ድለ

2020.10.19 Mons. Gabriele Caccia nuovo Osservatore Permanente della Santa Sede presso l’ONU 2020.10.19 Mons. Gabriele Caccia nuovo Osservatore Permanente della Santa Sede presso l’ONU 

ቅድስቲ መንበር ፦ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰላም ንምምላስ ክጽመዱ ኣለዎም

እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋብሪየለ ካቺያ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ኣባላት ው. ሕ. ሃ. ኣብቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ውጥረት ንኣከባብያዊ ቕልውላውን ንምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን የጋድድ ንዘሎ ግጭት ኣብ ዝበዝሖ ዞባታት ሰላም ንምድን ክሰርሑ ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን

ቐዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሓፈሻዊ ባይቶ ው. ሕ. ሃ. ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣባል ሃገራት ናብ ምርግጋእን ውሑስ ሕብረተሰብን ዘምርሕ መንገዲ ሰላም ክሃንጹ ተላብዮም።

ሊቀ - ጳጳሳት ካቺያ ኣብቲ ኣብ ንመበል 79 ግዜ ዝተኻይደ ሓፈሻዊ ባይቶ ኮሚቴታት ብዛዕባ ዅሉ መዳያት ንጥፈታት ሰላም እተገብረ ሰፊሕ ውጥናት ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ንመሳኪን ህዝቢ ምዕቋብን ነባሪ ሰላም ንምድንፋዕ ዝግበር ጻዕርታት ምድንፋዕን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዝርከብ ኣሳልጦን ብድሆታትን ዝግበር ዘተ ሰላም ብሓቂ ዝዕምብበሉ ዅነታት ንምፍጣር ሓድሽ ቈራጽነት ንኽንገብር ክድርኸና ከም ዘለዎ ውን ኣጕልሑ ።

ንጻዕርታት ሰላም ዘየቋርጽ ደገፍ የድሊ

ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ ነቲ ብውግእ እተጸልወ ሕብረተሰብ ዳግም ኣብ ምህናጽ ይሕግዝ ጥራይ ዘይኰነስ ንሰላማውያን ሰባት ኣብ ምዕቋብ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣብ ምድጋፍ ከምኡውን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምድንፋዕ ወሳኒ ግደ ኸም ዘለዎ ብምጕላሕ ጻዕርታት ሰላም ቀጻሊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣስፊሖም ገለጹ።

"ኣብ ከባቢታት እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ውጥረት ኣከባብያዊ ቕልውላው ከምኡውን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብዚ እዋን እዚ ይጋደስ ስለዘሎ ኣገዳስነት መስርሕ ምዕቃብ ሰላም ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ" በሉ።

ወሲኾም ድማ "እዚ ተልእኾ እዚ ካብ ሃገራት ዘይቀያየርን ሓድነት ዘለዎን ደገፍ ንምርካብ ጸገማት ከም ዘጓንፎን ምግንዛብ ዘሕዝን ኢዩ" ውን በሉ።

ሓድነት ኣባል ሃገራት ንዓቀብቲ ሰላም ንምዕቋብ

እዞም ሊቀ-ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ዓቀብቲ  ሰላም ዝወረደ መጥቃዕቲ ቅዱስቲ መንበር ዘለዋ ሻቕሎት ገሊጾም።

ከምዚ ክብሉ ድማ ተማሕጸኑ - "ኣባላል ሃገራት ንህይወት ዓቀብቲ ሰላም ንምሕላው ዝገበርዎ ሓባራዊ ቘራጽነት ከረጋግጹን፣ ነዚ ኣብ መላእ ዓለም ሰላምን ርግኣትን ንምምሕያሽ ኣድላዪ ዝዀነ ወሳኒ ንጥፈታት ንምድጋፍ ክዛተዩን ኣለዎም።"

ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ ኣብ መደምደታ "ሰላም ዓቢን ክቡርን ዋጋ ዕላማ ተስፋናን ትምኒትን ናይ ብምሉኦም ስድራቤት ደቅሰባት ኢዩ" ብምባል ኣብ መደረኦም ዛዘሙ። ንዅሎም ሓለውቲ ሰላም ስለቲ ዝገበርዎ ወፈያን ነቲ ሓባራዊ ጥቕሚ ዝገበርዎ ቘራጽነትን ልባዊ ምስጋናኡ ውን ገለጹሎም ።

15 November 2024, 08:58