ብጹዕ ካርዲናል ኮኽ፦ ምስጢረ ጥምቀት እቲ ኣብ መንጎ ዅሎም ክርስትያን ዘሎ ማእሰር ሓድነት እዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ምስጢረ ጥምቀት ናይ ድሕነትን ናይ ሓድነትን ምስጢር ኢዩ፣ ከምኡ ውን ምስጢረ ጥምቀት ከምቲ አብ ቃላት ማርቲን ሉተር እንረኽቦን አብ ትምህርትታት ካልኣይ ጉባኡእ ቫቲካን ዘሎን እቲ "ንዅሎም አመንቲ ዘለኣለማዊ ድሕነት ዝህብ" ከምኡውን "ንዅሎም እቶም ካብኡ እተወልዱ ሓድነት ዝህብ ምስጢራዊ ማእሰር ሓድነት ዘቝውም" ኢዩ። በዚ ኸምዚ እምበር እቶም ንክርስትያናዊ ሓድነት ንምድንፋዕ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ህየንተ ዝኾኑ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ኣብ ክንዲ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን ብምግላጽ ዝሓፈ ሰሉስ ዕለተ 19 መስከረም ኣብ ክራኮቭ አብ ዝተገብረ መዕጸዊ መደብ መበል 13 ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ሉተራዊት ቤተክርስቲያን ነቶም ሓድሽ እተመርጹ ኣቦ መንበር ሄንሪክ ስቱብክየር "ኣምላኽ ክሕግዞምን ክባርኾምን" ሰናይ ምንዮቶም ዝገልጽ መልእኽቲ ሰዲዶም።
ብዛዕባ ጥምቀት ምምስካር
ብጹዕ ካርዲናል ኮኽ አብ መልእኽቶም ወትሩ ንምስጢረ ጥምቀት ምዝካር ኣድላዪ ምዃኑ ከምኡውን "ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ድሕነትን ነቲ ብኣምላኽ ዝተመስከረልና ክርስቲያናዊ ሓድነትን" ክንዝክር ከም ዘሎና ገለጹ። ብጹዕነቶም ቀጺሎም ከአ ምዝካር ኣድላዪ ምዃኑ ብዝሓሸ መገዲ ንኽንርዳእ ጥራይ ዘይኰነስ "መማሰውን ሓባራውን ዝኾነ ምስክርነት ምሃብ" እውን ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ። “ምኽንያቱ ክርስትያን ስለቲ እተቐበሎ ምስጢረ ጥምቀቱ ብኸመይ ከም ዘመስግን ይፈልጥ ኢዩ።" ከምኡ እን መዝሙር 103፡2 ከም ዝምስክሮ "ኦ እግዚአብሔር የመስግነካ አሎኹ ነቲ ዝገበርካለይ ኩሉ ሰናይ ከአ አይርስዖን ኢየ፣” ነቶም አመንቲ ኣብ ርእሲ ምምዓድን ምትብባዕን ነቲ "ኣምላኽ ብጥምቀት ዝሓበና ጸጋን ሓድነትን" ኽንርስዖ ኸም ዘይብልና ከነዘኻኽሮም ይግባእ ። ሓድሓደ ግዜ ክርስቲያን ኣሕዋትን አሓትን "ዝርስዑ" እኳ እንተዀኑ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "እቲ ናይ ምድሓን ተዘክሮና ነቲ ጥንታዊ ናይ ክርስቲያናዊ ሓድነት ርክባትና ንምብርባርን ንምንቕቓሕን ዘኽእል ኢዩ" በሉ።
ብጹዕነቶም አስዒቦም ነቲ "ኣብ ተዘክሮታት ናይ እምነትና ምስክርነት" እተሓትመ ነቲ "ዜሳቒ ተዘክሮታት" ዕሽሽ ክንብል ዘይኰነስ ክንገጥሞ ኸምኡውን "ናብቲ ዝፍውስን ዘተዓርቕን ህላዌ አምላኽ" ብምዕዳም እዩ ዚዛዘም ክብሉ ከም ዝጸሓፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።