ድለ

2025.01.27 Il cardinale Gugerotti in visita ad Aleppo, Siria 2025.01.27 Il cardinale Gugerotti in visita ad Aleppo, Siria 

ካርዲናል ጉጀሮቲ፦ 'ክርስትያን ምእመናን ኣብ ሶርያ መሪሕ ግደ ኺህልዎም ኣለዎ'

ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ክላውድዮ ጉጀሮቲ ኣብ ኣሌፖ በጺሖም፣ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ክርስትያን ምእመን ከኣ፣ ንሶርያ ዳግም ኣብ ምህናጽ ኪሕግዙን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንህይወት ክጣበቑን ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ካብ ደማስቆ ናብ ኣሌፖ ዚወስድ መገዲ፣ ሃገረ ሶርያ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመት ዘሕለፈቶ ሰማእትነት ዘመልክት ኢዩ።

ተጓዓዝቲ ካብታ ከተማ ክወጹ ከለዉ፡ ብሓዊ ዝተቓጸሉ ድፋዓትን መዓስከታት ወተሃደራትን፡ ሓድሽ ሃገራዊ ባንዴራታት ዝምበልብሉን፣ ዝተቐደደን ዝተቓጸለን ፖስተራት በሽር ኣል ኣሳድ ዘለዎምን፡ ኣብ ጽርግያ ብደብዳባት እተቓጸላ መካይን፡ ከምኡ’ውን ብሙሉእኡ እቲ ከባቢታት ዑና ኮይኑ ኢዮም ዝረኽብዎ ዘለዉ።

እዚ ጽንኩር ትርኢት እዚ ኣብ ጥቓ ሃማ ውን ይቕጽል ኣሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ፋብሪካታት ተዓጽየን፡ ብዙሕ መሳለጥያታት ድማ ዑና ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

ወሰናስን ከተማ ሆም፣ ሒደት ሰፈር እተመዛበሉ ሰባት እንተ ዘይኰይኑ፣ ዑና ኣቝሻት ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። እቲ ብ2023 ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዓነወ ህንጻታት፣ ኣብ ገጠራት ኢድሊብ እውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ ዝመስል ዘሎ።

ኣብ መወዳእታ ሒደት ዝሰልከዩ ወተሃደራት፣ ሓሓሊፎም ድማ መፈተሺ ነቝጣታት ይርከቡ፣ ድሕሪ እዚ ኩሉ ድማ ኣብ ኣሌፖ ስቓይን መከራን ዝመልኦ ጾር ዝተሰከሙ ሕዝቢ ይርከቡ።

'እታ ሓዳስ ሶርያ ገና ትጸዓር እያ ዘላ'

ዝሓለፈ ሰንበት እቶም ናይቲ ብዛዕባ ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያንን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅስቲ መንበር ህየንተ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ጉጀሮቲ፣ ከም ልኡኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብታ ኣብ ዞባ ኣዕራብ ብዕቤታ ሳልሰይቲ ዝኾነት ክርስትያናዊት ከተማ ነጺሖም፣ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ካብ እተፈላለያ ጕጅለታት ዝመጹ ልዕሊ 300,000 ክርስትያን ምእመናን ዚነብሩላ ዝነበሩ ከተማ ኢያ። ሎሚ ግን ካብ 30,000 ዝውሕዱ ጥራይ ኢዮም ኣብኣ ዝነብሩ ዘለዉ።

ነቶም ኣብታ ዓባይ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ፍራንቸስኮ እተረኽቡ፣ ላቲናዊ ሥርዓት ዝኽተሉ ምእመናን "እታ ሓዳስ ሶርያ ገና ኣብ ሕማም ሕርሲ እያ ዘላ" ክብሉ ኣመልከቱሎም። እንተዀነ ግን ንኽትወልድ ንፍዕቲ መሕረሲት ተድልያ ኣላ፣ እዚ ኸኣ ናይ ክርስትያን ምእመና ዕማም ኢዩ" በልዎም።

ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ እቶም ኣብ ኵለን ጕጅለታት ዝርከቡ ክርስትያን ምእመናን ዘጋጥሞም ዘሎ ከቢድ ጸገማትን ስግኣትን ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃቡሉ፣ ፍርሆም ናብ መልመስቲ ክመርሕ ከም ዘይብሉ ውን ኣመልከቱሎም። ሶርያውያን ክርስትያን ማዕረ ዜጋታት ንምዃንን ሓድሽ ህዝቢ ኣብ ምህናጽን፡ ኣበርክቶ ንምግባርን ዝከኣሎም ኵሉ ኽገብሩ ኸም ዘለዎም ውን ገለጹ።

ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ምእመናን ሶርያ ዘለዎም ጥቡቕ ርክብ ውን ኣካፈልዎም። ዝሓልፈ ሰንበት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ "ሓደ ኣካል ምዃን ክበሃል ከሎ፣ ኵሎም ኣባላት ማዕረ ኣገዳስነት ከም ዘለዎም ዘመልክት ኢዩ ። ስስዐ ኺህሉ ኣይግባእን እዩ፣ እዚ ኸኣ ክርስትያን ምዃን ማለት እዩ" ክብሉ ተላበውዎም።

ካርዲናል ጉጀሮቶ ኣብ ኣሌፖ
ካርዲናል ጉጀሮቶ ኣብ ኣሌፖ

ምስ ኣደ ሓደ እተጨውየ ካህን ከም እተራኸቡ

ደድሕሪ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ እዞም ልኡኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ስድራቤት ሓደ ኣብ ዓመተ 2012 ዝተጨውየ ውን ተራኺቦም፣ ምስቲ ዝተጨውየ ካህን፣ ሓደ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ካህን ውን ጠፊኡ ኢዩ።

ኣደ እቶም እተጨውዩ ካህን፣ ንሬሳ ወዳ ኺትሓዝን ከም ዘይከኣለት ብምግላጽ ጓሂኣ እናነብዐት ኣካፈለቶም። እታ ሓዳስ ሶርያ ኽትቅጽል እትኽእለሉ እንኮ ተስፋ፣ ዕምባባ ኸነንብረሉ እንኽእል መቓብር ምርካብ እዩ ውን በለት።

ምምላስ ስደተኛታት

ካርዲናል ጉጆሮቲ ኣብ ገዳም ማሕበር ደናግል ፍራንቸስካውያን ምስ ኣምባሳደር ሃገረ ኢጣልያ ስተፋኖ ራቫኛን ብዘካየድዎ ርክብን፣ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲን ብምርኻብን ናይታ ዕለት መደባቶም ዛዘሙ።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተይናታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፣ ካብ ዕለት 8 ታሕሳስ ኣትሒዙ ስደተኛታት ናብ ሶርያ ክምለሱ ጀሚሮም ኣለዉ። ክሳዕ ሕጂ እንተ ወሓደ 210,000 ስደተይናንታት ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ተመሊሶም ኣለዉ፣ ብገምጋም 600,000 ዝዀኑ ድማ ኻብቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር እተመዛበሉ ሰባት ናብ ኣባይቶም ተመሊሶም ኣለዉ ።

እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ኣስዒቡ - "ሕጂ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ንምድጋፍን፣ ነታ ሃገር ናብ ንቡር ንምምላስን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዋን ኢዩ" ክብል ይምስክር።

ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ ህይወት ሰባት ንምህናጽን ንህዝቢ ሶርያ ተስፋ ንምምላስን ምትሕብባርን ጻዕርን ኸም ዘድሊ ብምጕላሕ፣ ነቲ ምስ ፊሊፕ ግራንዲ ዘካየድዎ ርክብ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ካአርዲናል ጉጆሮቲ ምስ ኮሚሽነር ስደተይናታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶርያ
ካአርዲናል ጉጆሮቲ ምስ ኮሚሽነር ስደተይናታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶርያ
30 Jan 2025, 13:19