ድለ

ቅድስቲ መንበር፥ ሰብኣዊ መሰላት ቅድሚ ሃገራዊ ረብሓታት እዩ ቅድስቲ መንበር፥ ሰብኣዊ መሰላት ቅድሚ ሃገራዊ ረብሓታት እዩ  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር፥ ሰብኣዊ መሰላት ቅድሚ ሃገራዊ ረብሓታት እዩ

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅዱስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕማ ምስጓግ ወጻእተይናታት ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ኣብ ኵላዊ ሰብኣዊ ድሌት ዝሓሸ ሕይወት ምምርኳስ ንቅልውላው ዝወሃብ ባህርያዊ ሰብኣዊ ምላሽ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ውድብ ሃገራት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ጋብርኤለ ካቻ፥ “ዛዕባ ምስጓግ ወጻእተይናታት” ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝተኻየደ መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃግራት ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ስደተይናታት ሓተትቲ ዑቕባ ተመዛበልትን ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ብናይ ሎሚ ማሕበራዊ ጸገማት ተሓተትቲ ምግባር ዘይፍትሓውነት እዩ” ከምዝበሉን ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ኣሳዶን ዓመጽን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ድኽነት ካብ ቤቶም ክወጹ ከም ከም ዝገደዱ ኣዘኻኺሮም፥ “ስደት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት “ደቂ ሰብ ንዝሓሸ ህይወት ንኽረኽቡ ኣብ ዘለዎም ባህጊ ተመርኲስካ መልሲ ምሃብ ባርያዊ ሰብኣዊ ኣገባብ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቀዳምነት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ረብሓታት

ብዛዕባ ዓለም ሓቆፍ ሽማግለ ሕጊ ዘቕረቦ ሓርፋፍ ዓንቀጸ ኣማእኪሎም ርእይቶ ክህቡ እንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ረብሓታት ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ክብርን ብቐዳምነት ዘጉልሕ ብምዃኑ ነዚ ንኢዶም ብፍላይ ዓንቀጽ ሓሙሽተ ብሓጎስ ተቐቢሎም፡ እዚ ዓንቀጽ እዚ ምስ ምስጓግ ወጻእተይናታት ዝተተሓሓዙ ስጉምትታት ብመሰረት ክልቲኡ ውሽጣዊ ሕጋዊ ቅርጽን ብመንግስቲ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ግዴታታታትን ክፍጸሙ ኣለዎም፡

ደረት ፍርዲ ሞት

ስደተይናታት ናብ ዝመጹለን ሃገራት ዘይምምላስ ዝብል መትከል ቅድስቲ መንበር ኣቃሊሖም እዚ እውን መንግስታት ንውልቀ ሰባት ናብቲ ስቅያትን ኢሰብኣዊ ወይ ዘዋርድ ኣተሓሕዛ ናብ ዘለወን ዝመጹለን ሃግራት ንኸይምለሱ ዝኽልክል ሕጊ ደገፎም ገሊጾም፡ ከምኡ እውን ቀስ ብቐስ ናይ ሞት ፍርዲ ምድራት የድሊ ከም ዝበሉን ብፍላይ ድማ ናብተን ናይ ሞት ፍርዲ ክቕበሉ ብሓቂ ንህይወቶም ሓደጋ ናብ ዝወድቀሉ ሃግራቶም ከይስጎጉ ዝብል ሕጡብ ጽሑፍ ንኢዶም . . . ቀዳምነት ኵለንተናዊ ምሉስ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ክኸውን ኣለዎም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንጉዳይ ሕጻናት ቀዳምነት ምሃብ

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣስዒቦም፥ ብዛዕባ ሕጻናት ዝምልከት ኣብ ዓንቀጽ 18 ዝተጻሕፈ ሓርፋፍ ሕጊ እቲ ዝለዓለ ቀዳምነት መሰል ናብራ ስድራ ቤትን፥ ኣባይቲ ስድራ ካብ ምብትታን ምክልኻል ዝብል እዚ እውን ቀዳምነት ናይ ቆልዑ ረብሓ ማእከል ክኸውን ዝብል ምዃኑ ኣመላኺቶም፥

ብዝሒ ዝተገለሉን ኣብ ጭንቀት ዘለዉ ሰባት ይውስኽ ኣሎ

ቁጽሪ ናይቶም ዝተገለሉን ዝጭነቑን ሰባት ምስ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ግጭታት ብሓባር ይዓቢ ከም ዘሎ ሊቀ ጳጳስት ካቻ ኣመልኪቶም፡ “ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ግርጭታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ወሳኒ ስጉምትታት ካባና ይሓትት” ብዛዕባ ምስጓግ ወጻእተይናታት ዝምልከት ኣህጉራዊ ቀያዲ ሕጊ ንኽጸድቕ ከምኡ እውን ንኹለን ሃገራት ክፉት ዝኾነ ግዚያዊ ሽማግለ ወይ ክፉት ናይ ስራሕ ጉጅለ ብምቛም ብዛዕባ እቲ ዘድሊ ሕጊ ዘተ ምእንቲ ክካየድ ቅድስቲ መንበር ነዚ ሓሳብ እዚ ከም እትድግፎ ገሊጾም፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ማእለያ ዘይብሉ ሰባት ዝጸልው ዘሎ ተሃዋሲ ጉዳይ ሓባራዊ ስርዓታትን ንጹር መለክዒታትን ምቛም ዝከኣል እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

06 Nov 2023, 15:14