ድለ

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ቅድስቲ መንበር ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምምካት ዘለዋ ተወፋይነት የጉልሑ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ቅድስቲ መንበርን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅልውላው ከባቢ ኣየር ንምፍታሕ ዘለዎም ተወፋይነት የጉልሑ። ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ቀዳማይ ሰሙን ዝካየድ መበል 28 ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር፡ ናይ ኩለን ሃይማኖታት ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ዝመክር ዓውደ ኣኼባ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንዓበይቲ ሃይማኖታውያን ማሕበረሰባትን ትውፊታትን ዓለም ዝውክሉ ኣስታት ሰላሳ መራሕቲ ሃይማኖታት ንለውጢ ከባቢ ኣየር ንምምካት ማሕበረሰቦም ንምውዳብ ቃል ከም ዝኣተዉን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ዝካየድ መበል 28 ዋዕላ ለውጢ ከባቢ ኣየር ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስድ ዝጽውዕ ናይ ሓባር መገልጺ ከም ዝኸተሙን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ር.ሊ.ጳ. ወኪሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታትሞም ከም ዘንበሩን እዚ ናይ ምፍርራም ስነ ስርዓት ኣብ መዛዘሚ ቀዳማይ መዓልቲ ናይቲ ንቅልውላው ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምምካት ድምጺ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመንትን ንምዕባይ ዝዓለመ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ናይ ኩለን ሃይማኖት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

መራሕቲ ሃይማኖታት ክጻወትዉ ዝኽሉ ተራ እንታይ ምዃኑን ብብዙሓት ከም ዝያዳ ዓለማዊ ጉዳይ ዝረእይዎን ክትሕብሩና ምኸኣልኩም ዶ? እወ፥ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዓለማዊ ጉዳይ እዩ። ብሓቂ ክርአ እንከሎ ብፖለቲከይናታትን ናይ ዓለም ፖለቲካን ከምኡ እውን ብስነ ተመራማርያንን ካልእን ክረአ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ናይ መራሕትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ትርጉሙ ግን ቅድስቲ መንበር ኣዝያ ተስመረሉ ዘላ ጉዳይ ስነ ምግባራውን ግብረ ከባውን ሸነኽ ስለ ዘለዎ እዩ። ደሓር ከኣ ኣብዚ ሕታም እዚ መራሒ ሃይማኖት እቲ ናይ ሕጂ ዓለም ነዚ ጉዳይ እዚ ንምምካት ዘለዋ ተወፋይነት ድርኺት ክውስኽሉ ዝብል ድምጺ እዩ።

ብፍሉይ ብዛዕባ ቅድስቲ መንበር ክንዛረብ እንኮለና፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብ ውክልና ስለ ዘለዋ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ፍሉይ ተራ ኣለዋ። ኣብ መላእ ዓለም ስለ ትርከብ እውን። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅድስቲ መንበርን ኣብ ምፍታሕ ቅልውላው ለውጢ ኣየር ዝኣመሰሉ ጉዳያት ዘለዎም ፍሉይ ተራ ከመይ ትርእይዎ? ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ [ኣብ ጉዳይ ለውጢ ከባቢ ኣየር] ኣዝዮም ከም ዝግደሱ ትፈልጡ ኢኹም . . . ናይዚ መርትዖ ድማ እተን ዝለገስወን ክልተ ሰነዳት እያተን፥ “ስቡሕ ኣንተን”  ብዙሓት መራሕቲ ዓለምን ብዙሓት መንግስታትን ኣብ እዋን ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ፓሪስ፡ ኣብ ዝተፈረመ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብሓቂ ከም መወክሲ ከም ዝረኣይዋን ስዒቡ እውን ነታ “ስቡሕ ኣንተ” ዓዋዲት መልኽቲ ዘአውን ኣብ ቀረባ እዋን ዝለገስዎ “ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር” ዘርስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ምጥቃስ ይከኣል።

ብርግጽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኩሉ መዳያት ዛዕባ እቲ ጸገም ትግደስ እያ። ብዛዕባ ምንካይ በካሊ ትፍኣተ ጋዝ፡ ጸገም ምውሳኽ ጽፍሒ ባሕርን ካልኦትን ትዛረብ። ትኩረትና ግን ብፍላይ ኣብ ክልተ ነገራት እዩ፥ ኣብ ክልተ ፍሉያት ጉዳያት ብቐዳምነት ድማ ኣነባብራ ዝምልከት ይኸውን።

ዝያዳ ሃብቲ ገንዘብ ምፍሳስ እኹል ኣይኮነን። ንመቃለልን ንምትዕጽጻፍን ንምትብባዕ ዝያዳ ጸጋትጋት ምቕራብ የድሊ። ኣብዚ ጉዳይ ሃብቲ ገንዘብ ምምዳብ ኣገዳሲ ኣይኮነን ማለት ዘይኮነስ፡ ግን ገንዘብ ምውፋር ጥራሕ ንበይኑ እኹል ኣይኮነን፡ ብሓቂ ኣነባብራና ክንቅይር ኣሎና። ንፍጥረት ከይንጎድእ እንታይ ደኣ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ተኸናኸንቲ ክንከውን ይግባእ። እዚ ድማ እግዚኣብሔር ክፈጥረና እንከሎ ንደቂ ሰባት ብሓላፍነት ዝተወሃቦ ዕማም እዩ። እዚ እውን ኣብ ትምህርቲ ክሰርጽ ዝግብኦ ጉዳይ ይኸውን። እቲ ካልእ ኣዚዩ ኣገዳሲ ነጥብ፣ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ንምምሃር ብዝተፈላለየ መገዲ ጸጋታት እዛ ዓለም ኣብ ግብእ ኣጠቓቕማ ክዓቢ መታን። እዚ ኵላዊ ተወፋይነት ቅድስቲ መንበር እዩ። በዚ ኣብ ምፍራም ስምምዕ ፓሪስ እውን ቅድስቲ መንበር ነዚ ጉዳይ እዚ ከም ዘስመረትሉ የዘኻኽሩ። ምኽንያቱ ንከተማ ቫቲካን ዝምልከት ክፋል ተወፋይነት ስለ ዘሎና። ኣብዚ ደረጃ እዚ ድማ ገለ ጭቡጥ ስጉምትታት ክንወስድ ንኽል ኢና። ግን ብርግጽ ሃገር እውን እንተኾንና ግዝኣት ቫቲካን ኣዚዩ ንኡሽተይ እዩ። ሰለዚ ኣብቲ ተርእዮ ርኡይ ጽልዋ የብልናን እንተኾነ ግን ብሓቂ ኣብ ጎድኒ ትምህርቲ ሓደስቲ ወለዶታት ንጸጋታት እዛ ዓለም ብግቡእ ክጥቀሙ ዓቢ ኣበርክቶ ክንገብር ከም እንኽል ነስተውዕል።

08 Nov 2023, 15:31