ምእተ ዓመት ጳጳሳዊ ማሕበር ብዛዕባ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ መደብ ሕንጸት የዳልው
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳሳዊ ማሕበር ምእንተ ዓመት “ኣበርክቶ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ኣብ መንጎ ቅልውላውን ለውጥን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብዛዕባ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ሓድሽ መደብ ሕንጻት ከም ዘሰናደወን ነዚ ትምህርቲ ክከታተሉ ንዝደልዩ ምዝገባ ከም ዘበገሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ መደብ ሕንጸት ካብ ዕለት 20 ጥሪ ክሳብ 23 መጋቢት 2024 ብኣካልን ብክስቱ ናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ብስነ ሕንጸት ጉዳያት ሓላፊ ጳጳስ ጉይ ረኣል ቲቫይረግ ተመሪሑ ዝካየድ ምዃኑ እቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ዘውጸኦ መግለጺ የመላኽት።
እቲ መደብ ህንጸት ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ካብ ናይቲ ማሕበር “ሕያዋይ ጓሳ” እተሰምየ ሕንጻ በቲ ናይቲ ማሕበር ኣደ መንበር ኣና ታራንቶሎ ብወግዒ ከም ዝኽፈት ዝሓበረ ናይቲ ማሕበር መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብ 2024 ዓ.ም. ጳጳስ ቲቫይረዥ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናይ ምእተ ዓመት ጳጳሳዊ ማሕበር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፥ “ እቲ ኣብ 2024 ዓ.ም. ኣብ ማሕበረሰባኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክስቲያን ተማእኪሉ ዚወሃብ ዝለዓለ ስልጠና ዝያዳ ኩላዊ ሰብኣዊ መሰላት ንምርካብን ናብ ሰላም ዚመርሕ መገድታት ንምድንፋዕን ዝዓለመ እዩ” ከም ዝበሉ ይሕብር።
ትምህርትን ዕላማ ተዓዘብትን
እቲ ናይቲ መደብ ሕንጸት ዝክረ ነገር ከም ዘመላኽቶ እቲ መደብ ህንጸት ሰለስተ ደረጃታት ዝሓቘፈ ኮይኑ እዚ ኸኣ ዕምቈትን ስርጸታውን ማሕበራዊ ጥበብን ዝሓዘን ንዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት ዝተዳለወ መደብ ከም ዝኾነን፡ ንመንግስታውን ውልቃውን ኣካየድቲ ስራሕ፡ ሰብ ሞያ፡ ምሁራት፡ ሰብ ትካላትን፡ ሃይማኖታውያን ኣካላትን ከምኡ’ውን ናብ ስራሕ ዓለም ንምእታው ዝዳለዉ መንእሰያት ተማሃሮ ዝወሃብን ሸቶኡ ድማ መትከላትን ተግባራትን ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ንምትሕልላፍን ኣብዚ መዳይ ኣፍልጦ ክህሉ ንምግባር ኮይኑ፡ ብእኦም ኣቢሉ እቲ ማሕበር “ንማሕበራውን ቁጠባውን ክውንነት ዓለም ክጸልዎ ዝኽእል ሓሳባውን ውሁድን ማሕበረሰብ ዕብየት ንምምዕባል” ከም ዝጽዕር ናይቲ ጳጳሳዊ ማሕበር መግለጺ ይሕብር።
ኣቃውማ ናይቲ መደብ ህንጸት
እቶም ክፍለ ግዜታት 7 ቀጥዕታት፡ ሰለስተ ብኣካልን ኣርባዕተ ድማ ብክስቱ ናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ዝቐርብ፡ ኣብ ዘይንጽል ውሁድ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘተኮሩ ትምህርታዊ ጉዕዞታት፡ ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ዘተኮሩ ኮይኖም ዝተዳለወ ከም ዝኾነን፡ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ምእተ ዓመት ጳጳሳዊ ማሕበር ሕያዋይ ጓሳ ኣብ እተሰምየ ሕንጻ ዝካየድን፡ ነፍሲ ክፍሊ ሕንጸት ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ካቶሊካዊ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ብፍሉይ ኣስተምህሮታትን ካብ ቁጠባዊ፡ ፋይናንሳውን ማሕበራውን ዓውድታት ብዝመጹ ወከልትን ተዋዲዱ ዝቐርብ ምዃኑ ናይቲ ማሕበር መግለጺ የመላኽት።
ቅዉም ኣርስታት ናይቶም ዝወሃቡ ትምህርታት
ኣርእስታት ናይቲ ዝቐርብ ትምህርቲ መእተዊ፡ ኣገባብ ስራሕን መሰረታት ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ዘጠቓልል እዩ።
ካልኣይ ክፍሊ ኣብ “ባህልን ሕብረተሰብን” ዘተኮረ ክኸውን እዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ “ፖለቲካን ዲሞክራስን” ዝብል እዩ። እቲ ራብዓይ ድማ “ቁጠባውን ማሕበራውን ሓላፍነት፡ ሓደስቲ ብድሆታትን መንገድታትን” ዝብል ከም ዝኾነን እቲ ሓምሻይ ድማ “ርክብን ሓደስቲ ዕደ ጥባባዊ ምዕባለታትን” ዝድህስስን እቲ ሻድሻይ ኣብ “ሰብ ሰርሓ ዕደ ጥበባዊ ኣስተውዕሎ” ዕምቆት ዝህብ ክኸውንን፡ እቲ ሻብዓይ ድማ “ማሕበራዊ ለውጥን ትምህርትን” ዝምልከት ምዃኑ ናይቲ ማሕበር ምእተ ዓመት መገልጺ ይሕብር።