ኣሓት ድንግል በነዲክቶስ ንገዳም እመ አቅላስያ ዘበቫቲካን ዳግም ከፊተንኦ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እዘን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተዓዲመን ዝመጻ ኣሓት ደናግል ኣርጀንቲናዊ ሥርዓተ ምንኩስና ዘቅዱስ በነዲክቶስ ዝኽተላ ፣ ኣብቲ ኣብ ማእከል ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን ዚርከብ ገዳም “እመ ኣቅላስያ” ምንኩስናዊ ህይወተን ክነብራ ጻውዒት ኣቕረቡለን ፣ እዚ ገዳም እዚ ካብቲ ታሪኻዊ ዕላማኡ ንዓሰርተታት ዓመት ዚኸውን ደው ኢሉ እኳ እንተ ጸንሐ ዝሓለፈ ረቡዕ ንግሆ 3 ጥሪ ኣብቲ ናይ ቀደም ኣገልግሎቱ ተመሊሱ አሎ ።
እዘን ሽዱሽተ ኣሓት መንኮሳን ደናግል ኻብቲ ኣብ ቪክቶርያ ኣውራጃ ቦናስኤረስ (ሰበኻ ሳን ኤስድሮስ) ኣርጀንቲና ዚርከብ ስርዓተ መኵስና ቅድስቲ እስኮላስቲካ ዘቅዱስ በነዲክቶስ እየን ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብ1 ጥቅምቲ 2023 ብኢድ ብዝተጻሕፈት መልእኽቲ ሰዲዶም ዓደምወን፣ እዘን ኣሓት ደናግል ከኣ "ነዚ ዕድመ ብልግሲ ተቐበላኦ።"
ድሙቕ ኣቀባብላ
እቶም ርእሰ ቤተ ምሕደራ ከተማ ቫቲካን ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ቨርጌዝ ኣልዛጋ ነዘን ኣሓት ደናግል ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልወን፣ ብፁዕነቶም ዕለት 3 ጥሪ ወጋሕታ ናብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ፊዩሚቺኖ ከይዶም ተቐበልዎን ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝበልዎ እዞም ኣመሓዳሪ ንዅሉ እቲ ምስ ገዳመ እመ ኣቅላስያ እተተሓሓዘ ጕዳያት ትሕድርተን ብሓላፍነት ክመርሕዎ ኢዮም ።
እዘን ኣሓት ደናግል ምስታ ኣብ ቪክቶርያ እትርከብ ገዳመ መነኮሳን ቅድስቲ እስኮላስቲካ ተሳንየን ዝነብራ ኢየን ። ኣብ ገድመ እመ ኣቅላስያ ምስ በጽሑ፣ ብሓባር ናብቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን ዚርከብ በዓቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሉርድ በጺሖም፣ ኣብ ቅድሚ ምስሊ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከአ መዝሙርን ጸሎት ምስጋናን አዕረጉ ።
ሓሳብ ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ
በዚ ኸምዚ ድማ እታ ናይ ጸሎት ቦታ ኻብ ምዃን ዘየቋረጸት ገዳመ እመ ኣቅላሲያ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝደለይዎ፣ መንበሪ ናይተን ብተመስጦን ኣስተንትኖን ስርዓተ ይህይወት ምንኩስና ብምንባር ንዘገልግላ ኣሓት ደናግል መንበሪ ኮይኑ ከገልግል ኢዩ ።
በቲ ብ25 መጋቢት 1994 ዝወጸ ሓጺር መልእኽቲ "ህይወት ተመስጦ" ዘርእስቱ ኣዋጅ ገይሮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ "ንቅዱስነቶም ብጸሎትን ብውዳሰን ኣምልኾን ካሕሳን ኣቢለን ንመላእ ቤተ-ክርስትያን ውን መዓልታዊ ኽከናኸናን ከገልግላን" ናይ ተመስጦን አስተንትኖን ህይወት ምንኩስና ክነብራ ነዚ ገዳም ብሕጋዊ ቐኖና ኣቖምዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነዚ ገዳም እዚ ናብ ማርያም ኣደ ቤተ-ክርስትያን ወፈይዎ፣ ስለዚ ድማ “እመ ኣቅላስያ” ዝብል ስያሜ ተዋህቦ ። ብመሰረት ሕጊ እዚ ገዳም እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ናብ እተፈላለየ ገዳማት ይዘውር ነበረ ። እተን ናይ መወዳእታ ኣባኡ ዝነበራ ኣሓት ደናግል ክሳዕ ሕዳር 2012 ኣብኡ ነበራ ፣ ድሕሪኡ ግና ዕዮ ምሕዳስ ሕንጻ እቲ ገዳም ተጀመረ ።
"ቤተ ልሂቕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16"
ብ11 ለካቲት 2013 ካብ መንበሮም ምስ ወረዱ ልሂቅ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ኣብ ገዳመ እመ ኣቅላስያ ኺነብሩ ከም ዚደልዩ ገለጹ ። ልሂቅ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዚርከብ ሓዋርያዊ ህንጻ ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብ2 ግንቦት 2013 ናብዚ ገዳም እዚ ገዓዙ፣ ኣብኡ ኸኣ ክሳዕ 31 ታሕሳስ 2022 ብሞት ናብ ዘልዓለማዊ ቤቶም ዝሰጋገሩ ብጸሎትን መጽናዕትን አምልኾን ኣባኡ ነበሩ ። ምስ ኣርባዕተ ኣሓት ደናግል ዘዝክረ እግዚአብሔርን ምስ ብሕታዊ ጸሓፊኦምን ሊቀጳጳሳት ብጹዕ አቡነ ጊዮርግ ጋንስቫይን ኰይኖም አባኡ ይነብሩ ነበሩ ።