ህየንተ ሩፊኒ፥ እዚ ዘለናዮ ግዜ ንዓለም እንቐርጸሉ እዋን እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ሰውራ ይካየድ ኣብ ዘለሉ እዋን ህየንተ ናይቲ ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳያት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ፥ "ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ንሓቂ ንምክፋልን ዝሓሸት ዓለም ንምህናጽን ማሕበረሰብ መድረኽ፡ ሓባራዊ ምክፋልን ምትሕብባርን ንምፍጣር ንዘጋጥሞም ብድሆ ምላሽ ንምሃብ ድሉዋት ድዮም? ዝብል ሕቶ፥ ኣብቲ ካብ ዕለት 23 - 24 ሕዳር ኣብ ባንግሎር ህንዲ ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊክ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ሃገራዊ ዋዕላ ንምብጋስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣቕሪቦም፥ "ኣብ ናይ መሰጋገሪ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ኣብ ሰውራዊ ኪደት ይርከብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍልጡ።
እዚ ግዜና እዩ
ንህጹጽነት ስጕምቲ ብምጕላሕ ድማ "ሕጂ ግዜና እዩ። (...) ዓለም በቲ እንገብሮ ዀነ በቲ ዘይንገብሮ ነገራት ኢና እንቐርጻ ዘሎና።" እቲ ነቲ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ ዘመን ሰብ ሰርሖ ኣስተዎሎ ምብራህ ዝብል ኣርእስቲ ዝገበረ ፍጻመ ማሕበራዊ መራኸብን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ሰባት ዘለዎ ጽልዋ ንምምርማር ከምኡውን ሓላፍነት ዝስምዖምን ስነ - ምግባራውን ኣጠቓቕማኡ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ምዃኑ ራፊኒን ገሊጾም፥ " ንሓቂ ብምንጋርን ብምክፋልን ንዓለም ኪቐርጹ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት እንተ ዘይህልዉ ነይሮም ኣብቲ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ባሕሪ ምሕባስስ ጥራይ ኮይኑ ምተራእየ ነይሩ . . .
“ምክፋል እቲ ቁልፊ ቃል እዩ”
ንሰማዕቱ ዛንታታት ዘካፍሉን ርክብ ዚሃንጹን ከምኡውን ነቲ ኣዝዩ ጠቓሚ ግን ከኣ ጐዳኢ ኪኸውን ዚኽእል ንደቂ ሰብ ጥፋኣት ከይከውን ከኣ "ከም ሰብ መጠን ዝያዳ ብሱላት ኪዀኑ" ዚኽእሉ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎ ዚጥቀሙሉ መርበብ ሓበሬታ ኺፈጥሩ ኣተባብዖም። ኣብ መራኸብታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምምዕባል፡ ኣብ መንጎ ውልቀሰባት ዘሎ ርክብ ንምድልዳል ወይ ጽምዋ ንምዕባይ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ብምዝኽካር “ንነፍሲ ወከፍና ካብቲ ሓቀይና ርክብ ጥራይ ክህቦ ዝኽእል ምዉቕ መንፈስ ከርሕቐና ከም ዝኸል” የጠንቅቑ።
ሓላፍነት ኣብ ምጥቃም ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ
ሰብ ሰርሖ ኣሰውዕሎ ማዕርነት ንምዕባይ ክውዕል ከምዝኽእል ዘለዎም እምነት ገሊጾም፥ “እቲ መሰረታዊ ሕቶ ብዛዕባ ደቂ ሰባት እምበር ብዛዕባ መጋበርያታት ኣይኮነን፤ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዘሎ ርክብ እምበር ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣይኮነን” . . .
“ነዚ ብድሆ ድሉዋት ዲና? ኩላትና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ዝበለጸ ነገር ንምውጻእ ዝሕግዝ ሓይሊ ናይቲ መራኸቢታት ንፈልጦ ኢና።”
"መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሸት ዓለም ንምህናጽ መጋበርያ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ወይ ድማ ዘይምርድዳእ፡ ቂምታ፡ ቅርሕንቲ ዘለዓዕል ክኸውን ይኽእል'ዩ . . . ዝኾነ ወፍሪ ሓቂ ንምዝርጋሕን ኣብ ዛንታታትና ጽቡቕ ንምልዕዓልን ዝሕግስ ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓድነት ኣብ ብዙሕነት
ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፈጺምና ተስፋ ንኸይንቈርጽን ከምኡውን ኣብ መንጎ ዅሎም ኣባላት ሰብኣዊ ስድራቤት ምትሕብባርን ምድግጋፍን ንምድንፋዕ ዝሃብዎ ምትብባዕ ብምዝካር "ምስ ተህዋስ ምግምማዕ ንምቅላስ ኣብ ርክባትን ሰብኣውነት ተመርኲስካ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ምህናጽ” ወሳኒ እዩ፥ ስለዚ ኣብዚ ዕዮ እዚ ብቖራጽነት ምስጓም የድሊ . . .
"ብዙሓት ሓድሽ መናድቕ ባቢሎም ንምህናጽ ኣብ ዝፍተኑሉ እዋን፡ ነዚ ተኣምር ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ከነገልግሎ ተጸዊዕና ኣሎና" ኢሎም፡ "ክሰርሕ ንሓድሕድና ክንተሓጋገዝ ኣለና" ኢሉ።
ብዙሓት ሰባት ሓድሽ ግምቢ ባቤል ንምህናጽ ኣብ ዝፍተኑሉ እዋን፡ ነዚ ተኣምር ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ንኽንሃንጽ ተጸዊዕና ኢና
ብማሕበራዊ መረብት ዝግበር ርክባት ቅድሚ ሕጂ ብዘይተሰምዐ መንገዲ ክንተኣሳሰር ከምዘኽእለና ገሊጾም፥ እቲ ምትእኽኻብ ድማ ማሕበረሰብ ንምምስራት ዘኽእል ዘተኣማምን መገድታት ንምክፋልን ንምትሕብባርን መሰረት ክኸውን ይኽል” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።