ድለ

2024.11.13 Cardinal Czerny Asian Forum Celebrating Indigenous Living Traditions 2024.11.13 Cardinal Czerny Asian Forum Celebrating Indigenous Living Traditions 

ካርዲናል ችዘርኒ ንቤተ-ክርስትያን እስያ ምስ ማሕበረሰባት ደቀባት ክትዛተ ተማሕጸኑ

ናይቲ ብዛዕባ ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ችዘርኒ ነታ ኣብ እስያ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ምስ ማሕበረሰባት ደቀባት ዘለዋ ርክብ ከም "ቐንዲ መሻርኽቲ ዘተ" ገይራ ከተዕምቖ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ችዘርኒ ኣብቲ ኣብ ነፓል ዝተኻየደ "ምጽንባል ሲኖዳውነትን ህያው ትውፊት ደቀባት ኣብ ቤተ-ክርስትያን እስያ " ዘርእስቱ ናይ እስያ ዋዕላ ንተሳተፍቲ እተላእከ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ምስ ደቀባት ምልላይን ምዝርራብን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።

ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ውሕስነት ኣብ ምድንፋዕ ዘለዋ ግደ ብምጕላሕ ከምዚ በሉ - "ኣፍልጦ ምሃብን ዘተን ነቲ ታሪኹ ግሉልን ኣድልዎን ዝመልኦ ርክብ ንምቕያር እቲ ዝበለጸ መገዲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ነቶም ካብ መላእ እስያ ዝመጹ ጳጳሳትን መራሕቲ ናይ ደቀባት ጕስነታዊ መራሕትን ካህናትን ደናግልን ምእመናንን ሰበ-ስልጣንን ከምኡ ውን ሊቃውንቲ ሥነ መለኮትን ኣብ ዘቕረቡሎም መደረ ንኣገዳስነት ባህልን ጥበብን መንፈሳዊ ልምድታትን ደቀባት ኣጕልሑ፣ እዚ ድማ ንቤተ-ክርስትያን ኣብ ሲኖዳውነት ጠቓሚ ኣበርክቶ ንኽትገብር ዘተባብዓ ኢዩ።

ብፁዕ ካርዲናል ቅዘርኒ ኸምዚ በሉ - "ኣባላት እታ ኣብ እስያ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ከም ምዃንኩም መጠን ምስ ደቀባት ከም ቀንዲ መሻርኽቲ ዘተታትኩም ዝኾኑ ሰብ ጥበብ፣ ባህላውያን ሓካይም፣ ፈላጣት ቆጽለ መጽሊ፣ መሕረስቲ፣ ንፈሳውያን ምራሕቲ፣ ከምኡ ውን ኣቀብቲ ጥበባት ዝኾኑ ምስ ደቀባት ዘሎኩም ርክብ ንኸተደልድሉ ኣጋጣሚ ኣሎኩም። እቲ ብእምነት እተመስረት ጉጅለ ዝወደቦ  ዋዕላ፣ ቤተ-ክርስትያን ማሕበራዊ ፍትሒ ኣከባብያዊ ዕቝባ ከምኡውን ባህላዊ ዕቝባ እናኣስፍሐት ንኣረኣእያ ደቀባት ብኸመይ ከተጠቓልል ከም እትኽእል ንመራሕቲ እምነት መሰረት ኰይንዎም ኢዩ።

ካርዲናል ቸዘርኒ ዘቕረብዎ መደረ ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝመሃርዎ ትምህርትታትን ካብቲ ቤተ-ክርስትያን ንመሰላትን መንፈሳውነትን ደቀባት ከተኽብርን ኣፍልጦ ኽትህብን ዝጽውዕ ኣቐዲሙ ኣብ ሃገረ ቫቲካን እተዛረብዎ ሓሳባትን እተመርኰሰ ኢዩ ዝነበረ።

ነቶም ተሳተፍቲ ኣብ ሓባራዊ ኣኽብሮት እተመስረተ ናይ ምትሕብባር ኣቀራርባ ከተባብዑ ተማሕጸዎም እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እተፈላለየ ባህልታትን ልምድታትን እስያ ንገዛእ ርእሳ "ስጋ ዝለበሰት" ቤተ-ክርስትያን ከም እትህሉ ዝገብር ኢዩ።

ኣብ ውርሒ መጋቢት 2024 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ንህዝብታት ደቀባት ዝያዳ ጽን ኢሎም ክሰምዑን ካብ ኣነባብራኦም ክመሃሩን" ኣተባብዕዎም።

"ደቀባት ዝገብርዎ ኣበርክቶ ኣብቲ ምስ ለውጢ ኣከባቢያዊ ዅነታት ኣየር ዝግበር ቃልሲ መሰረታዊ ኢዩ።... መንግስትታት ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ደቀባት ባህሎምን ቋንቋኦምን ልምድታቶምን መንፈሳውነቶምን ኣፍልጦ ኺህባሉን ክብረቶምን መሰላቶምን ኬኽብሩን እሓቶም እየ" ውን በሉ።

 

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ፈለማ ኣብ https://www.licas.news/ እያ ተሓቲማ ። ኵሉ መሰላት ደራሲ እተሓዝአ እዩ ። ብሳልሳይ ኣካል ዘይተፈቕደ ሕትመት ኣይፍቀድን እዩ ።

15 November 2024, 08:55