ክራየውስኪ፡ ቅድስቲ መሬት ርጉእን ሓቀይናን ሰላም ትጽውዕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኣብዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቦታታት፡ ክርስትያን ምንቲ ሰላም ዝጽልዩሉ፡ ቅዱስ ኣቦና ክውክሎም ናብ ቅድስቲ ሃገር ልኢኾምኒ። ብስም ር.ሊ.ጳ. ሓቢረ ምስ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ቅድስቲ መሬት ንኽጽሊ ዝተላእኩ እየ"። ካርዲናል ኮንራድ ክራየውሲ ነዚ ዝበሉ ተልእኾኦም ቅድሚ ምዝዛሞም ትርጉም ናይቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ኣብ ኢየሩሳሌምን ቤተልሄምን ናዝሬትን ኣብ ጎኒ እቶም ዝሳቐዩ ኮይኖም ዕለት 26 ታሕሳስ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ሰማእትነት ቅዱስ እስጢፋኖስ እትዝክረሉ ዕለት ምስ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘሕለፍዎ መንፍሳውን ሰብኣውን ህሞት ይዝክሩ።
ንሰላም ዝጽውዕ ጸሎት
ካርዲናል ክራየውስኪ ምስ ካህናት ሰበኻ ቓዛ ብምዃን "ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ስቓይ ጸሎት ገይሮም ንኸዕርግዎ ናብ ባዚሊካ ብስራተ ገብርኤል ከም ዝኸዱን ምስ መላእ ዓለም ማሕበረሰብ ክርስቲያን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘለዎም ውሁድ መንፈስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴንን ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝመርሕዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ከም ዘረጋገጹን ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌል ምስ ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ገዳማውያንን ጸሎት ከም ዘዕረጉን ቀጺሎም ናብ ናይ ካህናትን ደናግል ልኡካነ ወንጌል ማሕበረሰባት፥ ኣብ ቤተ ደናግል ናዝራዊት ቅድስቲ ስድራ ቤትን ፋተበነፍራተሊ ብዝብል መጸውዕ ናይ ዝፍለጥ ኣባላት ገዳማውያን ተራኺቦም ምስኦም ሓቢሮም ኣብቲ ብኣኣቶም ናብ ዝመሓደር ኣብ ኢየሩሳሌም ናብ ዝርከብ ዓቢይ ቤት ህክምና እውን ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ኣፍሊጦም።
ፍትሕን ሰላምን
ድሕሪ ቀትሪ እቲ ጸሎት ኣብ ገምገም ቀላይ ጢቤርያስ ምብጻሕ ኣካይዶም ደብረ ብጽዕና ድሕረ ባይታኡ ዝገበረ መደብ ጸሎት ከም ዝመርሑን እቲ ኢየሱስ ብጹዓን እያቶም ዝበሎም ዝነብርዎን ዝኾንዎን ተግባሮምን እንታይ ከም ዝመስል ብምዝኽካር፡ ብፍላይ "ገበርቲ ሰላም ብጹኣን እያቶም..." ዝብል ጥቕሲ፡ ብዙሕ ኣብ ዝተረሰዓላ ዓለም ንነብር ኣሎና ቢሎም በዘን ቃላት እዚኣተን ‘ኦ ኣምላኽ ገበርቲ ሰላም ደቅኻ ክበሃሉ ምዃኖም ገሊጽካልና ኢኻ እሞ” ሰላም ንደልን ምእንቲ ሰላም ንጽልን ገበርቲ ሰላም ብምዃን ድማ ደቅኻ ክንከውን ኣብቅዓና” ዝብል ጸሎት ከም ዘዕረጉን፡ “ርግኣትን ሓቀይና ሰላም ከተውሕሰና እትኽእል ፍትሒ ጥራሕ እያ እሞ ደለይቲ ፍትሒ እውን ክንከውን ምርሓና . . .” ዝብል ጸሎት ከም ዝዓረገን ሰላም ተኹሲ ምቁራጽ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልብናን ኣብ መንጎናን ይቕረ ምብህሃልን ምምሕሓርን ምፍቓርን ሕውነት ምስ ዝህሉ እዩ። መሬት ቓዛ ሰላም የድልያ ኣሎ ቢሎም፥ ዕለት 28 ታሕሳስ ናብ ሮማ ቅድሚ ምንቃሎም ኣብ የሩሳሌም ምስ ዘገልግላ ልኡካን ደናግል ኣባላት ማሕበር ደቂ እናቴ ቅደስቲ ተረዛ ተራኺቦም ምስአን እውን እቲ ውግእ ካብ ዝተባርዓሉ ዕለት ኣትሒዘን ናይተን ኣብ ገማግም ወሽመጥ ቓሳ ዘገልግላ ኣሕዋተን ደሃይ ዘይብለን ሰለስተ ደናግል ኣባላት ማሕበረን ዝፈጥረለን ዘሎ ስቓይ ተኻፋሊ ኮይኖም ንስቓየን ጸሎት ገይሮም እውን ከም ዘቕረብዎን. . . በቲ ንዓለም ዘናውጻ ዘሎ ውግኣት እትሳቐ ዘላ ነፍሲ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ዝዝክርዎ፥ እቲ ዘሎ ኩነታት "መከራን ጥሜትን" እዩ ዝወልድ። ነቲ መስፍን ሰላም ዝዀነ ኢየሱስ ምጽላይ ልቢ ሰባት ንምቕያርን ሓድሽ "ሰብኣውነት" ንኸስርጽን ዝገብር ምዃኑ ዘለዎም ተስፋ ናብ ሮማ ቅድሚ ምንቃሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይገልጹ።