ስግረ - ጾታውን ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒትን ዘለዎም ሰባትን ስጢራትን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ስግረ - ጾታውያን (ምስቲ ዘለዎም ወይ ኮይኖምዎ ዝተፈጥሩ ጾታዊ መለለዪ ዘይቃደዉ ሰባት) ዋላ እውን ብነዝዒ ፍወሳ ወይ ብጾታዊ መጥባሕቲ ነቲ ኮይኖምዎ ዝተፈጠርዎ ጾታዊ መለለዪ ነጺጎም ነቲ ክኾንዎ ዝስምዖም ጾታ ክህልዎም ዝገበሩ “ኣብ መንጎ ምእመናንን ዕንቅፋትን ምድንጋራትን ናይ ምፍጣር ሓደጋ እንተዘይሃልዩ” ምስጢረ ጥምቀት ክቕበሉ ይኽእሉ። ደቂ ሓደኣዎ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም መጻምድቲ ዋላ ካብ መተካእታ ኣደ እንተተወልዱ ክጥመቑ ኣለዎም። እንተኾነ ግን ብካቶሊካዊ እምነት ከምሃሩ እዮም ዝብል ጽቡቕ መሰረት ዘለዎ ተስፋ እንተሃልዩ እዩ ይብል።
እዚ መብርህታት እዚ ነቲ ኣብ ብራዚል ናይ ሳንቶ ኣማሮ ሰበኻ ጳጳስ ኾሰ ነግሪ ንናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘቕረብዎ “ጥርጣረ” መልሲ ንምሃብ ዘውጸኦ ሰነድ ዕለት 31 ጥቅምቲ ብናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ እተፈረመ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸደቐ ሰነድ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ሰነድ እውን ብዛዕባ እቶም ኣብ ስግረ - ጾታን ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒትን ዘለዎም ሰባት ኣብ ምስጢረ ጥምቀትን ምስጢረ ተክሊልን ክስተፉ ይኽእሉ ድዮም ኣይክእሉን ዝብል ጳጳስ ነግሪ ንዘቕረብዎ ሽዱሽተ ጥርጣረታት መልሲ ዝህብ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ መልሲ ሰነድ ነቲ ቅድም ክብል እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝሃቦም መልስታት ዝተወከሰ ኮይኑ፥ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ወሲኹ፥ “እቶም ስግረ - ጾታውያን ሰባት ዓበይቲ ይኹኑ ትሕቲ ዕድመ ወይ በጽሒ መንእሰያት “ብጽቡቕ ዝተሰናደዉን ባህጉ እንተሃልዮም ከምኡ እውን ምኽንያት ዕንቅፋትን ምድንጋራትን እንተዘየለ” ክጥመቑ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ።
ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ጉዳይ ጥርጣረታት “ብዛዕባ እቲ ሓደ ሰብ ዝርከበሉ ውድዓዊ ስነ ምግባራዊ ኩነታት” ወይ ብዛዕባ “ኣብ ጸጋ ዘለዎ ባዕላዊ ድሌታቶም” (ከምኡ እውን ኣብቲ ንምምሕያሽ ዝዓለመ ዘይመልስ ኩነታት እውን) ኣብ ግምት ዘእተወ ሓሳብ እውን የቕርብ።
ቤተ ክርስቲያን ምስጢረ ጥምቀት “ብኸቢድ ሓጢኣት ብዘይ ንስሓ ምቕባል ብዓንዲ ርእሱ ቅዱስ ዝኾነ ጥምቀት ዝተቐበለ እውን እንተኾነ ነቲ ዝተጠመቐ ቅዱስ ጸጋ ከም ዘይህቦ” ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ትምህርተ ሃይማኖት ዘሎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብኣጽንዖት የመላኽት፡ እቲ ዘይሃስስ ናይቲ ቅዱስ ምስጢር ባህርይ ንዘልኣለም ኣብ ክርስቲያን ከም እወታዊ ባህርይ ድልውነት ናብ ጸጋ ኮይኑ ይጸንሕ።”
እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖን ቅዱስ ኣጎስጢኖስን ብምጥቃስ ክርስቶስ ነቲ ሓጥእ ምድላይ ከም ዝቕጽልን ናብ ንስሓ ምስ ዝመጽእን ዝጠዓስን ድማ እቲ ድሮ ዝተቐበሎ ምስጢር ብባህሪኡ ብኡንብኡ ጸጋ ንኽረክብ ከም ዝድርኾን ኣብ ዘውጸኦ ናይ መልሲ ሰነድ የዘኻኽር።
ሓደ ስግረ - ጾታ ሰብ ኣብ ጥምቀት ኣበልገ ወይ ኣደልገ (ኣቦ ጥምቀት ወይ ኣደ ጥምቀት) ክኸውን ይኽእል ድዩ ዝብል ንዝቐረበ ሕቶ፥ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት “ብዝተወሰነ ኩነታት ክፍቀድ ዝከኣል እዩ” ክብል እንከሎ፡ ኣቦ ጥምቀት ወይ ኣደ ጥምቀት ምዃን መሰል ከም ዘይኮነ ኣመላኺቱ ስለዚ ድማ “ጓሳዊ ጥንቃቐ ሓደጋ ዕንቅፋትን ምድንጋራትን እንተሃልዩ ክፍቀድ ከም ዘይብሉ ይጠልብ፡ ዘይግቡእ ሕጋውነት ወይ ኣብ ትምህርቲ ዓውዲ ማሕበርሰብ ቤተ ክርስቲያን ምድንጋር ዝፈጥር እንተድኣ ኮይኑ! ዝብል እቲ ስግረ - ጾታ ኣብ ምስጢረ ተክሊል ስነ ስርዓት ከም ምስክር ኮይኑ ከገልግል ይኽል ድዩ ንዝብል ሕቶ ኣስዒቡ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፥ “ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵላዊ ሕገ ቀኖና” ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝምልከት ነገር የለን ስለዚ ድማ ፍቑድ ምዃኑ የስተብህል።
ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ብኻልእ ሜላታት ከም ብመተካእታ ውላደነት ዝተቐበልዎም ድዩ በዚ ሜላታት እዚ ተጸኒሶም ዝተወልዱ ዘለውዎም ቆልዑ ክጥመቑ ይኽእሉ ድዮም ዝብል ሕቶ ቀሪቡ እዩ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ “እቲ ቆልዓ ምንእቲ ክጥመቕ ኣብ ሃይማኖት ካቶሊክ ንኽዓቢ መሰረት ዘለዎ ተስፋ ኪህሉ ኣለዎ” እንክብል ይምልስ፡ ድሕሪ እዚ እቲ ሰነድ ቀጺሉ እቲ ሰነድ ብዛዕባ ሓደኣዊ ጾታ ዘለዎም ምስኡ ከም መጻምድቲ ዝነብርን ንሓደ ዝጥመቕ ሰብ ኣቦ ጥምቀት ወይ ኣደ ጥምቀት ክኸውን ይኽል ድዩ ንዝብል ሕቶ ከኣ፥ “እቲ ኣቦ ጥምቀት ወይ ኣደ ጥምቀት ክኸውን ዝሓትት ምስ እምነትን እምነት ምስ ዝሓትቶ ዕማም ዝሰማማዕ ህይወት” ክመርሕ ኣለዎ ዝብል መልሲ ከም ዝሃበሉ ዜና ቫቲካ የመላኽት።
ብሓደ ዝነብሩ ሓደኣዊ ጾታውያን ርክቦም ከም መጻምድቲ ዝገበሩ ክኾኑ እንከለዉ ዝተፈልየ ይኸውን እቲ ድማ ክንየው ብሓባር ምንባር እዩ ዝኸውን ዘሎ፡ ከም ‘ሰብኣይን ሰበይት፡’ እዚ ኣብ ማሕበረሰብ ዳርጋ ፍሉጥ ዝኾነ ይመስል፡ ኣብ ከምዚ ኩነት እዚ ምስጢረ ጥምቀትን ብፍላይ ድማ ምቕባሉን ምሕላውን፣ እዚ ድማ ንድሕነት ኣድላዪ ስለ ዝኾነ ክሕሎ ዘለዎ ክቡር ሰናይ እዩ።
እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፥ “ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግቡእ ኣቦን ኣደን ጥምቀት ዝህቦ ሓቀይና ዋጋን ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝጻወትዎ ተራን ምስ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብዝምልከት ዘርእይዎ ኣብ ግምት ምእታውን” ከምዘድሊ ገሊጹ።
እቲ ሰነድ፡ “ካብ ዓንኬል ስድራ ቤት ካልእ ሰብ፡ እምነት ካቶሊክ ናብቲ እተጠመቐ ሰብ ብቕኑዕ ንኽመሓላለፍ ዋሕስ ኰይኑ ኪሰርሕ ይኽእል እዩ” ዚብል ሓሳብ የቕርብ። ካብዚ ሓሊፉ ቤተ ክርስቲያን ኣቦ ወይ ኣደ ጥምቀት ካብ ምዃን ሓሊፋ ኣብ ስርዓተ ጥምቀት ንተግባር ጥምቀት ከም ምስክር ኮይኑ ናይ ምሕጋዝ ተኽእሎ ዘለዎ ክኸውን ከም ዝግባእ ትሕብር።
እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላይለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ንዝቐረበሉ ናይ መወዳእታ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎ ሰብ፡ ዋላ እቲ ሰብ ብሓባር ይነብር እንተሃለወ፡ ናይ ምስጢረ ተክሊል ዝቕበሉ ሰባት ምስክር ኮይኑ ክቐርብ ዝኽልክሎ ነገር ከምዘየለ ይገልጽ።
ምሉእ ጽሑፍ ናይቲ ሰነድ፡ ብቋንቋታት ጥልያንን ፖርቱጋልን ኣብ ወግዓው መርበብ ሓበሬታ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልፍ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ክትረኽብዎ ከም እትኽሉ ንሕብር።