ድሕሪ ንካርዲናልነት ምሕራይ ጠቕላሊ ሓለቓ መጻኢ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ሳሊዚያን
ናይ ሳሊዝያን ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ኣንገል ፈርናንደዝ ኣርቲመ ካብቶም ዕለት 30 መስከረም ካርዲናል ዝሰምዩ ክኾኑ ቅዱስ ኣቦና ስለ ዝሓረይዎም፡ ነዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ መሰረት ገይሮም ንማሕበሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እዚ ዘጋጠመ ሓድሽን ታሪኻውን ጉዳይ መልሲ ንምሃብ ካርዲናል ምስ ተሰምዩ ነቲ ማሕበር ክሳብ 2023 ዓ.ም. መወዳእታ ክመርሑን ካብ 2024 ዓ.ም. ናይ ሳሊዚያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ስልጣኖም ንምኽቶሎም ከመሓላልፉ ኣብ 2025 ዓ.ም. ብዝጽዋዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበር ሳሊዝያን፥ ናይቲ ማሕበር ተካኢኦም ጠቕላሊ ሓለቓ ክምረጽ ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣባ ኣንገል ፈርናንደስ ኣርቲመ፥ ካርዲናል ንኽኾኑ ብቅዱስ ኣቦና ምሕራዮም፥ ቅዱስነቶም ንማሕበር ሳሊዝያንን ስድራ ቤት ዶምቦስኮን ዝሃብዎ ህያብ እዩ፥ ብዝብል ኣገላልጻ ነቲ ዘይተጸበይዎ መዝነት ከም እተቐበልዎን ምሕራዮም ኣብ ማሕበሮም ዘምጽኦ ለውጢ እንታይ ይመስል እውን ኣብቲ ኣብ ናይ ማሕበሮም ወግዓዊ መርበ ብሓበሬታ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ምልክት ፍቅሪ ር.ሊ.ጳጳሳት
“ቅድም ቀዳድም ቅዱስ ኣቦና ካርዲናል ንኽኸውን ክሓርዩን ምልክት ፍቕሪ እዩ። ብተመሳሳሊ ድማ ቅዱስ ኣቦና ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ክንደይ ከም እተፍቅሮምን ስሌኦም ከም እትጽልን ይፈልጡ እዮም፡ ወስታኦምን ውሳኔኦምን ኩሉ ናይ ፍቕሪ መግለጺ እዩ።”
ናይ ኣገልግሎት እዋን
“ቅዱስ ኣቦና ካርዲናል ንኽከውን ከም ዝሓረዩኒ ብወግዒ ምስ ተገልጸ፡ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ኣገልግሎተይ ከም ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ሳሊዝያን ዘምጽኦ ለውጡ ንኽመያየጥ ንግሊ ርክብ ጸዊዖምኒ ኣለዉ፥ ሓደ ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ሳሊዝያን ንሽዱሽተ ዓመት እዩ ዝሕረ፥ እዚ ሕርየት እዚ ድማ ንማሕበር ሳሊዚያን ዝውክሉ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝመጹ ልኡካን እዩ ዝፍጸም፥ ሓላፍነቶም ንኽዛዝሙ ድማ ሰለስተ ዓመት ከም ዝተርፎም ገሊጾም፥ በዚ ምኽንያት እዚ ናይ ሳሊዝያን ማሕበር ጠቕላሊ ሕልቅነቶም መዓስን ንመንን ከረክቡን ማሕበር ሳሊዚያን ድማ መዓስ ጠቕላሊ ሓለቓ ይመርጽ ክውሰን እዩ” ኢሎም።
ኣብ 2025 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ጠቕላሊ ጉባኤ
ናይዚ ኩነታት ሓድሽነት ኣብ ግምት ብምእታዊ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ ር.ሊ.ጳ. ካርዲናል ምስ ኮኑ እውን ነቲ ማሕበር ንሓደ ዓመት ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሕልቅነቶም ክቕጽልሉን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2025 ዓ.ም. ድማ ናይ ማሕበር ሳሊዝያን ሓፈሻዊ ጉባኤ ክጽውዑን እዚ ሓፈሻዊ ጉባኤ እዚ ብዝመርጾም ሓድሽ ጠቕላሊ ሓለቓ ክትክኡ እዮም፥ ናይ ማሕበር ሳሊዝያን ጠቕላሊ ሕልቅነቶም ድማ ኣብ ዕለት 31 ሓምለ 2024 ዓ.ም. ከረክቡን እቲ ማሕበር ክሳብ ለካቲት 2025 ዓ.ም. ድማ ሕጂ ምኽትሎም ብዝኾኑ ኢጣልያዊ ኣባ ስተፋኖ ማርቶሊዮ ክምራሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ሳሊዝያን ማሕበር ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ የብርህ።
ጸሎት ምብርታዕ
እቶም ሕሩይ ካርዲናል ኣባ ኣንግል ፈርናንደዝ ኣርቲመ ኣብቲ ንመላእ ማሕበሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናይ ማሕበር ሳሊዚያን ጠቕላሊ ሕልቅነቶም ክሰናበቱ ዘቕረብዎ ሕቶ ምሉእ ብምሉእ ተፈጻሚ ምስ ኮነ ከም ካርዲናል ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝወሃቦም ሓላፍነት ክጽበዩ ምዃኖም ድማ ሓቢሮም፥ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ መላእ ማሕበር ሳሊዝያንን ስደራ ቤት ሳሊዝያንን ንር.ሊ.ጳጳሳትን ንዓዖም እውን ኣበርቲዖም ክጽልዩ ሓቲቶም፥ “ከም ወዲ ዶን ቦስኮ መጠን ካብ ተኣዛዝነት ተበጊሰ እቲ ዘይሓሰብክዎን ዘይተመነኽዎን ካርዲናል ንምዃን ዝቕበሎ ሓድሽ ኣገልግሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ቤተ ክርስቲያን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ተኸታል ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።