ድለ

2023.12.22 ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ቤት ሕክምና ህጻነ ኢየሱስ ዑደት ኣካይዶም 2023.12.22 ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ቤት ሕክምና ህጻነ ኢየሱስ ዑደት ኣካይዶም 

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ቤት ሕክምና ህጻነ ኢየሱስ ዑደት ኣካይዶም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምቲ በብዓመቱ ኣብ በዓል ልደት ዝገብርዎ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ህጻነ ኢየሱስ ህጻናት ዕለት 22 ታሕሳስ ዑደት ብምክያድ ምስ ሕሙማት ህጻናትን ሰራሕተይናታትን ተራኺቦም ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰናይ ትምንኒት በዓለ ልደትን ሰላምታ ከም ዘብጽሑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዓመታዊ በዓለ ልደት ሮማ ኣብ ዝርከብ ትካል ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝኾነ ሕጻነ ኢየሱስ ቤት ሕክምና ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰናይ ትምኒትን ሰላምታን ሒዞም ዑደት ብምክያድ ምስ ሕጻናትን መንሰያትን ህሙማን ምስቶም ናይቲ ቤት ሕክምና ኣመሓደርትን ሰራሕተይናታትን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንህሙማንን ነቶም ዓቢይ ጥንቃቐ ዘድልዮ ክንክን ጥዕና ዝግበረሎምን ሕጻናት ተራኺቦም ብምጽንናዕ፡ ብፍላይ ድማ ንወለዲ ህሙማን፣ ገሊኦም ካብኣቶም ንመዓልታት፣ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ኣብ ጎኒ ደቆም ኮይኖም ምስቲ ደቆም ዘጋጠሞም ከቢድ ሕማም ዝገጥሙ ምስ ዘለዉ ተራኺቦም ጸሎትን ቅርበትን ር.ሊ.ጳ. ኣረጋጊጾም ናይ ቅዱስነቶም ሰላምታ ከም ዘካፈሉን ምንቲ ሕሙማን ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 22 ታሕሳስ ድሕሪ ቀትሪ ናብቲ ሆስፒታል ዑደት ኣካይዶም። ኣብቲ ነፍሲ ወከፍ ሕጻናት ህሙማን ዝርከብሉ ክፍልታት እናበጽሑ ምስቶም ኣብኡ ክንክን ዝግበረሎም ሰላም ለኪ ጸሎት ከም ዝደገሙን ኣብቲ ጽዑቕ ክንክን ኣብ ዝገበረሉ ድማ ብምኻድ ሰላም ለኪ ጸሎት ደጊሞም ቡራኬ ሂቦም ምስ ኣብቅዑ ምስ ሓካይም ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ኣመሓደርትን ኣብቲ ቤት ሕክምና ምስ ዘገልግሉ ወለንተይናታትን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ "ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ዋዜማ ልደት፡ ናብዚ ናብ ሆስፒታል ሕጻነት ኢየሱስ ምምጻእን ብፍላይ ድማ ምስዞም መንእሰያት ሕሙማት ምርኻብን ኣዝዩ ፍሉይ ህሞት'ዩ፡ ልብኻ ዝትንክፍ እዩ" ቢሎም ንሰራሕተይታት እቲ ሆስፒታል ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንተወፋይነቶም ብምንኣድ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስ ክእለቱን ኣበርክቶኡን፡ ኣብ ዕዮታቶምን ኣገልግሎትምን ዝስከምዎ ዓቢ ሓላፍነት ኣዘኻኺሮም።

ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ናይ ቅድስቲ መንበር ትካል ምኻኑ ብምዝካር፡ ካርዲናል ፓሮሊን ቅድስቲ መንበር ምስ ፍሉይ ተልእኾኣ ዝሰማማዕ ስለዘይመስል ንምንታይ ሆስፒታል ትመርሕ ኣላ ዝብል ሕቶ ዘቕርቡ ክህልዉ ይኽእሉ እንተኾነ ግን ከምቲ የሱስ ንሕሙማት ንምፍዋስ ከምኡውን ሓጢኣት ክሓድግ፣ "ነፍስን ኣካላትን ንምፍዋስ" ከም ዝመጸ ዘዘኻኽርን ወሲኹ "ነዚ ዕማም ንደቀ መዛሙርቲ ሂብዎም እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ብዝተፈላለዩ ናይ ኣገልግሎትን ተልእኾን ካልኦት ካላትን በዚ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ኣቢላ ትቕጽሎ ኣላ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

Photogallery

ካርዲናል ፓሮሊን ናብ ሆስፒታል ህጻናት 'ባምቢኖ ጌሱ' ዑደት ኣካይዶም
24 Dec 2023, 16:34