ቅድስቲ መንበር ኣብ ልዕሊ ስደተይናታትን ሃይማኖታትን ዝግበር ኣድልዎን ዓሌታዊ ጽልእን ትቃወም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅድስቲ መንበር ነቲ "ጐዳእን ዘፈንፍንን እከይ ዓሌታዊ አድልዎ" ብዅሉ መዳያቱ ንምፍታሕ ከምኡውን ምስኡ ብዝተትሓሓዘ ሃይማኖታዊ ዘይተጻዋርነትን ኣድልዎን መስጐጕትን ንምዕጋት ከም ብሓድሽ ጻውዒት አቕሪባ ።
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት አቡነ ጋብሪኤለ ካቺያ ናይ ቅድስሪ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ አብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ኣብ ሕጊ እተራእየ ምዕባለታትን ዓበይቲ ለውጥታትን እኳ እንተሎ ኩነታዊ ዓሌታዊ አድልዎ ግን ይቕጽል ኣሎ " ብምባል ጓሂኦም ገሊጾም ።
ውርደት ነባሪ ክብሪ ወድሰብ
ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንሳልሳይ ኮሚቴ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNGA) ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ ኣብ ዘስምዕዎ መግለጺ፡ እቲ “መንነት ሓደ ወድ-ሰብ አብ ተራ ገጸ-ባህሪኡ ወሪድካ፡ ካብ ካልእ ይበልጽ” ዝብል ዓሌታውነት ምድጋፍ “ግጉይ እምነት” ምዃኑ አዘኻኺሮም። እዚ ድማ ነቲ “ንባህርያዊ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ወዲሰብ ምውራድ” እዩ ክብሉ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም።
“ ኵሎም ኣባላት ሰብኣዊ ስድራቤት ማዕረ ዝኾነ ኣምላኽ ዝሃቦም ክብሪ ስለ ዘለዎም ሓደ ዓይነት መሰረታዊ መሰላትን ሓላፍነታትን ኣለዎም። "
ስደተኛታት ፖለቲካዊ ጸገም ዘይኰነስ ደቂ-ሰብ እዮም
ብፍላይ ነቲ "ንጹር መርኣያ ዓሌታዊ ኣተሓሳስባ" ዝዀነ ዓሌታውነትን ዓሌታዊ-ጽልእን ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ከምኡውን ዕቝባ ዝደልዩ ሰባት ዝፍጸም ዘሎ "ዓሌዊ አድልዎን ጽልእን" ጠቒሶም።
ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ "ስደተኛታት ከም ዝዀነ ይኹን ሰብ ማዕረ ኽብሪ ኸም ዘለዎም ጌርካ ኣይረአዩን ኢዮም ዘለዉ፣ ስለዚ ብግህዶ አብ ልእሊኦም ተነጽሎን አድልዎን ይፍጸም አሎ" ክብሉ መስከሩ።
"ስደት መብዛሕትኡ ግዜ ንፖለቲካዊ ዕላማታት ዘለዓዕልን ዝምዝመዝን ፍርህን ስግኣትን ከለዓዕል ይኽእል ኢዩ" ድማ በሉ። ስለዚ ነዚ ጕዳይ እዚ ብህጹጽ "ብቘራጽነት" ክንፈትሖ ኣሎና ክብሉ ጻውዒት አቕሪቦም ።
"ስደተኛታት ብቐሊሉ ክውገድ ዘለዎ ኢልካ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ጸገም ኮይኖም ክረአዩ የብሎምን፣ የግዳስ ከም ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ክብርን ዋጋን ዘለዎም ሰባት ገይርካ ክረአዩ ኣለዎ።"
እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዘሻቕል ሃይማኖታዊ ኣድልዎ
ብተወሳኺ ውን እዞም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብሃይማኖታዊ ዘይተጻዋርነት ዝግበር ዘሎ ኣድልዎ ከምኡ ውን ስደት ብቐጻሊ ይውስኽ ምህላዉ ንቅድስቲ መንበር ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩላ ከም ዘሎ ገሊጾም ።
ነቲ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝኾነ መስል ደቅ-ሰባት ኣመና ዝማህመነሉ ብዙሕ ቦታታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ መንግስትታት "ነዚ መሰል ዜጋታተን ናይ ምሕላው ግዴታ ኣለወን፣ ከመይሲ እዚ ሓደ ኻብቲ ኽብሪ ደቅ-ሰብ ንምሕላው ዜድሊ ኣዝዩ አገዳዊ ኩነት እዩ" ክብሉ አብ መግለጺኦም አመልከቱ።
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ ብዛዕባ አስፋሕፊሑ ዘሎ ፍርሂ "ጓንነት" ኣጠንቂቖም ፣ እዚ ፍርሂ እዚ ኸኣ "ኣብቲ ላዕሊ ላዕሊ ዝኾነ እምቆት ዘይብሉ ሓድነት ንምፍጣር ዚግበር ጻዕሪ ንዅሉ ፍልልያትን ልምድታትን ንምውጋድ ዚጽዕር ሓደ ዓይነት ድኹም ሓድነት ከም ዚህሉ ኺገብር ይኽእል እዩ።" ክብሉ ኣጠንቀቑ።
ዘተ ምዝውታር ንፍርሂ "ጓንነት" ፈውሲ ኢዩ
ነዚ "ናይ ሓሶት ኣድማሳዊ ኣተሓሳስባ" ፈውሲ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ “ ኵልና አሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዘልከትዎ ብምጥቃስ መግለጺኦም ቀጸሉ፣ እዚ ድማ "ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሃብታም ውህበትን ብሉጽነትን" ኣፍልጦ ዝህብ ባህሊ ዘተ ኢዩ በሉ።
ብፁዕነቶም ኣብ መደምደምታ እቲ ብ1948 ኣብ ዓለም ለኻዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት እተጠምረ ማዕርነት ኽብሪ ኵሎም ደቅሰብ "ንዓሌታውነት ወይ ምግላልን ብዕዉር ዓይኒ ኸይንዕዘቦ የግዳስ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብግልጽን ሓድነትን ፍቕርን ክንቀርቦ ይሓትት" ብምባል ጻውዒት አቕረቡ።
"ዓሌታውነትን ምኽሓድ ሰብኣዊ ኽብሪን ንሰብኣዊ ስድራ ቤት ዚኸፋፍልን ጐዳእን ዝኾነ ዜፈንፍንን እከይ እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ብሰንኪ ዓሌቱ ሕብሪ ቆርበቱ ጾታኡ ቋንቋኡ ሃይማኖቱ ፖለቲካዊ ወይ ካልእ ኣረኣእያኡ ሃገራዊ ወይ ማሕበራዊ መበቈሉ ንብረቱ ትውልዱ ወይ ካልእ ደረጃኡ ኣድልዎ ከጋጥሞ የብሉን" ክብሉ መደረኦም ዛዘሙ።