መራሕቲ ቤተክርስትያን መራኸቢ ብዙሃንን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን መጋበርያ ሰናይ ክኸውን ይሓትቱ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጸላኢ ምስ ዝህልወካን ዘይትፈልጦን ምስ ዝኸውን፡ ኣብ ህይወት ድርብ ሓደጋ እዩ ዘስዕበልካ። ይኹን እምበር፡ ህላወ ጸላኢ ብምፍላጥን ንቝሕ ብምዃንን፡ ነቲ ሓደጋ ምክልኻል ዝከኣል ምዃኑ፡ ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ወኪል ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ (RECOWA) ኣባ ጆርጅ ንዋቹኩ፡ ድሕሪ እቲ ዓውደ ኣኼባ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።
እቶም ኣብቲ ካብ ዕለት 27 – 29 ጥሪ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይጀሪያዊ ካህን ወኪል ዞባዊ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ናይ መላእ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (RECOWA)፡ ኩሎም መራሕቲ ቤተ ክስቲያንን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ ግዱሳት ኣካላትን፡ ብዛዕባ ዕቑር ዓቕሚ መራኸቢ ብዙሓን ከስተውዕሉን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ክኢላታት ክኾኑ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ ንቕሓት እዚ፡ መራኸቢ ብዙሓን ወገናውነት ዘየማእክልን ንሓደጋ ምድንጋራት ዘየቃልዕ ወይ ኣሉታዊ ጽልዋ ከይህልዎን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
"ኣብዚ እዋን እዚ መራኸቢ ብዙሓን ንፕሮፓጋንዳን ንተለኣኣኽነት ቦታ ኣብ ዝህበሉ ዘሎ እዋን፡ እዚ ዓይነት ኣካይዳ መራኸቢ ብዙሓን ከምጽኦ ዝኽእል ሓደጋ ብምልላይ፡ መራኸቢ ብዙሓን መራኸብን ሓናጺ ክኸውን ክንሰርሕ ይግባእ፡” ምስ በሉ፡ ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ብሓባር ኮይኖም ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ክገጥሙ ኣተባቢዖም፣ ጳጳሳት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተገዳስነትን ኣብኡ ወፍርን ብምግባር መሪሕነት ክወስዱ ድማ የተሓሳስቡ።
ኣብ ርክብ ትብዓት ምሕቋፍ
ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፡ ዋላ እኳ ሓደጋታት እንተሃለዎም፡ መራኸቢ ብዙሓን ንእወታዊ ለውጥን ንህንጸት ምትእስሳርን መሳርሒ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠይናታትን ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ወንጌል ሓቂ ኣብ ምብጻሕ ተባዓት ክኾኑ ጻውዒት ከም ዝቐረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሃገራት ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ናይ ዝከታተል ሽማግለ ኣቦ መንበር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰበኻ ሆሳእና ጳጳስ ኖኤል ስዩም ፍራንስዋ፡ ኣብ ኣገልግሎት መራኸቢ ብዙሓን ተባዕ ምዃን ከም ዘድሊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዛከይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡
“ናይ ርክብ ሓላፍነት ምቕባል ተባዕ ምዃን ይሓትት . . . ገለ ሰባት ኣብ ኣጠቓቕማ መራኸቢ ብዙሓን እወታውያን እያቶም፡ ገሊኦም ግን ነቲ መድረኽ ሓሶት ዜና ንምፍናውን፡ ምስልን ሓበሬታን ንውልቃዊ ረብሓ ይጥቀምሉ፡ ስለዚ ኣብ መንጎ እዚ ኹሉ ሓደጋታት፡ ሓቂ ኣብ ምእዋጅ ተባዕ ምዃን የድሊ” ኢሎም።
ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ክውንነት እዩ
ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣምር ዘይኮነስ ህሉውን ንጡፍን ክፋል ዓለምና ኮይኑ ኣሎ፡ ስለዚ እዚ ክውንነት እዚ፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ትኽክለይና ሕንጸት ክረኽክብ ዝጠልብ እዩ እንክብሉ፡ ኣብ ናይ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ማሕበር ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ናይ ዝክተተል ሽማግለ ኣቦ መንበር ኣቡነ ኖኤል ስዩም ፍራንስዋ፡ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ "ማሕበረሰብ ክርስቲያን እደ ጥበባዊ ምዕባለ ንሓባራን ሰናይን ኩሉ ኣብ ዝብል መትከል ዝጸንዓ ኣተቓቕማ ከስፍሑ” ሓቲቶም፡ “ስለዚ ነዚ ህልውን ንጡፍን ክፋል ዓለምና ኮይኑ ዘሎ ምዕባለ፡ ኣቓልቦ ክንህቦን ንመዳቐሊ ብልሒ ደቂ ሰባት ንምጥቃም ካብ ዝግበር ተግባር ክንጥንቀቕ ኣለና . . . ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንጥቕሚ ቤተ ክርስቲያን ከነውዕሎ ይግባእ፡ ስለዚ ክንፈልጦ ኣሎና፡ እንተዘይፈለጥናዮ ግና ግዳያት ክንከውን ኢና፡ ስለዚ ንጥቕሚ ሰብኣዊ ፍጥረት ንጠቐመሉ” ኢሎም።
ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ክፍርሓና የብሉን
ኣብ ደሴታት ካሪቢያን ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ካቶሊካዊ መራኸቢ ብዙሓን ዘገልገላ ዘለዋ ጋዜጠይና ሊዛ ባጃን፡ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፡ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ለውጢ ዘምጽ ጽልዋ ከም ዘሕድር ኣረጋጊጸን፡ ድማ ሓላፍነት ዝመልኦ ኣጠቓቕማ ክህሉ መታን ቤተ ክርስቲያን ግቡእ ኣጠቓቕማ ክህሉ ትጽውዕ፡ ስለዚ እዚ ተበጽሖ እዚ ከፍርሓና የብሉን” ኢለን።