ድለ

2023.12.22 Predica di Avvento 2023.12.22 Predica di Avvento  (Vatican Media)

ካርዲናል ካንታላሜሳ ፦ ኣብ ዘመነ ምጽኣት ምስ ማርያም እንገብሮ ጕዕዞ

እቶም ሰባኺ ቤት ጳጳስ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ራይኔሮ ካንታላሜሳ ነታ ካልአይቲ ናይ ዘመነ ምጽአት ስብከቶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ራይኔሮ ካንታላሜሳ ኣብ ዘመነ ምጽአት 2023 ኣብ ዘቕረብዎ ኻልኣይ ስብከት፣ ብዛዕባ እቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝገበረቶ ናይ እምነት ጕዕዞ ኣስተንቲኖም ።
እዞም ፍንቸስካዊ ካርዲናል ትማሊ ዓርቢ ንግሆ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ሓዊስካ ንኣባላት ቤተ ጳጳስ ዝኾኑን ነቶም ናይ ቀረባ ተሓጋገዝቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮም ዝኾኑ ኣካላት ሮማን ኩርያ ኣስተንትኖኦም ለጊሶም ።

መንፈሳዊ ጕዕዞ ማርያም

ካርዲናል ካንታላሜሳ  ኣብ ኣስተንትኖኦም ክርስቲያን ንነዊሕ እዋን ነቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝገበረቶ መንፈሳዊ ጕዕዞ ከየመገስዎ ብዘይ ምስትውዓት ከም ዝሓለፍዎ ብምጥቃስ ስብከቶም ጀሚሮም።

ቅድስቲ ድንግል ማርያም "ኣብ ግዜ ብስራት ዝገብረርቶ ናይ እምነት ውሳኔን ከምኡ ውን ምሉእ ህይወታ ኣብኡ ጸኒዓ ምንባራ ኣቕሊልካ ዚርአ እዩ ነይሩ" በሉ።
እዞም ኢጣልያዊ ፍንቸስካዊ ካርዲናል ከም ዝገለጽዎ፣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ድማ ቅድስቲ ድንግል ማርያም "ኣብ ጕዕዞ እምነታ ዕቤት ከም ዝገበረት" (LG, 58) አረጋጊጹ ክብሉ ኣስፊሖም ገለጹ።

በዚ ኸምዚ ብፁዕነቶም ነቲ ማርያም ዝገበረቶም መንፈሳዊ ጕዕዞ ብምዝርዛር ቀጸሉ፦ ነቲ ምስ ኤልሳቤጥ ዝገበረቶ "ዜሐጕስ ውዕዉዕ ስምዒት"፣ ኣብቲ ነቢይ ስምኦን እተነበዮ ዜሰንብድ ትንቢት ኣብ ዝሰምዓትሉ ከምኡ ውን "ኵሉ ዕቤትን ናይ ህይወት ስቓይ ወዳን"፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ እዚ ጕዕዞኣ ክሳብ መስቀል ከም ዝበጽሐ ኣስተንተኑ።

ካርዲናል ካንታላሜሳ "ብዛዕባ ማርያም ከምቲ እቲ ሓዋርያ ብዛዕባ ኣብርሃም ዝበሎ ብዝዓበየ ኣመክንዮ ክንዛረብ ንኽእል ኢና ድሕሪ ቢሎም - ማርያም ንዅሉ ብተስፋ እናተጸበየት ትኣምን ነበረት፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣደ ብዙሓት ህዝብታት ኰነት። ንሳ እታ ብእምነት እትነብር ኣዴና ኢያ" ድማ በሉ።

ምስ ማርያም ብእምነት ምሕባር

ድሕርዚ ካርዲናል ካንታላሜሳ ካብ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝበሎ ብምጥቃስ ከምዚ በሉ - "ቅድስቲ ድንገል ማርያም ትኣምን ነበረት፣ እቲ ዝኣመነትሉ ድማ ኣብ ህይወታ ተፈጸመ። እቲ ኣብኣ እተፈጸመ ነገር ከአ ንዓና እውን ምእንቲ ኺጠቕመና ንእመን" በሉ ።

ብፁዕነቶም ነዘን ቃላት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ድሕሪ ምጥቃስ ነዚ "ሕጂ ዘሎ ኩነታት " ንምግላጽ ካብቲ ፈረንሳዊ ጸሓፊ ዝነበረ ብሌዝ ፓስካል ዝበሎ "ልቢ ወድሰብ ሓደ ኣእምሮ ወድሰብ ዘይበጽሖ ኣመክንዮ ኣለዎ. . . ኣመክንዮ ዘይኮነስ፣ ልቢ እዩ ንኣምላኽ ክሰምዖ ዝኽል" ድማ በለ ክብሉ ይጠቕስዎ።
በዚ ኸምዚ ካርዲናል ካንታላሜሳ ነቶም ንሰማዕቶም፣ ኸም ብሓድሽ ካብቲ ፓስካል ዝበሎ ብምጥቃስ "ናብ ልብኹም ተመለሱ" በልዎም ።
"ካብቲ ዘስሕተካ ዘሎ ኵብለላ ተመለስ፣ ናብ ጐይታ ተመለሱ ። ናብ ልብኹም ተመለሱ፦ ምስሊ ኣምላኽ ኣብኡ ስለ ዚርከብ ምናልባት ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ከም እትፈልጥ መርምር ። ክርስቶስ ኣብ ውሽጣዊ ኽፍሊ ወድሰብ እዩ ዚነብር" በሉ።

ኣብ እዋን በዓለ ልደት ንኢየሱስ ናብ ልብኻ ዓድሞ

ካርዲናል ካንታላሜሳ አብ መደምደምታ ስብከቶም "ማዕጾ ልብና ንኸፈተሉ" ከምኡውን "ነቲ ሕጻን ኢየሱስ ኣብዚ ዝሑል ኵነታት ዓለምና ምዉቕ ፍቕርናን መወዳእታ ዘይብሉ ምስጋናናን ከም ዝስምዖ ብምግባር ሕቁፊ ልብና ንሃቦ" ብምባል ዛዘሙ።
"እዚ ባህ ዜብል ግጥምን ልቢ ወለድን ዘይኮነስ፣ እዚ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ከቢድ ኩነት ኢዪ ። ንኢየሱስ ምውላድ ክበሃል ከሎ "ርእስኻ" ኽትመውት ምፍቃድ ወይ እንተ ወሓደ ነቲ እተወልደን ዝሞተን ከምኡ ውን ከም ብሓድሽ ኣብ ክንዳና ዝተንስኣን ኢየሱስ እምበር ደጊም ምእንቲ ርእስና ኸይንነብር ዝወሰንናሉ ውሳኔ ምሕዳስ ማለት ኢዩ።
ካርዲናል ካንታላመሳ ኣብ ስብከቶም እቲ ክርስቶስ አብ ቤትልሔም ዝገበሮ ዕዮ "ብበዓለ ልደት ኣይውዳእን ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ካባኡ ዝጅምር ኢዩ" ብምባል ኣስተምሃሩ።

 

 

23 Dec 2023, 16:21