ፑሊደስ፡ ዓለማዊ ህልው ኵነት ክብርታት ብዝሓ ጎድናዊ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክባት የተባብዕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዘለዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣፈ ጉባኤ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ቆጵሮስ ልኡከ መንግስቲ ጊዮርጊዮስ ፑሊደስ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ሰላምታን ሰናይ ምንዮት ሓድሽ ዓመት ንምልውዋጥ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ፡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን "ንኹሎም" ብዝብል ሓሳብ ቅዱስነቶም ሰባት፡ ኣብ ዓለም ብሰንኪ ኲናትን ግጭታትን ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣረጋውያን፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ወትሩ ከም ዝዝክሩን፡ እቲ ቅዱስነቶም እናተፈናጀረ ዝካየድ ሳልሳይ ኲናት ዓለም እንክብሉ ዝገልጽዎ ኣብ ዓለም ዝርአ ውጥርን ግጭት ነቲ ዝተሰናበደ ዓይንና እንርዮ ዘሎና ክውንነት ዝገልጽ ምዃኑን... ረዳኢ ዘይብሉ ኣውያት ህዝብታት ምህላዉ ዝነግር እዩ” ቢሎም፡ "ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንሰባትን ሓባራዊ ጥቕምን ንምግልጋል እንጠረይናታት ሰላም ክንከውን ከምኡውን ሓድነት ክህልወናን ካብ ክፋእ ኩሉ ክንርሕቕ ዝገብር ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ከነህልው ር.ሊ.ጳ. ደጋጊሞም ተላብዮምና እዮም ከምኡውን ንገዛእ ርእስና ነዚ ተግባር እዚ ከነዕጥቕ ሓደራ እዚ እውን ብድሆታት ንምግጣም ዝሕግዝ እዩ እንክብሉ ንዘቕርቡልና ምዕዳን አመስግን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝግበር ዘተ ምድንፋዕ
ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ቆጵሮስ ልኡከ መግንስቲ ኣብ ዘስሞዎ መደረ ኣስዒቦም፥ ፍራንቸስኮ፥ "ናይ ሰብኣዊ፡ ከባቢ ኣየር፡ ቁጠባውን ኲናትን ቅልውላዋት" ኣብ ግምት ብምእታው፡ "ብክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክባት ብዝሓ ጎናውነት ብዘለዎ ኣገባብ ምላሽ" ክወሃቦ እንክብሉ ዘቕርብዎ ጻውዒት ዘኪሮም፡ "ሎሚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለማዊ ኩነታት ሓባራዊ ኣስተንትኖ ክህሉ ዝጠልብ እዩ" ኣንክብሉ ኣጉሊሖም፡ ዳግማይ ኣብ ክብርታት ብዙሓ ጎናዊ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ክንኣምን ይዕድሙና"። ኣብ መወዳእታ፡ ንሓደስቲ ወለዶታት ብምርኣይ ንዝሓለፈ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣብ መንጎ ንኣሽቱን ዓበይትን ዘተ ዘተባብዕን "ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝግበር ዘተ" ከምዘድሊ ኣጉሊሖም፡ ምኽንያቱ "ብኸምዚ መንገዲ ጥራይ እዩ ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት ክእርምን ኣብ መጻኢ ወፍሪ ዝገብር ሰናይ ፖለቲካ ክህሉ ዝኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።