ድለ

ጋላገር ኣብ ኣውስትራሊያ ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋመ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ምስ ቅድስቲ መንበር ጋላገር ኣብ ኣውስትራሊያ ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋመ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ምስ ቅድስቲ መንበር 

ጋላገር ኣብ ኣውስትራሊያ ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋመ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ምስ ቅድስቲ መንበር

ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ወጻእን ምስ ኣህጉራዊ ትካላት ርክብን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ካብ ዕለት 4 ሕዳር ዝጀመረ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ኣውስትራሊያ የካይዱ ከም ዘለዉን ምስ ከባብያውን ሃገራውን ሰበ ስልጣን ምስ ካህናትን ምስ ማሕበረሰባት ደቀባትን ዝተፈላለዩ ኣኼባታት ከካይዱ ከም ዝኾኑን ናይ መልበርን ርእሰ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት እቲ ምብጻሕ ፥ኣብ መንጎ ኣውስትራሊያን ሃገረ ቫቲካንን ዘሎ ዝምድና ኣገዳስነቱ ኣፍልጦ ዝህብ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበር ኣውስትራሊያ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ካብ ዝጅምር ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምኽንያት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያትን ምስ ኣህጉራውያን ትካላት ጉዳይ ርካባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ካብ ዕለት 4 ሕዳር ጀሚሮም ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ዑደት የካይዱ ህላዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ኣብዚ ክሳብ ዕለት 10 ሕዳር ኣብ ዝቕጽል ዑደቶም ኣብ ሲድንይ ካንበራን መልቡርነን ፐርትን ክበጽሑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዝሃቦ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መርሓ ፍጻሜታት ዑደቶም

ብጹዕነቶም ክልተ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ እቲ ቀዳማይ ዕለት 5 ሕዳር ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም ዘስድነይ እቲ ካልኣይ ዕለት 9 ሕዳር ኣብ መልበርን ካቴድራል ቅዱስ ፓትሪዚዮን ከዕርጉ ከም ዝኾኑን ክልተ ንባበ መልኮት ከቕርቡን እቲ ሓደ ስድኒ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ፐርዝ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ኖትረ ዳም ከም ዝኾነን ምስ ጉባኤ ጳጳሳት ኣውስትራሊያ ምስ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያና ምስራቓውያን ኣብ ኣውስትራሊያ ምስ ካህናትን ምስ ከባብያውን ሃገራውን ሰበ - ስልጣንን ምስ ማሕበረሰባት ደቀባት ኣብ መልበርን ክራኸቡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ኣውስትራሊያን

ዑደት ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ናይ መልበርን ርእሰ ሰበኻ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ተመልኪቱ ከም ዘሎ፥ “ኣብ መንጎ ሃገረ ቫቲካንን ኣውስትራሊያን ዘሎ ኣገዳሲ ዝምድና ኣፍልጦ ንምሃብ ዝዓለመ ኮይኑ ብመሰረት ጸብጻብ ቆጸራ ህዝቢ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር 20 ሚእታዊ ካቶሊክ ምዃኑ ይግለጽ፡” ካብዚ ሓሊፉ ብፍላይ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ቫቲካን ብፍላይ ኣብ ብኲናት ዝተሃሰያ ሃገራትን ካልኦት ግጭት ዝካየደሉ ቦታታት ንሰላማዊ ዘተን ርክብን ኣብ ምድጋፍ መሰረታዊ ተራ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀጻሊ ኣበርክቶኣ ዘጉልሕ እዩ” ዝብል ጽሑፍ ነንብብ።

04 Nov 2023, 17:00