ድለ

ፓሮሊን ኣብ ሕቡራት ሃገራት: ልምዓት ስም ሰላም እዩ፣ ምውጋድ ዕዳን ኒዩክለራዊ ኣጽዋርን እዩ ፓሮሊን ኣብ ሕቡራት ሃገራት: ልምዓት ስም ሰላም እዩ፣ ምውጋድ ዕዳን ኒዩክለራዊ ኣጽዋርን እዩ 

ፓሮሊን ኣብ ሕቡራት ሃገራት: ልምዓት ስም ሰላም እዩ፣ ምውጋድ ዕዳን ኒዩክለራዊ ኣጽዋርን እዩ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መበል 79 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ይሳተፉ ከምዘለዉዕ ዕለት 23 መስከረም መደረ ከም ዘስምዑን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ድማ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር እገዳ ክግበረሉን ናይ ወጻኢ ዕዳ ሃገራት ደብባዊ ዓለም ክስረዝን እውን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ብብዙሕ ወገን ዝካየድ ዘሎ ቕልውላው ከምኡውን እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግጭታት ብንጹር ዳህሲሶም፥ "ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ምትእምማን ከም እተበላሸወን" እዚ ድማ ዘጉሂ ምዃኑ ገሊጾም፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ "ንማዕርነትን ሉዓላዊ ኽብርን ናይ ኵለን ሃገራት ከምኡውን ኣብ መንጎኦም ምትእምማን ንምቛም" ቆራጽ ስጉምት ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ብኣጽንዖት ገሊጾም፥ ኣስዒቦም ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ገምጋም ድኽነት ኣጸቢቑ ንምንካይ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተሓንጸጸ ሸቶ ዘላቒ ምዕባለ ኣዘኻኸሮ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ሰላም መሰረት ምዕባለ ምዃኑ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም ድማ ምእንቲ ሰላም ዝግበር ጻዕሪ ንዘላቒ ምዕባለ ወሳኒ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስክፍታ ብዛዕባ “ቅልውላው ደሞክራሲ”

ብዛዕባ ቅልውላው ብዙሐ - ጎናውነት ስርዓትን “ቅልውላው ምትእምማን ኣብ መንጎ ኣህዛብን” እናሓሰቡ እዚ ድማ ኣብ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግጭታት ከም ዝንጸባርቕን፥ “ንማዕርነትን ልኡላዊ ክብርን ኩሎም ኣህዛብን ኣብ መንጎኦም ምትእምማን ንምፍጣርን” ምዕያይ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ኣገዳሲ እዩ። . . . ውድብ ሕቡራት ሃገራት መጠን ድኽነት ዓለም ብዓቢኡ ንምንካይ ዝሓዞ ዕላማ ኣዘኻኺሮም እዚ ድማ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ምስቲ ሓድሽ ስም ሰላም ልምዓት ምዃኑ ዝገለጽዎ ኣምር ዝተተሓሓዘ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጸቢብ ስነ ፖለቲካዊ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ምንጻግ

“ሰላማውን ምዕቡልን መጻኢ፡ ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ዝከኣል ኩሉ መገድታት ንምጥቃም ፖለቲካዊ ድሌት ይሓትት፡ እዚ ድማ “ምጽጋን ኣህጉራዊ ትካላት ቍጠባ፣ ዳግመ ውደባ ዕዳን ምትግባር መደብ ምስራዝ ዕዳን” ዘጠቓለል እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሓድሽ ጻዕርታት ኣብ ምርጋፍ ኣጽዋርን “ምሉእ ብምሉእ ምድምሳስ ኑክልየሳዊ ኣጽዋርን” ከም ዘድሊ ድማ ኣተሓሳሲቦም፥ እዚ ድማ “ንሰብኣዊ ክብሪ ንምክልኻልን ኩሎም ሰባት ከም ውልቀሰባትን ከም ማሕበረሰብን ካብ ኩለንተናዊ ምዕባለ ክጥቀሙ ዝኽእልሉ መጻኢ ንምርግጋጽን፡ ጸቢብ ስነ ፖለቲካዊ መልክዓ ምድራዊ ኣቅዋምጣ ኣተሓሳስባታትን ንሓያል ቁጠባዊ ጐትጎቲ ምቅዋም” የድሊ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ የመላኽት።

ዕቃበታት ኣንጻር “መሰል ምፍራይ”

ካርዲናል ዋና ጸሓፊ ቅዱስቲ መንበር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ (AI) ኣስተብሂሎም፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ "ዓብይ ዕቤት ኢንዱስትርያዊ ንጥፈታትን ዜደንቕ ርኽበታት ስነ - ፍልጠትን" ዝዀነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ እውን ስጕምቲ ኺውሰድ ኣለዎ ከም ዝበሉን ይኹን እምበር እዚ እደ ጥበብ እዚ "ብህጹጽ ምቁጽጻር የድልዮ" . . . ልዕሊ ዅሉ ድማ  ነቶም መንእሰያት ወለዶታት ኣመልኪቶም - "ምዕብልና ንምቅልጣፍ ኣድላዪ ዅነታት እንኮላይ ሰናይ ስድራ ቤታዊ ሃዋሁ ንምርግጋጽ ከምኡውን ነቲ ብሰንኪ ድኽነት ግጭት ምዝመዛ ከምኡውን ትውክልቲ ዝመጽእ ማእለያ ዘይብሉ ብድሆታት ብምፍታሕ ንዅሎም ክቡር መጻኢ ክህሉ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ ። " ብዛዕባ እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት መጻኢ ውዕል ዝበሃል ዕቃበታት ቅድስቲ መንበር እውን ገሊጾም፥ እዚኦም ብቐንዱ ኣንጻር “ጾታውን ተፈጥሮኣዊ ጥዕናን . . . መሰል ምፍራይን” ንዝብሉ ቃላት ዘማእከል ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ብዛዕባ ‘ጾታ’ ብዝምልከት ቅድስቲ መንበር ‘ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ስነ-ህይወታዊ ጾታዊ መንነት ዝተመርኮሰ ምዃኑን፡ እዚ ድማ ወዲ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይትን’ ኢላ እትርድኦ እዩ።” ብተወሳኺ እቲ ሓዳር ዝምልከት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነዚ መሰረት ዝገበረ ከም ዝኾነን እዚ እውን ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝቐውም ህብረት መሰረት ዘለዎ እዩ እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣስተንፍሶ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መወዳእታ መደረኦም፥ ሎሚ ናይ ሓንቲ ሰብኣዊት ስድራቤት ምዃን ዝብል ስምዒት ይጠፍእ ኣሎ፡ ንፍትሕን ሰላምን ብሓባር ናይ ምስራሕ ሕልሚ ድማ ግዜኡ ዝሓለፎን ኡጦብያ ተገይሩ ይሕሰብ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ሃገራትን ህዝብታትን ከቢድ ጸገም የስዕብ ምህላዉ ኣብሪሆም፥ ኣገዳስነት ዘተ ብሰፊሕ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 September 2024, 16:24