ድለ

2023.09.25 መጽሓፍ ዛዕባ፥ “ምስጢራውነትን ግልጽነትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን” 2023.09.25 መጽሓፍ ዛዕባ፥ “ምስጢራውነትን ግልጽነትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን” 

መጽሓፍ ዛዕባ፥ “ምስጢራውነትን ግልጽነትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን”

ግልጽነት ንሓበሬታ ክፉት ምዃን ዝብል እዩ ምስጢር ምዕቃብ እውን ሰብ ዘማእከለ ክኸውን ዝብል ምዃኑ የብርሁ

ጻዕሪ ግልጽነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ግህሰት፥ ቤተ ክርስቲያን ጥንቅቕቲ ክትከውን ከም ዘለዋ “ምስጢርነትን ግልጽነትን፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን” ዘርእስታ መጽሓፍ ደረስቲ ነታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ ከም ዘስምሩሉን፥ ደረት ኣልቦ ግልጽነት ንግዳያት ክጎድእ ከም ዝክእልን እዚ ግን ነቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ምስጢርነት ምኽንያት ንምሃብ ከም ዘይኮነ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፍላይ ኩሉ ዓይነት ግህሰት ንምክልኻል ዝያዳ ግልጺ ክትከውን ኣብ ዝተበገሰት ቤተ ክርስቲያን ምስጢራዊ ወይ ሱቱር ዝኾነ ቦታ ኣሎ ድዩ? ንዝብል ሕቶ መልሲ ንምሃብ ናይ ስነ ሓበሬታን ቀኖናዊ ሕግን ክኢላታት ኣባ ጆርዲ ፑጆልን ኣባ ሮላንዶ ሞንተስ ደ ኦካን ዝደረስዋ መጽሓፍ ዕለት 23 መስከረም ንንባብ ከም ዝበቐዓት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይታ መጽሓፍ ኣርእስቲ፥ “ግልጽነትን ምስጢርነትን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ብቤት ምኽሪ ላቲን ኣመሪካ ማእከል ምርምርን ሕንጸትን ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝተሓትመት ኮይና ዕለት 23 መስከረም ጳጳሳዊ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ተቓላዕትን ኣቦ መንበር ካርዲናል ሾን ፓትሪክ ኦምለይ ኣብ ዝተረኽብሉ ዓውደ ምረቓ ንንባብ ከም ዝበቐዐት ኣመላኺቱ፥ ብጹዕነቶም ነታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ንዕዮ እቶም ናይታ መጽሓፍ ደረስቲ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ምስ ግህሰት ኣብ ምግጣን ርክብን ሕጋዊ ቅንይት ሕልና ዘለዎ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ርኡይ ኣድላይነት ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም፥ “ግልጺ እንተዘይኮይንና እምነት ህዝቢ ኣብ ልዕሌና ዘይግብኦም ኢና እንኸውን” ነዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብናን ኣሰቓቒ ቅልውላውን ክፍኣትን እዚ ድማ ጾታዊ ዓመጽ ብሓቂ ክንገጥሞ ኣይንኽእልን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ጳጳሳዊ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ተቓላዕትን ኣቦ መንበር ካርዲናል ሾን ፓትሪክ ኦምለይ
ጳጳሳዊ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ተቓላዕትን ኣቦ መንበር ካርዲናል ሾን ፓትሪክ ኦምለይ

ግልጽነትን ምስጢራውነትን ብዘይግቡእ ምጥቓም

እቶም ደራስያን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግልጽነትን ብግልጽነትን ክትዓቢ ድልውቲ ምዃና ብዕምቆት የድንቑ እኳ እንተኾኑ፡ ግን ግልጽነት ኣብ ልዕሊ ግዳያት ብሕታዊ ህይወት ዝጎድእ ወራር ክይኸውን የጠንቅቑ፡ ብዓይኒ ተኸሳሲ ገደብ ዘይብሉ ኣተገባብራ ግልጽነት ኣብ መወዳእታ ንመትከል ንጽሕና ዝብል ሓደ ዝተኸሰ ሰብ ብትኽኽል ተሓታት ክሳብ ዘይኮነ ንጹሕ እዩ ዝብል መትከል ስርዓተ ሕጊ ክጎድእ ከም ዝኽእል የረጋግጹ።

እቶም ናይታ መጽሓፍ ደራስያን ፑጆሎን ሞንተስ ደ ኦካ፥ ነቲ መብዛሕቲኡ ግዜ ነቶም ኣደዳ ግህሰት ዝኾኑ ሰባት ንሓቅን ፍትሕሕን ዝዕንቅፍ ቤተ ክርስቲያናዊ ምስጢር ይነቕፉ። ብሓቂ ክርአ እንከሎ ብደረጃ ርክብ ምስጢር ልሙድ ኣገባብ ክኸውን ከም ዘይብሉ የረጋግጹ። ይኹን እምበር ቅኑዕ ኣጠቓቕማ ምስጢር ንመሰል ጽቡቕ ስምን ብሕትውናን ብከመይ ከም ዝሕሉ ይዝክሩ። በዚ ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝፍጸሙ ግህሰታት ኣብ ምሕላው ግሉጽነት ወይ ምስጢር ከይሓልፍ ክረጋገጽ ዘለዎ ሚዛን ክሳብ ክንደይ ረቂቕ ምዃኑ ይግንዘቡ።

መጽሓፍ ዛዕባ፥ “ምስጢራውነትን ግልጽነትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን”
መጽሓፍ ዛዕባ፥ “ምስጢራውነትን ግልጽነትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን”

“ብኽልቲኡ ወገን ግህሰት ክፍጸም ዝከኣል እዩ። እዚ ድማ ምስጢር ምግሃስ ከምኡ እውን ግልጽነት ምግሃስ ንኽልቲኡ ብጽዩፍ መገዲ ምጥቓም እዩ ዝኸውን። ንተቓላዕቲ ብፍላይ ድማ ትሕቲ ዕድመ ንምክልኻል ነቲ ሓበሬታ ብዝምልከት ናይ ጥንቃቐ ፍርዲ ከም ዘድሊ የጉልሑ። ግልጽነት ንሓበሬታ ክፉት ምዃን ዝብል እዩ ምስጢር ምዕቃብ እውን ሰብ ዘማእከለ ክኸውን ዝብል ምዃኑ የብርሁ።

ናይታ መጽሓፍ ጥቕሚ

እታ መጽሓፍ ግህሰት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ንምስትውዓልን ነቲ ጉዳይ ንምሕባርን ክሰዓብ ዘለዎ መገዲ እትሕብር እያ፡ ግብራዊ መዳያት እተመላኽት እያ። በዚ ድማ ንጳጳሳት ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ናይ ሓደ ሃገረ ስብከትን ናይ ገዳማትን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ኣቢያተ ትምህርን ዓቕለሳውያን ትካላትን ናይ መራኸቡ ብዙሓን ጉዳያት ሓለፍቲ ጠቓሚት መጋበርያ እያ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ናይ ቤት ምኽሪ ላቲን ኣመሪካ ማእከል ምርምርን ሕንጸትን ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝተኻየዱን ንዘሎ ተርእዮ ግህሰት ብዝተፈላለዩ መገዲ ዝምልከት ሰፊሕ እኩብ ጽሑፋት ኣብቲ መጽሓፍ ከም እተጠቓለለን በዚ መሰረት እውን ስነ ኣእምሮኣውን ቀኖናዊ ሕጋውንጓሳውን ቅርጻውን መዳያት ዘመላኽት ጽሑፋት ዝሓዘት መጽሓፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 Sep 2023, 16:34