ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር፥ 'ኣብ ጎልጎል ዓውደ ውግእ ዝርከብ ቤት ሕክምና እዩ’
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅድስቲ መንበር ንግርጭታት ንምፍታሕ - ኣብ ዩክሬን ይኹን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ካውካሰስ፡ ሚያንማር፡ ኢትዮጵያ፡ ወይ የመን - ከምኡ'ውን ሰላም ንምድንፋዕ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ሃይማኖታዊ ናጽነትን ንምስጓም፡ ናይ ሓባር ቤትና ንምሕላይ፡ ንኻልእ ከም ውዳቕ ዝሓስብ “ጓሓፋይ ባህሊ" ንምቅዋም ዘለዋ ተወፋይነት፤ ስደተይናታት ምድጋፍ፤ ከምኡ’ውን ተበጻሕነት ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ውሑስ ምግባር ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ መሰረታዊ ጻዕሪ ምዃኑን ካብዚ ሓሊፉ ንፍትሓዊ ቁጠባዊ መርሕታት ይጣበቕ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ይቃለስ፣ ሕውነትን ብዙሕነታውነትን ዘስፍሕ እዩ። ብሓጺሩ “ኣብ መንጎ ውግእ እትርከብ ቤት ሕክምና” ምዃኑ ዘረጋገጽን ብዛዕባ ማሕበረሰብ ዓለም ዘጋጥሞም ብድሆታት ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ዓለም ለኻዊ ዓውደ ዘተ ኣገዳስን መብዛሕትኡ ግዜ ርእሰ ሓያላት ሃገራት ከይተረፋ በይነን ክበጽሕኦ ዝምነየኦ ውጽኢት ዘውሕስ "ልኡም ሓይሊ" እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዋና ጸሓፊ ቅድቲ መንበር ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድባትን ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ገሊጾም፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ቅድስቲ መንበር ምስ 184 ሃገራት ዝምድና ከም ዘለዋን ምስ ዓለማዊ ትካላት ምሕደራ ብዕምቆት ዝተዋፈረን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ጸዋዕታኡን መጋበርያታቱን ኣብቲ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሉብሊን (KUL) ኣብ ዝተዳለወ ዓውደ መጽናዕቲ፥ "ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ኣብ እዋናዊ ዓለም" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ዘተ፡ ትሕትናን ህንጸት ሰላምን
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ህልው ኩነታት ተልእኾ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ካብ ታሪኻዊ ኣጠማምታ ጀሚሩ ብዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ህንጸት ድልድልን ዘተን ከምኡ’ውን ነቲ ዘይስገር ዝመስል ግርጭታት ኣብ ምፍታሕን ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ወገናት ምልክት ሰናይ ድሌት ኣብ ምምዕባልን ኣድማዒ ኮይኑ ዝተረጋገጸ ትዕግስትን ትሕትታን ዝብል ኣገባባት ዝስዕብ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ ብመሰረቱ ነዚ ድማ "ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ምሕረት" እንክብሉ ገሊጾም፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዕዮ ንሓድነትን ንሓባራዊ ረብሓን ሓቀይና ፖለቲካዊ ተወፋይነት ዘንጸባርቕ እዩ - ረቂቕ ዕላማ ዘይኮነስ ብጭቡጥ ተግባራት፥ ከም ምስራዝ ዕዳ ወጻኢ፡ ምርግጋጽ መምርሕታት ምትሕብባርን ልምዓትን፡ ከምኡ'ውን ምድንፋዕ ሰብኣዊ ክብሪ፡ ክሳብ ናይ ሞት ፍርዲ ምውጋድ ዝኸይድ ምዃኑ የመላኽቱ።
ር.ሊ.ጳ. ከም ዋና ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ
ንተማሃሮ እቲ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ፡ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብዛዕባ ኣቃውማን ወሰንቲ ኣካላትን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ቅድስቲ መንበር፥ ከም ሓዋርያውያን ልኡካን ቅድስቲ መንበር ህላወ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝተፈላለየ ባህላውን ሃይማኖታውን ቦታታትን ዘረጋግጽን ግደ ሓዋርያዊ ወከልቲ ድማ፣ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድናታት ኣብ ዘይነበረሉ ከባቢ ንቅድስቲ መንበር ምውካል ዝብል ኮይኑ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻእን ምስ ኣህጉራውያን ትካላት ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ነቲ "ሰፊሕን ንጹርን" መርበብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ዝመርሕ እኳ እንተኾነ፡ ግን "ቀዳማይ ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ባዕሎም ር.ሊ.ጳ.” ምዃኖም ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘመን ር.ሊ.ጳጳስና “ንምብራቕ ኤውሮጳ ዝምልከት ሕቶታትን" ነዚ ብሰፊሑ ዘርኣየ ኮይኑ፡ ሎሚ እውን እንተኾነ "ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ዘለዎም ጽልዋ ክንርኢ ንኽእል ኢና። ንስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ንጥፈታት ቅድስቲ መንበር ዘነቓቕሕን ህያው ዝገብርን ናይ ር.ሊ.ጳ. ቃላትን ተግባርን እዩ" ኣንክብሉ ገሊጾም፥ ብመገዲ ምዕዳኖምን፡ ጸሎቶም፡ ርክባቶምን፡ ዓዋዲ መልእኽትታቶምን ኣብ መላእ ዓለም ብዘካይድዎ ጉዕዞን፡ ዘይሕለል ግብረ ገባዊ ስልጣኖም ይጥቀሙ"፡ ምስ ኣድልዎን ኢፍትሓውነትን ይገጥሙ፡ ንዝተደርበዩ ዝተናዕቁን ዝሕረጉን ይበጽሕ፡ ንዓለምናን መጻኢናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጎዳኢ ተግባራት ብምልላይ ድማ የጠንቅቑ።”
ጻዕርታት ኣብ ምፍታሕ ግጭት
ኣብ ዩክሬን ይኹን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣፍሪቃ ወይ ኣብ ካውካሰስ ኣብ ምፍታሕ ግጭታት፥ ሃገረ ቫቲካን ብዘይ ርኣዩለይን ስምዑለይን እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ እውን ኣብ መድረኦም ጠቒሶም፥ ቅድስቲ መንበር ብዘይ ኣድልዎ እናተዋስአት "ናይ ፍትሓዊ ዝምድናታት፡ ምኽባር ኣህጉራዊ ስርዓታትን ምሕላው መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ዘማእከለ ናይ ሰላም ሓሳብ ንምድጋፍ ድምጻ ተስምዕ፡ ምትእትታዋት ትገብር . . ." ቅድስቲ መንበር ንሰብኣውያን ማሕበራት ንምድጋፍ እውን ትዓዪ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዝርሳዕ ዞባታት ምሕዳስ፡ ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ናብ ኣባይቲ ስድራኦም ንኽምለሱ ዘኽእል መገዲ ንምርግጋጽ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ምልውዋጥ እሱራትን ምምላስ ኣብቲ ውግእ ዝተቐት ወተሃደራትን ዝብል "መትከል ሰብኣውነት . . . እዚ ኩሉ ብስም ወተሃደራዊ ድሌታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ከም ዘይብሉ ተተባብዕ፡ . . . ብቐንዱ ህይወት በርገሳውያን ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ፡ እዚ ተጸምዶ እዚ ንምፍታሕ ኣጽዋር ኣብ ዝግበር ናይ ዘተ ጻዕሪ ንጡፍ ተሳትፎኡ ክህልዋ ዝድግፍ እዩ።”
መሰል ህይወት
ጋላገር ብተወሳኺ ቅድስቲ መንበር ንሰብኣዊ መሰላት ዘለዋ ተወፋይነት፡ "መሰል ህይወትን ዘይግሃስ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ውላድ ኣምላኽን" ከምኡ'ውን ምክልኻል "ቅዱስ ክቡር ሕይወት ደቂ ሰባት ካብ ምጽናስ ክሳብ ተፈጥሮኣዊ ሞት" ሓዊሱ . . . ነዞም "ስነ - ምግባራዊ መዐቀኒታት" ትድግፍን ተነቓቕሕን ወሳኒ ዓለምለኻዊ ዘተ ክረጋገጽ ድማ ተተባብዕ፡ . . . ብዛዕባ እተን ካብ ትምህርትታት ቤተ-ክርስትያን ዚርሕቃ ንሰብኣዊ መሰላትን ክብርን ዝተፈልየ ኣመለኻኽታ ዝህብ ርእየተ ዓለም ዘቕርባን በስገዳድ ቅቡል ክኸውን ዝጽዕራ ሃገራት ወይ ጉጅለታት ሓድሓደ ግዜ ድማ ነቲ ዘቕርበኦ ርእይተ ዓለም ቅቡል ንምግባር ግብረ - ሰናይን ምዕባለን ቅድመ ኩነት ገይረን ከም ዘቕርባን፡ ቅድስቲ መንበር ከም መሰላት ምንጻል ጥንሲ ዝድግፍ ምልካዊ ርእየተ ዓለም ብምቅዋም "ንኣድማሳዊ ኽንክን ጥዕና ዘለዋ ቘራጽነት ተጒልሕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ሃይማኖታዊ ናጽነት
ሃይማኖታዊ ናጽነት ካልእ ማእከላይ ኣርእስቲ ናይቲ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ኮይኑ፡ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብዛዕባ ሕድሪ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እንከስተንትኑ፥ ሃይማኖት ንፖለቲካዊ መዳይን ክትዓትን መጋበርያ ምግባር ምቅዋም ከምዘድሊ ገሊጾም፥ ሃይማኖት ከም ናይ ፖለቲካ መጋበርይ ምግባር ናብ ኣድልዎን ዓመጽን ውግእን ከይተረፈ ከም ዝመርሕ ንጹር እዩ፡ ቅድስቲ መንበር ብቐጻሊ "ንሕጋዊ ርእሰ - ምሕደራ መንግስቲ እናኽበረት ንህዝባዊ ሸነኽ ሃይማኖታዊ ናጽነት" ተጉልሕ . . . ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባትን ከም ተጻባእቲ ዘይኮኑስ መሻርኽቲ ጥዑይ ዘተ ተተባብዕ።
ናይ ሓባር ቤትና ጓሓፋይ ባህልን እደ ጥበባዊ ምዓባለ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎን
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዛዕባ ካልኦት ወሳኒ መዳያት ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ክዝርዝሩ እንከለዉ፥ ሓልዮት ናይ ሓባር ቤትና ሓዊሱ፡ ነቲ "ሰባት ብጥቕሞም ጥራይ ብምግምጋም ክብሪ ደቂ ሰባት ዘለዎ ዋጋ ዘጉድል “ጓሓፋይ ባህሊ” ከም መርገጺ ምጥቃም ዘዝፍሖ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ሸለልትነትን ጽልዋ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ ሓይሊ ስራሕ፡ ከምኡ'ውን ስክፍታታት "ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፥ ስነ-ምግባራዊ ማሕታኡን ብዛዕባ ስደት፥ ቅድስቲ መንበር፣ ብኩናት፣ ግጭት፣ ድኽነት ተደሪኾም ዝተመዛበሉ ኣስታት 120 ሚልዮን ህዝቢ ዘጥቅዕ ዘሎ ቅልውላው መፍትሒ ንምድላይ ተወፋይነት ከምዘለዋ ደጊሞም ብምርግጋጽ ኣገዳስነት ፍትሓዊ ቁጠባዊ መምርሕታትን ጻዕርታትን "ድኽነት ንምጥፋእ፡ ሰብኣዊ ሕውነት ከም ጸረ - መርዚ "ዓለማዊ ምትእትታው ዘይምግዳስ" ንምድንፋዕ ዝዓለመ እውን ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
"መርዛም መዓት" ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት
ቅድስቲ መንበር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ካልእ ዓይነት ዘመናዊ ጊልያነትን ንምጥፋእ እውን ቆሪጻ ተበጊሳ ኣላ። "ር.ሊ.ጳ እዚ ገበን እዚ ንኽውገድ ከይተሓላሉ ዝጽውዕ ግብረ ገባዊ ድምጺ ኣብ ምምራሕ ይርከቡሉ፥ . . . ነዚ "መርዛም መዓት" ንምምካት ቅድስቲ መንበር መንግስታት ነቲ መሰረታዊ ጠንቅታት ከም ጽንኩር ድኽነት፡ ብልሽውና፡ በደልን ቁጠባዊ ምግላልን ክፈትሑ ትላቦ።
ምልክት ተስፋ ምዃን
ኣብ መደምደምታ ሊቀ ጳጳስ ጋላገር ኣብ ድሕረ ባይታ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “እናተፈናጀረ በቢ ቕሩብ ዝካየድ ሳልሳይ ኲናት ዓለም፥ እንክብሉ ዝገልጽዎ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንምፍታሕ ተልእኾ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስት መንበር "ምልክት ተስፋ ክኸውን" ይመርሑን በዚ መገዲ እዚ "ንሓባራዊ ረብሓ ዘገልግል" ኮይኑ ንሓባራዊ ሃረርታ ምርግጋእን ድሕነትን ሰላምን ዝመርሕ ድምጺ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ ቢሎም፥
ውኢላትን ስምምዓትን
ወሲኾም ክልተኣዊ ርክባት ቅድስቲ መንበር ምስ ዝተፈላለዩ ኣህዛብ ብውዕላትን ስምምዓትን እንታይ ይመስል እንከብሩ፡ እዚ ድማ "ብሓደ ወገን፡ ካብ ዝኾነ ዘይግቡእ ምትእትታው መንግስቲ ኣብ ጉዳያት ቤተ ክርስቲያን ንምክልኻል መሰረታዊ ምዃኑን፡ ከምኡ'ውን፡ ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ውሽጢ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ውጽኢታዊ ምትሕብባር ንምርግጋጽ፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም ጉዳያት ምስ ሃገራት ምትእስሳር ምስ ከባቢታት ዝድግፍ እዩ። ንኣብነት ምስ ቻይና ዝተገብረ ግዝያዊ ስምምዕ ብዛዕባ ሹመት ጳጳሳትን ምስተን ገና ወግዓዊ ስነ መላዊ ርክብ ምስ ቅድስቲ መንበር ዘይብለን ሃገራት ዝግበር ዘሎ ምድላዋት ጠቒሶም፥
መተግባሪ
ቅድስቲ መንበር ካብ 1949 ዓ.ም. ጀሚራ ኣብ FAO - ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግብን ሕርሻን ቀዋሚ ተዓዛቢ ከም ዘለዋን እዚ ኸኣ ኣብ ሓያሎ ኣህጉራውያን ማሕበራትን ትካላትን ኣበርክቶ ብምግባር ምስ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዘለዋ ርክብ ብቐጻሊ ከተደልድል ዕድል ፈጢሩ እዩ፡ እዚ ተጸምዶ እዚ ቅድስቲ መንበረ "ብቐዳምነት ከም ናይ ስነ - ምግባራዊ መሪሕነት ሓይሊ ኮይና ንኽትዓዪ" ከምኡውን ምትሕብባርን ምይይጥን ንምስፋሕ ኣኽእሎ ኮይንዋ እዩ። ስለዚ ቅድስቲ መንበር "ንግጭታት ኣብ ምፍታሕን ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ጕዳያት ዘተ ኣብ ምድንፋዕን ወሳኒ ዝዀነ ዘተኣማምን ማእከላይ" ኰይና ከተገልግልን ኣብቲ ዘይስገር ምግምማዕ ጥራይ ዝረኣየሉ ድልድል ትሓንጽ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ይዛዝሙ።