ጋላገር፥ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ቅልጡፍ ዘተ ዝጠልብ እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግፍዒ፡ መመኽነይታ የብሉን፡ እንተኾነ ግን ብድሕሪኡ ዘጋጠመ እውን ንርእዮ ዘሎና ጉዳይ እዩ። እዚ ኩነት እዚ ብህጹጽ ዘተ ዝጠልብ እዩ። እዚ ኲናት ካልእ ሃይማኖታዊ ግጭታት ከይፈጥርን ናብ ካልእ ክፋላት ዓለም ከይዝርጋሕን ተስፋ ንገብር።" ነዚ ዝበሉ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ርክብ ቫቲካን ምስ መንግስታትን ኣህጉራውያን ትካላትን ኣቨኒረ ምስ እተሰምየ ምስ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ካብ ኲናት ዩክሬን ክሳብ ቅልውላው ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ተራ ቻይና ኣብ ዝረኣዩ ውዑያት ጉዳያትን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ሰፊሕ መብርሂ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣቨርኒረ ዕለታዊ ጋዜጣ ጠቒሱ የመላኽት።
ስክፍታ ዛዕባ ህልው ኩነታት
ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣማእኪሎም ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር "ዓሚቕ ስክፍታ ከም ዘሎን ብኽልቲኡ ወገን ግዳያት ዝኾኑ እናቐጸለ እዚ ጉዳይ እዚ ዝተሓላለኸ እንዳኾነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ሽምግልና ንምምችቻእ ድሉዋት ኮይንና ድማ እብዚ ጉዳይ እዚ ዝከኣለና ኩሉ ንፍትን ኣሎና። እቲ ክንገብሮ እንኽእል ኣብ ሰብኣዊ ምትሕግጋዝ ነሳልጥ ኣሎና።" ኣብያተ ጽሕፈትና ንልውውጥ እሱራት ክንጥቀመሉን ውጥናት ምምላስ ህጻናት ዩክሬን ክኡል ዝገብር መገዲ ክረጋገጽ ንጽዕር ኣሎና። ውጽኢት ናይዚ ጻዕርታት ልኡም እኳ እንተኾነ ተስፋ ከይቆርጽና ንዓዪ።
ብዛዕባ ተኽእሎ ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝምልከት ሕቶ ሊቀ ጳጳስት ጋላገር እንክመልሱ፥ "ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ክልቲኡ ዩክሬንን ሩስያን ንምኻድ ኣዝዮም ክፉትን ድልውን እዮም። እንተዝከኣል ድማ ኣብ ቅሳነት ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዘሰጉም ምኾነ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ክኸውን እዩ ኢልና ኣይንሓስቦን።" ክብጻሕ ከም ዝኽእል ተስፋ ከም ዘሎና ግን ንጹር እዩ፣ እዚ እውን ኣብቶም ኣብ ግጭት ዘለዉ ወገናት እውን ዝምርኮስ እዩ። ስለዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናብ ክልቲአን ሃገራት ምብጻሕ ዝብል ድላይ ብኽልቲኡ ወገን ዝምስገን እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።"
ቅልውላው ሕቡራት ሃገራት
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብተወሳኺ "ዓሚቕ ቅልውላው ሕቡራት ሃገራትን ብዙሕነታዊ ትካላትን የጉልሑ። ብዙሓት ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዞባታት ኲናት ኣገዳሲ ኣበርክቶ የቕርባ ብፖለቲካውን ስነ መላውን ርክባት ደረጃ ግን እቲ ቅልውላው ዓሚቕ እዩ። ጽገና የድልዮ፡ እዚ ድማ ንዓመታት ክዝረብ ዝጸንሐ፡ ብፍላይ ናይ ባይቶ ጸጥታ ጉዳይ ዝምልከት፣ ሕጂ ድማ ብዛዕባ እዚ ጽገና ዝብል ጉዳይ ዝዓበየ ምእማን ኣሎ። ምናልባት ነቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ዘለዎ ግደ ንምድልዳል ዘኽእል ጽገና እዚ ድማ ቀወምቲ ናብ ዘይኰኑ ኣባላት ምስፋሕ፡ እቲ ዋዕላ ምናልባት እውን ስርዓታቱ ንምቕያር ዝምልከት ጕዳይ እውን ክኸውን ይኽል፡ ቅድስቲ መንበር እዞም ኣካላት እዚኦም ንደቂ ሰባት ብሓቂ ዝምልከት ቀንድን ማእከላውን ጉዳያት ዝያዳ ዝምልከትን ዝገጥምን ክኸውን ኣለዎ ቢላ እያ እትኣምን" እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።