ድለ

ኦስተር ኣብ ዛዕባ “ስኢል ተኣምኖ፡” ቡራኬ ዋላ ንኣላይቲ ነፍሳት!" ኦስተር ኣብ ዛዕባ “ስኢል ተኣምኖ፡” ቡራኬ ዋላ ንኣላይቲ ነፍሳት!" 

ኦስተር ኣብ ዛዕባ “ስኢል ተኣምኖ፡” ቡራኬ ዋላ ንኣላይቲ ነፍሳት!"

ኣብ ጀርመን ናይ ሰበኻ ፓሳው ጳጳስ ኣብ ሎሰርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብታ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉስነታዊ ትርጉም ቡራኬ ዝምልከት ዘውጸኦ ኣዋጅ ኣማእኪሎም ሰፊሕ ርእይቶ ከም ዘቕረቡን። እቲ ዝቕየር ብዛዕባ እንታይነት ሰብ ዝገልጽ ትምህርቲ ካብ ሊጡርጊያዊ ስርዓታት ወጻኢ ዘማዕብል እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

Fiducia supplicans - ስኢል ተኣምኖ - እዚ ኣርእስቲ ናይቲ ሓድሽ ሮማዊ ሰነድ እዩ፣ ብናይ ዓንቀጸ እመንት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ፈርናንደዝ ዝተኸተመን እዩ። ንዓመታት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ይኹን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ርእይቶ ህዝቢ ብጽዑቕ ሒዙ ዝጸንሐ ጉዳይ ዝምልከት እዩ፤ ምናልባት ምስቲ ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ኣገልግልቶ ምስጢረ ማዕርግ ክቕበላ ይከኣል ምስ ዝብል ጽዑቕ ሕቶ ዝመሳሰል ክኸውን ይኽእል። እዚ ድማ ካብ ቃል ኪዳን ወጻኢ ኣብ መንጎ ወዲ ተባዕታይን እንስትን ዝግበር ሕብረት ቡራኬ ናይ ምሃብ ተኽእሎ ዝምልከት እዩ፣ ስለዚ ንኣብነት ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ወይ ሓደስቲ መጻምዶታትን ወይ ድሕሪ ፍትሕ እውን ንዘሎ መውስቦ ምጥቃስ ይከእኣል። መብዛሕትኦም ተንተንትን ጋዜጠይናታትን ነዚ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ሰነድ ዝተንተኑ፡ ድሕሪ ምሕታሙ፡ ከም ሓደ ዓይነት እዋናዊ ነጥበ መቐይሮ ጌሮም ተቐቢሎምዎ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ቫቲካን ሓደኣዊ ጾታ ንዘለዎም ሰባት ቡራኬ ትፈቅድ” ዝብል ድምዳሜ ክህብሉ ተራእየ።

ምስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ጳጳሳት ጀርመን ዝተጻሕፈ ደብዳበ ዝጋጮ ድዩ?

ከምኡ ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ጥራይ እያ ቫቲካን ብኣካል ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ናብ ጳጳሳት ጀርመን ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ብዛዕባ መንገዲ ሲኖዶስ ጀርመን ብዝምልከት፡ ምስ ሮማ ክዝተየሎም ዝኽእል ክቕየሩ ዝኽእሉ ጉዳያት ከምዘለዉ - ካልኦት ድማ ከምኡ ዘይቅየሩ ጉዳያትን ምስቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፍት ህየንተ ካርዲናል ፈርናንደዝ ምስ ዝኸተውምዎ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ብምታሕሓዝ የመላኽቱ። ትሕዝቶኡ እውን ቅድም ክብል ብኹሎም ካልኦት ርእይቶ ክህቡ ብዝተሓተቱ ኮሎም ናይ ኩርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣካላት ተቐባልነት ረኺቡ ነይሩ። እዚ መዘኻኸሪ እዚ፡ ንደቂ ተባዕትዮ ዝተሓዝአ ማዕርገ ክህነት ብዝምልከት፡ ካብቲ ብህሉው ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ መግለጺ ወጻኢ "ናብ ካልእ ኣገላልጻ ናይ ምብጻሕ ተኽእሎ ከምዘየለ" የጉልሕ። ኣብ ካልኣይ ነጥቢ እምበኣር እቲ መዘኻኸሪ ከምዚ ይብል: ካልእ ብዛዕባኡ እታ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ጉዳይ ሓደኣዊ ጾታውያን ባህርያት ዝተፈለየ ርእይቶ ናይ ምድጋፍ ተኽእሎ ዘይብላ ምዃና ዝምልከት እዩ። ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ብዓይኒ ቀዳማይ ኣካል ወይ በዓል ቤታዊ ንሰባት ከይንፈርድ ዝድርኹና ዝተፈላለዩ ረቛሒታት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ እኳ እንተተገንዘብና፡ እዚ ግን ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንገምጋም እተመልክቶ ውድዓዊ ግብረ ገባዊ ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ባህርያት ኣይቅይሮን እዩ። ቀጻሊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ ውድዓዊ ግብረ ገባዊ ጾታዊ ርክብ ንጹርን ጽኑዕን ገምጋም ከምዘሎ የጉልሕ። ኣብዚ ዘይተዘተየሉ ካልእ መዳይ ድማ ደረጃ ቀዳሜ ኣካል ወይ በዓል ቤታዊ ግብረ ገባዊ ምኽሳብ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝምድናታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውልቃዊ ጉዳይ እዩ (ሰነድ ጉባኤ ንትምህርቲ እምነት: ገለ ጽሑፋት ዝምልከት መግለጺ R.P. Marciano Vidal, C.Ss.R., ናይ 22 ለካቲት 2001.)» . ክሳብ ሕጂ እቲ ጽሑፍ - ሒደት ሰሙናት ጥራይ ዝገበረ - ከምኡ'ውን ካብ ሓደ ነቲ ስኢለ ተኣምኖ ብዝጸሓፍ ብርዒ ዝተባህለ እዩ።

እቲ ዝቕየር ትምህርቲ ብዛዕባ ሰብ ዘይኮነስ ብዛዕባ ቡራኬ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ማዕከናት ዜና በቲ "መዘኻኸሪ" ዓው ዓው ክብላ፡ ሕጂ ዓቢ ክፋል ናይቶም ተመሳሰልቲ ማዕከናት ዜና ብዙሓን ነዚ ሓድሽ ኣዋጅ ከም ሓደ ጽሑፍ ቤተክርስትያን ኣብ መወዳእታ ሓሳባ ዝቐየረትሉ ሰነድ ጌሮም የቕርብዎ: ሕጂ ሓደኣዊ ክሌኣዊ ጾታ ዘለዎምን ካልኦት ጾታውያንን መጻምድቲ እውን ነቲ ቡራኬ ክቕበሉ ይኽእሉ እዮም። ግን "እቲ ውድዓዊ ግብረ ገባዊ ገምጋም" ዛዕባ ሓደኣዊ ጾታውያን ባህርያት ድሮ ብግልጺ ዝተወሰነ ጉዳይ እዩ፡ ከምኡ'ውን ኣብ 2021 ዓ.ም. ጥራይ ዝነበረ ናይ ሽዑ ጉባኤ ትምህርቲ እምነት ቤተክርስትያን ቡራኬ ክትህብ "ሓይሊ" ከምዘይብላ ደጊማ ገሊጻ ነይራ፡ ሕጂ ደኣ እንታይ ኣጋጢሙ? ቤተ ክርስቲያን ኣብ መወዳእታ ትምህርታ ቀይራ ድያ? ሕጂ ቤተ ክርስቲያን ሃንደበት ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ክትባርኽ "ሓይሊ" ከም ዘለዋ ትኣምን ድያ? ነዞም ሕቶታታ እዚኣቶም ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብቲ ሓድሽ ኣዋጅ ዝሃብዎ መልሲ ብሓቂ ኣብ ውሽጢ ስፍሓት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝብል ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ኣይኣቱን እዩ፣ ዋላ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ ላዕሊ "ገምጋም በዕላዊ ግብረ ገባዊ ጉዳያት እውን” እንታይ ደኣ፡ ጾታዊ ርክብ "ተፈጥሮኣዊ፡ እኹልን ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ ትርጉሙ" ከም ዝረክብ ኣብ ትሕዝቶ ሓዳር ወዲ ተባዕታይን እንስትን ጥራይ ምዃኑ ብንጹር የጉልሕ (ፊዱስያ ሱፕሊካንስ ቁ. 5)። ትምህርቲ እምነት - ኣብቲ ሰነድ እውን ይቕጽል - ኣብዚ ነጥቢ እዚ ጽኑዕ ኮይኑ ይቕጽል እውን ይብል።

ብዛዕባ ኣብ ስርዓተ ቅዳሴ ዝወሃብ ቡራኬ ኣይኮነ ዝምልከት

ስለዚ እቲ ሓድሽ ነገር ነቲ ኸም "ቡራኬ" ጌርካ ኺርአ ዚኽእል ነገራት ኣብ ምፍላይ እተመርኰሰ እዩ። ድሮ ኣብቲ ናይ 2021 ዓ.ም.  ኣዋጅ እቲ ቡራኬ ሊጡርጊያዊ ኣገባብ ከም ዘለዎ እዩ ዝዛረብ። ግን ኣብ ከባቢ ቅዳሱ ንዘለዉ ሰብ ሓዳር በረኸት እዩ፣ ካብ ቃል ኪዳን ወጻኢ ንዝነብሩ ሰብ ሓዳር ዝወሃብ ቡራኬ እዩ ቢሉ ዝሓስብ እንተድኣ ኮይኑ እዚ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ካብ ሓዳር ወጻኢ ንዝነብሩ ዝወሃብ ሊጡርጊያዊ ቡራኬ ከም ዘይኮነ ንጹር እዩ። ስለዚ እቲ ሓድሽ ሰነድ ድማ ኣብዚ እውን ጽኑዕ እዩ። በዚ መዳይ እዚ እውን እንተኾነ ክልቲኦም ጽሑፋት ነንሕድሕዶም ዝጋራጨዉ ኣይኮኑን: ዝኾነ ምምሕያሽ ናይቲ ትምህርቲ የለን: ዘቕርቦ ሊጡርጊያዊ ቅርጺ እውን የለን - ኣብዚ ድማ ካርዲናል ፈርናንደዝ ዝያዳ ግልጺ እዮም: . . . ይኹን እምበር ካርዲናል ፈርናንደዝ ከም ሓቀይና ምህዞ ዘተኣታትውዎ ሓደ ነገር ኣሎ፡ ኣብዚ ድማ ካብ ሊጡጊያዊ ወጻኢ ብግልጺ ናይ ቡራኬ ትምህርቲ የማዕብሉ። ንኣብነት፦ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክርከብ ከለኹ፡ ከም ካህን ወይ ከም ጳጳስ መጠን፡ ሰባት ብፍቓዶም ቡራኬ ይሓቱኒ: ንዓኣቶም ወይ ንውላዶም፡ ኣብኡ ንዘይርከቡ ኣባላት ስድራ ወይ ገለ ንብረቶም ክባርኸሎም ይሓቱ። በዚ መንጽር እዚ ነቲ ኸም ናጻ ጸሎት ኰይኑ ዝቐርብ ቡራኬ ከቶ ኣይከሓድክዎን ኣይከላእኩን ከምዚ ዝኣመሰለ ቡራኬ ክህቦ ዝሓተተ ሰብ ዝግብኦ እንተ ዀይኑ ኽሓትት እውን ኣይምኸኣልኩን።

ብጸጋኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብዝበለጸ ክትነብር ክትክእል ዝብል ጸሎት

ካርዲናል ፈርናንደዝ ነዚ ኩነታትን ተመሳሰልቲን ዝኾኑ ኩነታት ብልክዕ ዳግማይ ኣብ ግምት የእትዉ - ጸጋ ኣምላኽ ምእንቲ ኺረኽቡን ዝሓሸ ናብራ ምእንቲ ኺነብሩን ኢሎም ቡራኬ ንምርካብ ናብ ላዕሊ ዘቕርብዎ ልመና ኸም ዝዀነ ገይሮም ብቲዮሎጊያዊ መገዲ ይትርጉምዎ። ነዚ ሕቶ እዚ ነቶም ኣብ "ዘይስሩዕ መውስቦ ኵነታት" ዘለዉ ሰብ ሓዳር እውን ዝኸይድ እዩ። (ስኢል ተኣምኖ ቁጽሪ 31)። ንኣብነት ሓደ ሰብ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሕይወቱ ክርዳእን ክፍጽምን ብፍቓዱን ብናጽነት ክጽሊ ይኽእል እዩ። በዚ መንጽር ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ዋላ ነፍሲ ወከፍ መጻምድቲ ክባረኽ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቡራኬ ብግልጺ ክስፍሕ የብሉን፣ ዕንቅፋት ከስዕብ ወይ ስርዓት ዘጠቓልል ክኸውን የብሉን ይብል እቲ ጽሑፍ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ቡራኬ ዝቕበል ሰብ እቲ ቡራኬ ዝሓተሉ ኣጋጣሚ፣ ብዝኾነ ይኹን መገዲ መርዓ ክምስሎ የብሉን ምስ መርዓ ዘመሳስል እውን ክኸውይ የብሉን። ኩሉ ነገር ኣብ ኣገልግሎት ጉስነት መሰነይታ ሰባት ክኸውን ኣለዎ - ኣምላኽ ኣብኡ ክዋሳእ - ግን ከኣ እቲ ጭቡጥ ዝምድናኦም ብግልጺ ከይጸደቐ፡ ወይ ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ "ተቐባልነት" ከይሃበ። እዚ ምስቲ ንዓና ንኽረኽበና ቀዳማይ ስጉምቲ ዝወስድ ኩሉ ግዜ ኣምላኽ እዩ ምስ ዝብል ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዎ እምነት ዝሰማማዕ እዩ። ኩሉ ግዜ ቀዳምነት ጸጋ ኣሎ - እዚ ሽዑ ንሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክነብሩ ክሕግዞም ይኽእል እዩ፣ ከም ፍቓዱ። በዚ መንጽር ካህናትን ዲያቆናትን ካልኦት ኣብ ሓልዮት ነፍሳት ዝነጥፉ ሰባትን ምስ ሰባት ክራኸቡን ክባርኽዎምን ይኽእሉ - ኣብ ተጋራጫዊ ጓስነታዊ ኩነታት ክንርከብ ከይሓሰብና። ተራ ቡራኬ፡ ምስቲ ሓገዝን ጸጋን ኣምላኽ ዝሓትት ነጻ ጸሎት ተደሚሩ፡ ንኩሉ ሰብ ክወሃብ ይኽል። ብተወሳኺ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዘይ ኣፈላላይ በረኸት ኣምላኽ የድልዮ እዩ፣ ከመይሲ ከምቲ ጳውሎስ ዝብሎ ኲሎም ሓጢኦም . . .  እዮም " (ሮሜ. 3, 23) - እቶም ቡራኬ ዝህቡ እውን ከይተረፉ።

በረኸት ነቶም ዝባርኹ

ስለዚ እዚ መግለጺ እዚ ብብዙሕ መዳይ ኣብቲ ኣብዚ ጉዳይ ዝካየድ ውልትውናዊ ክትዓት ከይህሉ ክሕግዘና ስለ ዝኽእል ኣዝየ እየ ዘመስግን። ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ሃገረ ስብከት ፓሳው ንጉስነት ነፍሳት ዝሓልይ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት መሪቐ ነይረ። ከም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መጠን፡ ምስዞም ሰባት ኣብ እንገብሮ ናይ ጉስነት ጉዕዞ መብዛሕትኡ ግዜ ዓቢ ናይ ምርድዳእ ሕጽረት ኣለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዳርጋ ኣብ ሓልዮት ነፍሳት ናይ ምዝርራብ ዓቕሚ የብልናን። ሕጂ እቲ ናይ ሓባር ጉስነታዊ መዳይ ይሰፍሕ። ብናይ እግዚኣብሔር በረኸትን ምሕረትን ብትርጉም ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ጸሎት ድሕሪ ደጊም ናይ ግድን ምስ ቤተ ክርስቲያን ዝጋጮ ኣይኮነን። ካብዚ ኣረኣእያ’ዚ ድማ፡ እቲ ሓድሽ ሰነድ ብዛዕባ ቡራኬ ንኹሎም እቶም ኣብ ሓልዮት ነፍሳት፡ ንመሰነይታ ብቕንዕና ተወፋይነት ዘለዎምን ብተመሳሳሊ ግዜ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ትውፊታ እሙናት ኮይኖም ክጸንሑ ዝደልዩን በረኸት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ንጀርመንን ንኩላዊት ቤተ ክርስቲያንን መብርሂታት

ኣብ ጀርመን እቲ ጽሑፍ መነጸሪ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ናይ ሲኖዶስ መንገዲ ብምስዓብ፣ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ብብዙሓት ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ዝቐርብ ሕቶ ቡራኬ ናይቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ መጻምድቲ ዘማልእ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ቡራኬ ዝኸውን ቅዳሴን ስርዓታትን ብግልጺ ምኽልካል ካብ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ንምርሓቕ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዝንባለ ደው ከብሎ ይኽእል እዩ። ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ክሳብ ሽዑ ግን፡ ነቲ ቡራኬ ምስ ናይ ሓዳር ዝመሳሰል ማዕቀፍ ንምሃብ፡ ጽሑፋትን ቅዳሴታትን ንምሕንጻጽ ተበግሶታት ተጀሚሮም ወይ ድሮ ተማሂዞም ኣለዉ። እዚ ግን ብግልጺ ክልኩል እዩ። እቲ ጽሑፍ ንኩላዊ መስርሕ ሲኖዶስ እውን ዘነጽር ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ሲኖዶስ፡ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ቡራኬ ምሃብ ይከኣል ድዩ ዝብል ሕቶ ብዙሕ ግዜ ተላዒሉ - ብደገፍን ተቓወምትን ሰባት። ከምኡ’ውን ኣብቲ ትምህርቲ ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል ተኽእሎ፡ ዝፈርሕ ይኹን ዘጽድቕ፡ ኩሉ ግዜ ነይሩ። ምኽንያቱ ብሓቂ ብመሰረት ርድኢት ውሽጣዊ ስነ-መጐት እውን ኣሎ፡ ክባርኽ ዝደሊ፡ በቲ ምልክት እውን ነቲ ወትሩ ከም ሓጢኣት ዝቑጸር ዝነበረ - ሕጂ’ውን ዘሎ - ከጽድቖ (ጽቡቕ-በል)’ውን ኣለዎ። ክግበር ይኽእል ድዩ? ሕጂ ድማ ንርእዮ ኣለና: እዚ ምትእስሳር ግዴታ ኣይኮነን። ብመሰረት እቲ ካርዲናል ፈርናንደዝ ሕጂ ዜቕረቡልናን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብንጹር እተደገፈን ዘንብሮ ትርጉም ቡራኬ እንተ ተረዲእናዮ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ኣቐዲሙ ቅቡል ነይሩ እንተ ዝኸውን ምናልባት እዚ ሕቶ እዚ ኣብ ዚቕጽል ጥቅምቲ ኻብ ሲኖዶስ ወጻኢ ምኾነ። ከምኡ’ውን ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ብመሰረት ድሌት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ሓቀይና ቀንዲ እርእስቲ ዝኾነ ነገር ከተኩሩ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ ዝያዳ ሲኖዶሳዊት፣ ልእኽቲ ወንጌልን ኣሳታፊትን ቤተ ክርስቲያን ምዃን እዩ እንክብሉ ጀርመናዊ ጳጳስ ኦስተር ዝደረስዎ ሰፊሕ ተንታኒ ርእዮቶኦም ይዛዝሙ።

29 Dec 2023, 16:46