ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ ንኣተገባብራ ኣዋጅ ‘ስኢል ተኣምኖ” የነጽር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መምብርሂ ሰነድ ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም፥
ነቲ ናይ መብርሂ ሰነድ ነቕርቦ ዘሎና ኣቀባብላ ኣዋጅ ‘ስኢል ተኣምኖ’ ንጹር ክኸውን ንምሕጋዝ እዩ፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ትርጉሙን ዕላምኡን ብዝበለጸ ንምርዳእ ምሉእን ህዱእን ንባብ ናይቲ ኣዋጅ ክህሉ ንመክር።
1. ዓንቀጸ እምነት/ጠመቓዊ ትምህርቲ
ገለ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ብዛዕባ ሰነድ ስኢል ተኣምኖ ዝሃብዎ ርዱእ መግለጺታት፡ ዝያዳ ንውሕ ዝበለ ጕስነታዊ ኣስተንትኖ ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ። እቲ በዞም ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ዝቐርብ ዘሎ መግለጽታት ከም ጠመቓዊ ትምህርቲ ወይ ዓንቀጸ እምነታዊ ተቓውሞ ገርካ ክትርጎም ኣይክእልን እዩ፣ ምኽንያቱ እቲ ሰነድ ብዛዕባ ሓዳርን ጾታዊ ርክብን ንጹርን ውዱእን ዝኾነ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝትንክፍ ወይ ዝቕይር ስለ ዘይኮነ። ኣብቲ ኣዋጅ ነዚ ብዘይጥርጥር ዝገድፉ ሓያሎ ዘይከራኸሩ ሓረጋት ኣለዉ።
“እዚ ኣዋጅ እዚ ኣብ ባህላዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሓዳር ጽኑዕ ኮይኑ ይቕጽል፣ ዝኾነ ዓይነት ሊጡርጊያ ወይ ምስ ስርዓተ ቅዳሴ ዝመሳሰል ምድንጋራት ክፈጥር ዝኽእል ቡራኬ ኣይፈቅድን። ሓደ ኻብቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይስሩዕ ኵነታት ዘለዉ ሰብ ሓዳር ዝፍጽምዎ ተግባራት "ነቲ ደረጃኦም ወግዓዊ ተቐባልነት ከይሃበን ወይ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ መርዓ እትህቦ ትምህርቲ ኸይቀየረ" ይዋሳእ።
«ስለዚ፡ ኣብ መንጎ እቲ ሓዳር ዝቖመ - እዚ ድማ “ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብተፈጥሮኡ ንውላድ ክፉት ዝኾነ፡ ፍሉይ፡ ርጉእን ዘይብተኽን ሕብረት” – ከምኡ’ውን ምስኡ ዝጋጮ ምድንጋር ክፈጥር ዝኽእል ስርዓታትን ጸሎትን ተቐባልነት የብሉን። እዚ እምነት እዚ ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ዛዕባ መርዓ ዝተመስረተ እዩ፤ ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ጥራይ እዩ ጾታዊ ርክብ ተፈጥሮኣዊ፡ ግቡእን ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ ትርጉሙ ዝረክብ። ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ዘለዋ ትምህርቲ ጽኑዕ ኮይኑ ይቕጽል» (4)።
«ትርጉሙ እውን ከምዚ እዩ፡ እቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ መውስቦ ሓደኣዊ ጾታ ቡራኬ ናይ ምሃብ ሓይሊ ከምዘይብላ ዝገልጽ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘቐመጦ ትምህርቲ ዘኽብር እዩ» (5)።
“በዚ ምኽንያት እዚ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዚግበር ጾታዊ ርክብ ጥራይ ብስነ-ምግባር ከም ፍቑድ ገይራ ስለ እትርእዮ፡ ነቲ ሓዳር ብዝመስል ወይ ካብ ሓዳር ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ስነ-ምግባራዊ ሕጋውነት ዘለዎ ከምስል ዝኽል ሊጡርጊያዊ ቡራኬ ኽትህብ ኣይትኽእልን ሓይሊ እውን የብላን” (11)።
ስለዚ ነዚ ኣዋጅ ብሰረተ እምነት ብዝብል ወይ ከም መናፍቕነትን ኣንጻር ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ጌርካ ብምርኣይ ካብዚ ኣዋጅ እዚ ገዛእ ርእስኻ ንምርሓቕ ክህሉ ንዝኽል ምኽንያት ዕድል ከም ዘይህብ ርዱእ እዩ።”
2. ግብራዊ ኣቀባብላ
ገለ ጳጳሳት ብፍላይ ግብራዊ መዳይ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ሓሳቦም ይገልጹ: እዚ ድማ ኣብ ዘይወግዓዊ ኩነታት ንዝርከቡ መጻምድቲ ክወሃቦም ዝኽእል ቡራኬ ዝምልከት እዩ። እቲ ኣዋጅ፡ ኣብ ዘይስሩዕ ኩነታት ንዝርከቡ መጻምድቲ (ግን ነቶ ዘለዎም ሕብረት ኣይኮነን) ሓጺርን ቀሊልን ጉስነታዊ ቡራኬ (ሊጡርጊያዊ ይኹን ስርዓተ-ኣምልኾ ዘይብሉ) ዝብል ሓሳብ ዝሓዘ ኮይኑ፡ እዚ እዞም ሰባት ዘለዉዎ ኩነታት ዘየጽድቑን ዘየመኽንዩን ሊጡርጊያዊ ቀጥዒ ዘይብሉ ቡራኬ ምዃኑ ዘጉልሕ እዩ።
ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ከም ስኢል ተኣምኖ ዝኣመሰሉ ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ሰነዳት ኣብ ሰበኻታቶም ከከም ከባብያዊ ኩነታቱን መመያን ኣተገባብራኡ ይውሓድ ይብዛሕ ግዜ ክሓትት ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ገለ ቦታታት ንቕጽበታዊ ኣተገባብራኦም ዝኾነ ጸገም ኣይፍጠርን፣ ኣብ ገለ ቦታታት ድማ ንንባብን ትርጉምን ዘድሊ ግዜ ክትወስድ ኣድላዪ ክኸውን ይኽል።
ገለ ጳጳሳት ንኣብነት ነፍሲ ወከፍ ካህን ናይ መመያ ስራሕ ክፍጽም ከም ዘለዎን ነዚ ቡራኬ እዚ ብብሕቲ ጥራይ ክፍጽም ከም ዝኽእልን የረጋግጹ። ነዚ ብር.ሊ.ጳ. ዝተፈረመን ዝጸደቐን ሰነድ ግቡእ ኣኽብሮት እንተተዋሂብዎ፣ ብገለ መንገዲ ነቲ ኣዋጅ ከጉልሕን ከአንግድን እንተፈቲኑ ክህሉ ዝኽል ጸገም የሎን።
ነፍሲ ወከፍ ናይቲ ከባቢ ጳጳስ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣገልግሎቱ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣብ ዘለሉ ቦታ፡ ማለት ኣብቲ ጭቡጥ ቦታ፡ ልክዕ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ መጓሰ ቦታ ስለ ዝኾነን ካብ ካልኦት ብዝሓሸ ስለ ዝፈልጦን፡ ናይ ምስትውዓል ሓይሊ ኣለዎ። ንዓውዲ ቤተ ክርስቲያንን ናይቲ ከባቢ ባህልን ብጥንቃቐ ትኹረት ምሃብን ዝተፈላለየ ኣገባባዊ ኣተገባብራ ክፈቅድ ይኽእል እዩ፣ እንተኾነ ግን ነዚ ንካህናት ዝቐርብ ኣገባብ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብውዱእ መንገዲ ምኽሓድ ማለት ኣይኮነን።
3. ስንኩፍ ኩነታት ገለ ሃገራት
ንገሊኡ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣብ ከባቢኡ ኽንርድኦ ኣሎና። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ካብ ሓጺር እዋን ንላዕሊ ግዜን ሜላታትን ጕስነት ዚሓትት ሓያል ባህላውን ሕጋውን ጕዳያት ኣሎ። ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ከምዘሎካ ብምግላጽ ጥራይ ንማእሰርቲ፡ ስቅያት፡ ወይ ንሞት ከይተረፈ ዘቐጽዕ ሕግታት እንተሎ እቲ ቡራኬ ከንቱ ወይ ውን መመያ ኣልቦ እዩ ቢልካ ንምግላጽ ግቡእ ኣይኮነ። ጳጳሳት ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ንዓመጽ ከቃልዕዎም ከምዘይደልዩ ንጹር እዩ። እዞም ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት እዚኣቶም ካብቲ ብር.ሊ.ጳ. ዝተፈረመ ኣዋጅ ዝተፈልየ ትምህርቲ ዘይድግፉ ምዃኖም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፣ ነዚን ከምኡ እውን ነዚ ናይ ዘልኣለም ትምህርቲ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣብ ክንድኡስ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ብጉስነታዊ ጥንቃቐ ንኽዋሳእ መጽናዕትን መመያን ከምዘድሊ ዝምዕዱ እዮም።
ብሓቂ ንምዝራብ፡ ብዝተፈላለየ ደረጃ፡ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዝኹንናን፡ ዝኽልክላን ከም ገበን ዝቖጽራን ሃገራት ውሑዳት ኣይኮናን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ብዘይካ ሕቶ ቡራኬ፡ ምክልኻል ሰብኣዊ ክብሪ፣ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ብሃውሪ ምላሽ ምሃብ ክህሉ ዘየፍቅድ ዝተፈላለዩ ህንጸታት ዘጠቓልል ዓብይን ሰፊሕን ጉስነታዊ ሓላፍነት ኣሎ።
4. እቲ ሓቀይና ሓድሽነት ናይቲ ሰነድ
እቲ ሓቀይና ሓድሽነት ናይዚ ኣዋጅ እዚ፡ እቲ ልግሲ ዝመልኦ ጻዕሪ፡ ምቕባል ዝሓትትን ዝኾነ ሰብ ንነብሱ ከም ዝተገለለ ገይሩ ከይርእን፡ ኣብ ዘይስሩዕ ኩነታት ንዝርከቡ መጻምድቲ ቡራኬ ናይ ምሃብ ተኽእሎ ኣይኮነን። ክልተ ዝተፈላለየ መልክዕ ቡራኬ ማለት “ሊጡርጊያዊ ወይ ስርዓታውን፡ ብባዕሉ ወይ ብጉስነታዊ ዝወሃብ። እቲ ኣቀራርባ ብንጹር ከምዚ ክብል ይገልጽ “ዋጋ ናይዚ ሰነድ [...] ኣብ ጉስነታው ትርጉም ቡራኬ ፍሉይን ፈጠራውን ኣበርክቶ ዘቕርብ ምዃኑ እዩ፣ እዚ ድማ ምስ ሊጡርጊያዊ ኣረኣእያ ብቐረባ ዝተኣሳሰር ንቡር ርድኢት ቡራኬ ምግፋሕን ምህብታምን ዘፍቅድ እዩ።፥ እዚ “ቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖ እዚ ኣብ ጉስነታዊ ራእይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዝተመስረተ እቲ ኣብ ስልጣናውን ወግዓዊ ጽሑፋት ቤተ ክርስቲያንን ብዛዕባ ቡራኬ ዝተባህለ ሓቀይና ምዕባለ ዘመልክት እዩ።”
ኣብ ድሕረ ባህታ ብዙሓት ጽሑፋት ቅዱስ ኣቦና ዝረአ “ህዝባዊ ጉስነት” ዝብል ኣወንታዊ ገምጋም ይርከብ። በዚ መንጽር እዚ ቅዱስ ኣቦና፡ ነቶም ኣብ ማእከል ሓጢኣቶም ከይተረፈ ካብ መዓልታዊ ሕይወቶም ወጺኦም ልቦም ከፊቶም ሓገዝ እግዚኣብሔር ዝልምኑ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዋጋ ክንህቦ ይዕድሙና።
በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሰነድ፡ ካብ ቡራኬ ንመጻምድቲ ኣብ ዘይስሩዕ መውስቦ፡ እቲ ካልእ ኣቲ ኣዋጅ ካብ መልሲ ወይ ተራ መልኽቲ ኣዝዩ ዝዛይድ እዩ። ብፍላይ ናብቲ ንጕስነትና ዘማዕብል ዓሚቝ ልምዲ ጕስነት ዝዕድም ቀንዲ መርሕ ሓሳብ ብዛዕባ ቡራኬ ዝሰፍሐ ምርዳእ ክህልወና ከምኡውን እዚ ኣብ ሊጡርጊያዊ ወይ ስርዓታውን ቡራኬ ዘየድልዮ ጉስነታዊ ቡራኬ ክዕምብብ ዘቕርቦ ሓሳብ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ እቲ ጽሑፍ ካብ ዝዀነ ይኹን ስነ-ሓሳብ ናጻ ዝዀነ ልቢ ጓሳ ሒዝካ ብሰላማዊ መገዲ ንኸተንጸባርቖ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። ገለ ጳጳሳት ነዚ ቡራኬ እዚ ንግዚኡ ዘይምቕራቡ ከም ጥበባዊ መገዲ ዝቖጽርዎ እኳ እንተኾኑ: ኩላትና ብማዕረ ኣብ ምእማን ክንዓቢ የድልየና። ዘይስርዓታዊ ቡራኬታት ነቲ ሰብ ይኹን ነቶም ዝቕበልዎ መጻምድቲ ውዳሴ ኣይኮነን፣ ንኹሉ ተግባራቶም ምኽንይታዊ ዝግበር እውን ኣይኮነን፣ ነቲ ዝመርሕዎ ህይወት ዝድግፍ ኣይኮነን። ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ጉስታዊ ቡራኬ ኣብ ዝሰፍሐ ርድኢት ክንዓቢ ምስ ሓተቱና፡ ነዚ ቀሊል ምልክት ዝኾነ ጉስነታዊ ቅርበት ንምፍጻም፡ ክንድዚ ዝኣክል ኩነታት ምቕማጥ ዘየድልዮ መንገዲ ቡራኬ ከነስተንትን ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ እዚ ድማ መጋበርያ እዩ። ኣብ ማእከል እቲ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ኩነታት ንኣምላኽ ክፉትነት ምድንፋዕ እዩ።
5. እዞም “ጉስነታዊ ቡራኬታት” ብኸመይ ብጭቡጥ ቃላት ይቐርቡ?
ካብ ሊጡርጊያ ወይ ስርዓታዊ ቡራኬ ብንጹር ንኽፍለ፡ “ጓሳዊ ቡራኬ” ልዕሊ ኩሉ ኣዝዩ ሓጺር ክኸውን ኣለዎ (ቁጽሪ 38 ርአ)። እዚኦም ንውሑዳት ካልኢታት ዝጸንሑ ቡራኬታት ብዘይ ዘጽድቕ ዘምስል ስርዓትን ብዘይ ናይ ቡራኬ መጽሓፍ ዝወሃቡ እያቶም። ክልተ ሰባት ቡራኬ ደልዩም እንተቐሪቦም፡ ሓደ ነዞም ክልተ ዝልምኑ ሰባት ሰላምን ጥዕናን ካልእ ሰናይ ነገራትን ካብ ጎይታ ይልምን። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ሓደ ሰብ ንወንጌል ክርስቶስ ብሙሉእ ተኣማንነት ክነብርን መንፈስ ቅዱስ ነዞም ክልተ ሰባት ካብ ኩሉ ምስ መለኮታዊ ፍቓዱ ዘይቃዶን ካብ ኩሉ ንጽሕና ካብ ዝሓትት ግን ዝጻረር ነገራት ሓራ ክገብሮም ይሓትት።
እዚ ዘይስርዓታዊ መልክዕ ዝኾነ ቡራኬ፡ ምስቲ ተራን ንሓጺር ዝጸንሕ ቅርጹ፡ ነቲ ብግብረ ገብ ቅቡል ዘይኮነ ነገር ንምምኽናይ ዝዓለመ ኣይኮነን። ሓዳር ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ፡ ብማዕረ ግን ንዝኾነ ነገር “ምጽዳቕ” ወይ ይኹንታ ዝብል ኣይኮነን። ሓደ ጓሳ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሓገዝ ኣምላኽ ዝሓቱ ሰባት ዝህቦ መልሲ ጥራይ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ እዚ እቲ ጓሳ ቅድመ ኩነት ኣይገብርን ብዛዕባ ምቅርራብ ህይወት ናይዞም ሰባት ኣይሓትትን እዩ።
ገሊኦም እዞም ቡራኬታት እዚኣቶም እንታይ ክመስሉ ይኽእሉ ዝብል ሕቶ ስለ ዘልዓሉ፡ ሓደ ጭቡጥ ኣብነት ንርአ፡ ካብቶም ብዙሓት ንግደት ዝገብሩ ሓደ ክልተ ዝተፋትሑ ሰባት፡ ሕጂ ኣብ ሓድሽ መውስቦ ዘለዉ፡ ንሓደ ካህን “በጃኹም፡ ስራሕ ክንረክብ ኣይከኣልናን፡ ህሙማን ኢና፡ ገዛ የብልናን ናብራ ድማ ኣዝዩ ይኸብደና ኣሎ: ኣምላኽ ክሕግዘና መታን ባሩኹና!” ክብሉ ይኽሉ።
ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ካህን ከምዚ ዝበለ ቀሊልን ተራን ዝኾነ፡ “ጐይታይ ነዞም ደቅኻ ርኣዮም፡ ጥዕና፡ ስራሕ፡ ሰላምን ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ሃቦም። ካብ ኩሉ ምስ ወንጌልካ ዝጋጮ ነገር ሓራ ኣውጺእካ ከም ፍቓድካ ክነብሩ ግበር። ኣሜን” ዝብል ጸሎት ክደግም ይኽእል። ብድሕሪኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ኣካላት ትምርተ መስቀላዊ ቡራኬ የቕርብ።
ብዛዕባ ኣስታት 10 ወይ 15 ካልኢት ዝጸንሕ ነገር ኢና ንዛረብ ዘሎና። ነዚ ዓይነት ቡራኬ ነዞም ዝልምኑ ክልተ ሰባት ምኽሓድ ትርጉም ኣለዎ ድዩ? ንእሽቶ ይኹን ዓቢይ እምነቶም ምድጋፍ ኣብ ድኽመታቶም ብመለኮታዊ በረኸት ምሕጋዞምን ነቲ ንወንጌል ዝያዳ እሙናት ክኾኑ ክመርሖም ዝኽእል ክፉትነት ናብ ሰገራውነት ምቕናዕን ዝያዳ ግቡእ ኣይኮነን ድዩ?
ዝኾነ ጥርጣረ ንኸይፍጠር እቲ ኣዋጅ ወሲኹ፡ እቲ ቡራኬ ብሓደ ኣብ ዘይስሩዕ መውስቦ ዝርከቡ መጻምድቲ ክሕተት ከሎ፡ «ዋላ’ኳ ካብቲ ብመጻሕፍቲ ሊጡርጊያ ዝተቐመጠ ስርዓታት ወጻኢ እንተተገልጸ፡ እዚ ቡራኬ እዚ ምስቲ... በርገሳዊ ስነ ስርዓት መውስቦ፡ ምስኡ ብዝተኣሳሰር ኣገባብ እውን ክወሃብ የብሉን ይብል። ከምኡ’ውን ምስ ዝኾነ ንመርዓ ዝሰማማዕ ክዳን፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ወይ ቃላት መሰረት ክፍጸም ኣይክእልን እዩ። እቲ ቡራኬ ብተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ክሕተት ከሎ እውን ከምኡ እዩ» (ቁ. 39)። ስለዚ እቲ ቡራኬ ኣብ ውሽጢ መሰል ቅዱስ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ጐሊሑ ዝረአ ቦታ፡ ወይ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ክኸውን ከም ዘይብሉ የነጽር። እዚ እውን ምድንጋር ስለ ዝፈጥር።
በዚ ምኽንያት እዚ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሃገረ ስብከቱ ዘሎ ጳጳስ ብኣዋጅ ስኢል ተኣምኖ ነዚ ዓይነት ተራ ቡራኬ ከፍቅድ ስልጣን ይወሃቦ፣ ኣድላይነት ጥንቃቐን ሓልዮትን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ግን ሊጡርጊያው ስርዓት ዘለዎ ክመስል ዘኽእል ቡራኬ ክሓስብ ወይ ክህሉ ናይ ምግባር ስልጣን የብሉን።
6. ትምህርተ ክርስቶስ
ኣብ ገለ ቦታታት ምናልባት ባዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ትምህርተ ክርስቶስ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ዓይነት ቡራኬ እዚ ነቲ እቶም ዝሓቱዎ ዝመርሕዎ ህይወት ምድጋፍ ከምዘይኮነ ርዱእ ክኸውን ክሕግዞም ስለ ዝኽልክል። እዚ ምልክታት እዚ ምስጢር ወይ ስርዓት ካብ ምዃን ዝረሓቐን ፍትሓት እውን ኣይኮነን። ከም ምሥጢራት ወይ ወግዓዊ ስርዓት ዝኣመሰለ ዝሓቶ ጠለባት ዘየቕርብ ተራ መግለጺታት ጓሳዊ ቅርበት እዮም።። ኩላትና ነቲ ሓቂ ምቕባል ክንለምድ ክንግደድ ኢና፣ ሓደ ካህን ከምዚ ዓይነት ተራ ቡራኬ እንተሂቡ፣ መናፍቕ ኣይኮነን፣ ንዝኾነ ነገር ኣየጽድቕን ወይ ንካቶሊካዊ ትምህርቲ ኣይክሕድን እዩ።
እዚ ዓይነት ቡራኬ እዚ ንሰባት ዋላ’ውን ዓበይቲ ሓጥኣን እንተኾኑ እምነቶም ኣብ ምግላጽ ክሕግዞም ዝኽእል ተራ ጓሳዊ መገድታት ጥራይ ምዃኖም ንህዝቢ ኣምላኽ ንኽፈልጡ ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ኽልተ ሰባት ተኣኪቦም ብፍቓዶም ዝሓተትዎ ቡራኬ ኣብ ምሃብ ንቕድሶም ኣይኮናን እንቋዕ ሓጎሰኩም ኣይንብሎምን ብሓቂ እውን ከምኡ ዓይነት ነቲ ዝነብርዎ ዘይስሩዕ መውስቦ ነጽድቐሎም ኣይኮናን ዘሎና። ኣብ ክውንነት ውልቀሰባት ክባረኹ ከለዉ እውን ከምኡ እዩ ዝኸውን፣ ከምቲ እቲ ቡራኬ ዝሓትት ውልቀሰብ – ፍታሓት ዘይኮነስ – ዓቢ ሓጥእ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ማለት ግን ኣብ ማእከል እቲ ንኽነብር ዝገብሮ ቃልሲ ነዚ ኣቦኣዊ ምልክት ንኸልኦ ማለት ኣይኮነን። እዚ ብውጽኢት ጽቡቕ ትምህርተ ክርስቶስ እንተተነጺሩ፡ እዚ ቡራኬ እዚ ዘይብቑዕ ነገር ከይገልጽ ካብ ዝብል ፍርሒ ሓራ ክንወጽእ ንኽእል ኢና። ብጌጋ ከይተረድኣና ከይፈራሕና፡ ብኣካላት ኣቦነትን ኣቀባብላን ዝመልአ ኣገልግሎት ሒዝና፡ ዝያዳ ነጻን ምናልባት’ውን ዝቐረቡን ዝያዳ ፍረ ዘለዎምን ኣገልገልቲ ክንከውን ንኽእል ኢና።
ቅዱስን ሕጉስን 2024 ዓ.ም. ንኽንነብር ሓድሽ ዝተወልደ ጎይታ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሰብ ልግስን ጸጋን በረኸት ከውርድ ንሓትት።
ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ
ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጳጳስ
ጳጳስ ኣርማንዶ ማቴዮ