ር. ሊ. ጳ. ንኣርጀንቲናዊ ካርዲናል ፒሮኒዮ መስርሕ አዋጅ ብፅዕና ክካየደሉ ፈቒዶም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኤዶርዶ ፍራንሲስኮ ፒሮንዮ ዝተሰምየ ብዙሓት ሰባት "ዓርኪ ኣምላኽ" ኢሎም ዝጽውዕዎ ዝነበሩ ኣርጀንቲናዊ ካርዲናል ብማላድነቱ እተፈጸመ ተኣምር አፍልጦ ሂቦምሉ።
ቅዱስ አቦና ትማሊ ረቡዕ ንግሆ አብቲ ምስ ህየንተ ናይ ንጉዳያት መስርሕ ቅድስና ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መበር ዝገበርዎ ርክብ፣ ቅዱስነቶም ነቲ ናብ አዋጅ ብፀዕና ዘብጽሕ እተፈጸ ተአምር ናይ ካርዲናል ፒሮንዮ ተቐቢሎም ንብጽዕና ዝፈቅድ ሰነድ ይኹንታ ሂቦምሉ።
ናይ አገልግሎት ውርሻ
ካርዲናል ፒሮንዮ ብ1920 ኣብ ኣርጀንቲና ኻብ ስድራቤት ኢጣልያውያን ስደተኛታት ተወሊዱ ። ካብቶም 23 ውሉድ ድማ እቲ ናይ መወዳእታ እዩ ዝነበረ ።
አብ ዘመን ህይወቱ ብትሕትናኡን ዓሚቝ መንፈሳውነቱን ከምኡውን ምስቶም ኣብ ጥቓ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝነብሩ ዝነበሩ ግዳም ሓደር ሰባት ብዝነበሮ ጥቡቕ ርክብ ኢዩ ዝፍለጥ ዝነበሩ ።
ሓደ እዋን ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምዃን ሓደ ካብቶም ተጠቀስቲ ሕጹያት ነበረ፣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ላቲን ኣመሪካ ዋና ግደ ዝነበሮን ከም ዋና ጸሓፊን አቦመንበር ቤትምኽሪ ብፁዓን ጳጳስት ላቲን ኣመሪካ ኮይኑ አገልጊሉ ኢዩ ።
ብ1975 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ናብ ሮማ ጸውዕዎ ኣብኡ ድማ ካርዲናል ኮይኑ ተሾመ። ካብ 1984 ክሳዕ 1996 አቦመንበር ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓለማውያን ምእመናን ዝሓሊ ነበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኰይኑ አገልገለ ።
ካርዲናል ፒሮንዮ ንነዊሕ ግዜ ብሓደ ከቢድ ሕማም ተሳቕዩ ብ1998 አብ ሰማያዊ ቤት ተወልደ ።
ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ፒሮንዮ 'ንዋላ ሓደ ሰብ ኳ አፈደጌኡ ኣይዓጸወን'
ፒሮንዮ ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ጆርጅ ማሪዮ በርጐልዮ አብቲ ግዜ እቲ ዞባዊ ሓለቓ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝነበሩ ጸኒሖም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንፍንቸስኮ ዝኾኑ ተራኺቦም ኔሮም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሓደ ቓለ-መሕትት ብዛዕባ ፒሮንዮ ምስ ተሓቱ - "ምስኡ ኽትዘራረብ ከለኻ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሓጥእ ንሱ ከም ዝኾነ እዩ ዝነግራካ ዝነበረ፣" ክብሉ መስከሩ።
"ካብቲ ዓሚቝ ትሕትናኡ ናይ ቅድስና አድማስ ከም እንትርኢ ኢዩ ዝገረካ ። ንሱ ክትዕዘቦም ዘሎካ መጠነ ስፍሓት ኢዩ ዝኸፍተልካ፣ ካባኡ ድማ ንወላ ሓደ እኳ አፍደጌኡ ከም ዘይዓጹ ትግንዘብ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ወላ እቶም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ሰባት ይርድእዎ አይነበሩን።" ክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ ይምስክሩሉ ።
ተፈላጥነት ዝረኸበ ገድሊ ብፅዕና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ናይ ሰለስተ ካልኦት ውልቀ - ሰባት ማለት ናይ ጁሰፔ ማራዝሶን፣ ናይ ኤልሲዋ ዘቅድስት ድንግል (ኢሊስዋ ቫካይል ትጽዋዕ ዝነብረ) ከምኡውን ናይ ፍራንቸስካ ፎረስቲ (ኤለኖራ ትጽዋዕ ዝነበረት) "ገድለ ብጽዕና " ኣፍልጦ ሂቦም ።
ክልተ ኻብዚኣቶም - ማራዝሶ ዝበሃል ሮጋሲዮኒስት ካህን ዝንበረን ከምኡውን ፎረስቲ ፍራንቸስካዊር መነኮስ ዝነበረት ኢጣልያውያን እንክዀኑ እናቴ ኤሊስዋ ግን ካብ ግዝኣት ከራላ ዝኾነት ህንዳዊት ኢያ ።
እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ውሳኔ ናይዞም ሰለስተ ድሮ ኣገልገልቲ እግዚአብሔር ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝነበሩ፣ ሕጂ ክቡራት አገልገልቲ አምላኽ ኮይኖም ናብ መስርሕ ብጽዕና ተሰጋጊሮም ከም ዘለዉ ዝገልጽ ኢዩ ።