ ህዝቢ ጎማ ንምሕላውን ከምኡ’ውን ኣብ ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ሰላምን ጸጥታን ብቕልጡፍ ውሑስ ክኸውን ማሕበረሰብ ዓለም ኣበርቲዑ ክዓዪ ዘቅረብዎ ጻውዒት፡ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ። እተን ቃላት ብሰንኪ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብማሕበረሰብ ዓለም ዕሽሽ ዝብሃል ኲናት ዝፈጥረሎም ጓህን ሓዘንን ዘንጸባርቓ ኮይነን፡ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ዝዓበየ ኣህጉራዊ ምንቅስቓስ ክካየድ ዝጽውዕ እውን ምዃኑ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ምትዣ ሌስኮቫር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ ቅዱሰንቶም ስለ ዘቕርብዎ ጻውዒት ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ጳጳሳትን ህዝብን መንግስቲ እታ ሃገርን ምስጋናኦም ከም ዝገለጹ ይሕብሩ።
ሕቶ፡- ብዛዕባ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዘሎ ህልው ኩነታት እንታይ ሓበሬታ ኣለኩም?
ኣብ ምብራቓዊ ዞባ እታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድን ስንኩፍን እዩ። ኣብ ጎደናታት ሬሳታት ፋሕ ኢሉ ከም ዘሎን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተኹሲ ይቕጽል ምህላዉ እዩ ዝንገር። ናይ ሰሜን ኩቪ ርእሰ ከተማ ጎማ ኣብ ከበባ እያ ዘላ፡ እቲ ኣብቲ ከብዚ ዘሎ ግጭት ክዓቢ ከም ዝኽእልን፡ ኪኖ ጎማ ኣብ እቲ ውግእ ይቕጽል ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ኣዕናዊ ሳዕቤን ዘለዎ ኲናት እዩ። ናብ ዘተ ምምላስ ክህሉ፡ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ መሰረት ዝገበረ ፍታሕ ክርከብ፡ ኣብ መንጎ ኩሎም ወገናት ዘተ ክግበር፡ ዓመጽ ከብቅዕ ተስፋ ንገብር።
ሕቶ፡- ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰበስልጣንን ህዝብን ከመይ ተቐቢልዎ?
ብዓቢ ሞሳ! መራሔ መንግስትን ጳጳሳት እታ ሃገርን ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝብልዎን ምእንቲ እታ ሃገር ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰላምን ጸሎትን ምስጋናኦም ከም ዝገለጹን፡ ሕዝቢ እታ ሃገርን ህዝባዊ ስርዓትን ንብረትን ንኽኽበር ዘቕረብዎ ጻውዒት፡ ኣብ ከቢድ ህሞት ዘቕረብዎ ብምዃኑ ድማ፡ እዋናውን ኣቃልቦ ህዝቢ ዓለም ዝስሕብን እዩ።
ሕቶ፡- ቅድስቲ መንበር ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ዘሎ ህጹጽ ሰብኣዊ ድሌታት ብኸመይ መልሲ ክትህበሉ ትኽእል?
ኣብዚ እዋን እዚ ብቐንዱ ናብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዞብ ምብጻሕ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ዋላ’ውን ግጭት እንተዘይሃልዩ፡ ናብቲ ዞባ ዝወስድ መገዲ ብሓቂ ንምጓዓዝያ ዝምሽእ ኣይኮነን፡ ብተወሳኺ፡ እቲ ኣዚዩ ህጹጽ ዝኾነ ሓገዝ ኣበይ ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ። እቲ ሳልሳይን ምናልባት’ውን ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎን ብድሆ፡ ናይቲ ቅልውላው መጠን እዩ - ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸውዓተ ሚልዮን ተመዛበልቲ ኣብ ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ሓገዝ የድልዮም። ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓዊሱ ሓያሎ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ሓገዝ የቕርባ ኣለዋ፡ እቲ ኣድላይነት ግን ኣዝዩ ዓቢ እዩ። እዚ ብድሆታት እዚ እናሃለወ ብትካላት ቤተ ክርስቲያን ኣቢልና ጻዕርታት ረድኤት ነሳልጥ ኣሎና።
ሕቶ፡- ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዲ.ሪ.ኮ. ሰላም ኣብ ምዕባይ እንታይ ተራ ክትጻወት ትኽእል?
ቤተ ክርስቲያን ቀዳምነት ትህቦ መሰረታዊ ድሌታት ደቂ ሰባት ብዝተኻእለ መጠን ምምላእ እዩ። ብዙሓት ኣብ ጥቓ ዞባታት ግጭት ዝርከባ ኣባይቲ ሕክምና በቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተዋሕጣ ብምዃነን ከምቲ ዘድሊ ኣገግሎት ክቕርባ የጸግም። መብዛሕትኡ ግዜ እተን እንኮ መውሃቢ ክንክን ጥዕና ዝኾና ብቤተክርስትያን ዝመሓደራ ትካላት ሕክምና ወሳኒ ተራ ኣለወን። ኪኖ ሰብኣዊ ሓገዝ ቤተ ክርስቲያን ንህንጸት ሰላም ተወፋይነት ኣለዋ። ኣብዚ ከም ኣብ ካልእ ቦታታት ሰላም ውጽኢት ኣጽዋር ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ኩሎም ወገናት ናይ ዝህሉ ምስምማዕን ዘተን ምርድዳእን ፍረ እዩ። ሕድገታት ምግባር ኣገዳሲ እዩ - ሕድገታት ብዘይ ምህላዉ ድማ ሰላም ዘይብጻሕ ኮይኑ ኣሎ። ቤተ ክርስቲያን ፖለቲካዊ ፍታሕ ክርከብ ተስፋ ብምግባር ሰፊሕ ማሕበራዊ ዘተ ክህሉ ብንጥፈት ትሰርሕ ኣላ። ፖለቲካዊ ውሳኔታት ኣብ ውሽጢ ቀጥታዊ ሓላፍነት ቤተ ክርስቲያን እኳ እንተዘይኮነ፡ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናብ ማሕበራዊ ዘተ ዝመርሕ ናይ መጀመርታ ስጉምትታት ትድግፍ።
ሕቶ፡- ቅድስቲ መንበር ኣብ ምፍታሕ ቅልውላው ዝያዳ ኣህጉራዊ ተሳትፎ ብኸመይ ከተተባብዕ ትኽእል?
ቅድስቲ መንበር ድሮ በዚ ኣንፈት እዚ ትሰርሕ ኣላ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቐጻሊ ዓለም ሓቆፍ ኣቓልቦ ናብ ግጭታት እታ ሃገር ይስሕቡ ኣለዉ። ቫቲካን ኣብ ክልተኣውን ብዙሕነታውን ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክባት እውን ትነጥፍ። ኣብዚ ጻዕርታት እዚ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከቡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ይሳተፉ ብምህላዎም፡ ቫቲካን ምስ ሃገራት ኣብ እትገብሮ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክባት ሰላማውን ብዘተ ዝረጋገጽን ፍታሕ ኣገዳስነቱ ብቐጻሊ ተጒልሕ።
ሕቶ፡- ቅድሚ ክልተ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደ.ረ.ኮ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ምስ ግዳያት ዓመጽ ምብራቓዊ ዞባ እታ ሃገር ተራኺቦም እዮም። ይኹን እምበር እቲ ኩነታት እናኸፍአ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ቃል ቅዱስነቶም ዝተረሰዐዶ ይመስለኩም?
ኣብ ወርሒ ሰነ 2024 ዓ.ም. እየ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይነ ናብታ ሃገር ዝተለኣኩ፡ ኣብ 2023 ዓ.ም. ግዳያት ኲናትን ዓሌታዊ ዓመጽን ምስ ቅዱስ ኣቦና ተራኺቦም ዝሃብዎ ቀጥትዊ ምስክርነት ብቐጥታ ኣይተኸታተልኩን፡ ይኹን እምበር እቲ ዝቐረበ ምስክርነትን ጸብጻባትን ብኽልተ ምኽንያታት ኣዝዮም ይጸልዉኒ፡ ቀዳማይ፡ እቲ ኣብቲ ዓመጽ ዘሎ ዕዉር ጭካነን ጽልእን፡ ሓድሓደ ግዜ ናብ ኢሰብኣውነት ደረጃ ዘውርድ። እቲ ካልኣይ፡ ግዳያት ዘርኣይዎ ዘደንቕ ይቕረ ናይ ምባል ዓቕሚ እዩ። . . . ብዙሓት ሰባት ነቲ ዝተዋህበ ምስክርነታት ዝረስዕዎ ምዃኖም ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ይምስክሮ።
ብዛዕባ ሕሉፍ ስቓይ ንቕሓት ዘይምህላው ዘረጋገጹ ቃላት ትሰምዕ . . . ተራ ዜጋታት ሓዊስካ ብዙሓት ሰባት ነዚ ምስክርነት እዚ ረሲዖምዎ ምህላዎም ዘሕዝን እዩ።