ድለ

2023.09.23 ጳጳሳዊ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ 2023.09.23 ጳጳሳዊ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ  (Tutela Minorum)

ጳጳሳዊ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ

“ኣብ ቀዳማይ ዓመት እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣብ ምሕያል ክጥቀመሉ ዝሓሰበ እኩብ ኩለ መዳያዊ መርምርሕታት ዝምልከት ዓለም ሓቆፍ ናይ ምምኽኻር ወፍሪ ከም እተጀመረ”

ጳጳሳዊ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ቀዳማይ ዓመታዊ ጸብጻብ የዳሉ ኣሎ። ካብ ዕለት 20 – 22 መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ምሉእ ኣኼባ ስዒቡ ዕዮታቱ የሰጉም ኣብ ዘለሉ እዋን ቅዱስ ኣቦና ንኽልተ ወከልቲ ግዳያት ግህሰት ንምድጋፍ ዝዓያ ተቐቢሎም ነቲ ንሳተን ኣባል ዝኾናሉ  LOUDfence - ሓጹር ገዓር እተሰም ማሕበር “ምልክት ተስፋ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ካብ ዕለት 20 – 22 መስከረ ኣብ ሮማ እተኻየደ ጳጳሳዊ ሽማግለ ዑቕባ ሕጻናት ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ግልጽነትን ሓላፍነትን - ተሓታትነትን ዘተኮረ ከም ዝነበረን፥ እቲ መደብ በቲ ተወከልቲ ሓዱር ገዓር ግዳያት ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ምድጋፍ ዝዓያ ኣንቶኒያ ሶቦኪን ማጊ ማትዊስን ብዘቕረበኦ ምስክርነት ዝተብገሰ ከም ዝነበረን ድሕሪዚ እዘን ክልተ መሰኻኽር ሓሙስ ዕለት 21 መስከረም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተራኸባን ቅዱስነቶም ነቲ ማሕበረን ድማ “ምልክት ተስፋ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ምሉእ ጉባኤ ቀድማይ መዓልቲ እብ ምሕላው ሕግታትን ኣገባባትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝምልክት ዘተ ዝተወፈየ ከም ዝነበረን ኣብቲ ጉባኤ ዝቐረበ ሓርፋፍ ዓመታዊ ጸብጻብ ከም ዘጽደቐን እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክዝርግሖ ምዃኑን ኣመላኺቱ፥ እዚ ድማ ካብ ጽድያ 2024 ዓ.ም. ናይ መጀመርታ ጸብጻብ ንምሕታም ዝዓለመ እዩ። ከም ኣካንል ናይዚ መሰርሕ እዚ ጳጳሳዊ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት እቲ ምስ ኩርያ ሮማና ዘሎ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ከም እተመልከተን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓለፍቲ ከም እተራኸበ ኣፍሊጡ። እቲ ሽማግለ ኣብ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ንዝካየዱ መደብ ምሕላው ዓቕሚ ሕንጸት ንምስፋሕ ዝግበር መደባት እውን ከም ዝገምገመን ገለ ለገስቲ ንውሑድ ጸጋታት ዘለወን ኣቢያተ ክርስትያን 2.5 ሚሊዮን ዶላር ምወላ ክህቡ ቃል ኣትዮም ነዚ ገንዘብ ንምጥቓም ዝሕግዝ ቍጠባዊ ተሓታትንት ዝድግፍ ኣገባብ ከም ኣካል ናይቲ ‘መዘኻኸሪ’ እተሰምየ መደብ ተሓቲሙ ተግባራዊ ኮይኑ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ ሽማግለ ዝርከብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ጉባኤ ካብ ዞባዊ ጉጅለታት ኣብ ከባቢታቶም ዝተራእየ ምዕባለታት ዝምልከት ጸብጻብ ሰሚዑ ኣብ ድሌታት ኣፍሪቃ ኣቃልቦ ሂቡ፡ ዕስራ ናይቲ ከባቢ ኣቢያት ክርስቲያን ናይ ጳጳሳት ጉባኤ ኣበ መናብርት ናይቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ንምክልኻል ህጻናት ኣቦ መንበር ካርዲናል ሾን ፓትሪክ ኦምለይ ምስ ቤተ ክርስቲያን ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ከም ዝፈረመን እዚ ድማ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት ምስ ቤተ ክርስቲያን ሩዋንዳ ዝተፈረመ ናይ ምርድዳእ መዘክር ካልኣይ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ምዕራፍ ምዕባለ ምልክኻል ትሕቲ ዕጽመ ሕጻናትን ተነቀፍትን ንምትግባር ብዛዕባ ኣድማሳዊ መምርሕታት ማዕቀፍ ዝምልከት ዳህሳስ ክሳብ 2024 ዓ.ም. ክናዋሕ ወሲኑ በዚ ኣቢሉ ድማ ካብ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ዝመጽእ ምላሽ ይግምግም ከም ዘሎን፥ “ኣብ ቀዳማይ ዓመት እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣብ ምሕያል ክጥቀመሉ ዝሓሰበ እኩብ ኩለ መዳያዊ መርምርሕታት ዝምልከት ዓለም ሓቆፍ ናይ ምምኽኻር ወፍሪ ከም እተጀመረ” ናይቲ ጳጳስዊ ሽማግለ ኣቦ መንበር ካርዲናል ፓትሪክ ኦምለይ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ካርዲናል ፓትሪክ ኦምለይ ኣስዒቦም፥ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ሽማግለ ምኽልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ “ከምዚ ዝበለ ውፉይ ጉጅለ ሰብ ሞያ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተነቀፍትን ካብ መላእ ዓለም ንዝገብረዎ ተወፋይነት ኣዚዮም ኣመስጊኖም፥ ቤተ ክርስቲያንን ንኹሉ ህዝብታትን ዘጠቓለለ ዓቢ ኣካል ስለ ዝኾነ ዕማምና ከቢድ ክመልስ ይኽእል . . . ንሕና ግን ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ምዕባለኣ ዘጠቓለለ ወጥን ክንትግብሮ ጀሚርና ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 Sep 2023, 16:26