ፓሮሊን፥ ጳጳስ ምእንቲ መጓሰኡ ህይወቱ ዘሕልፍ እምበር ካብ ተዃሉ ኣይሃድምን!
ዕለት 15 ሓምለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ባዚልካ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ ዝሓለፍፈ ወርሒ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዛምቢያን ማላዊን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ እንክብሉ ንዝሰመይዎም የኔታ ጃን ሉካ ፐሪቺ ማዕርገ ጵጵስና ከም ዝሰርዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳስ ናብ ምንታይ ይጽዋዕ? እዚ ወሳኒ ሕቶ እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 15 ሓምለ ነቶም ዕለት 5 ሰነ ኣብ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ፥ ዛምቢያን ማላዊን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንኽኾኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝሰመይዎም የኔታ ጃን ሉካ ፐሪቺ ማዕርገ ጵጵስና ንምስራዕ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣቕሪቦም፥ ጳጳስ ብፍላይ “ንድኻታት ጥዑም ቃል ብስራት ንምብጻሕ ቁስሊ ኣልባብ ንኽፍውስን” እዩ ዝጽዋዕ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ጳጳስ ንሕብረተሰብ ካብ ዘጋጥሞ ሓደጋ የጠንቅቕ
“ጳጳስ ምልክት ክርስቶስ እዩ” እንክብሉ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካናዳ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፥ ንናይታ ሃገር ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝበልዎ ኣቃሊሖም፥ “ልክዕ ድማ ምልክት ክርስቶስ ስለ ዝኾንና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፥ ነቲ መጓሶ ንኽንመርሕ ዝተጸዋዕና ስለ ዝኾንና ኣብ ካልእ እማመታት እናተጸመድና ክጠፍእ ኣይንሕደጎ፡ ብተወፋይነትን ብለውሃትን ክንከናኸኖ ይጽውዓና . . . ጳጳስ ንፉዕን ንቑሕን ሓላዊ መጓሰ ኮይኑ ንኣድማስ እናለለየ ኣብ ሰናይ እናመረሐ ንሕብረተሰብ ካብ ዝኾነ ይኹን ዘጓንፍ ሓደጋ የጠንቅቕ።”
“ቃል ኣምላኽ ብምስማዕ ኣብ ጸሎትን ኣብ ምዝውታር ቅዱሳት ምስጢራትን ንነፍሲ ወከፍ ዕንቅፋት ንምስዓርን ሕውነታዊ ምትእስሳርን ህያው ተስፋን ንምዕቃብን ዝሕግዙ ሓያላት ኣጽዋራት ናቱ ዝገብር ንፉዕ ሓላዊ እዩ . . . ብስልጣንን ብዘይ ምልካውነትን ንምምሃር ብሓንሳብ ብጽንዓትን ብለውሃትን ንምምሕዳር እንጌራ ህይወት ንነፍሲ ወከፍ ቅዱሳት ምስጢራት ንምዕዳል ኣብ ክርስቶስ እቲ ልዑልን ብልጹን ኣብነት ዝረክብ እውን እዩ . . . እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉባኤ ኤጰስ ቆጶሳት ሕብረት ክህልዎ ዝጽዋዕ ምስቲ ዝቕድስን ዘጸናንዕን ዘበርትዕን ብቐጻሊ ጸሎት ምስ መንፈስ ቅዱስ ምርኻብ እንተዘይሃይልይዎ ኣብ እምነት ጸኒዑ ከጸናንዕ ኣይክእልን እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ጠመተኻ ኣብ ሕያዋይ ጓሳ ምግባር
ጳጳስ ጠመተኡ “ናብቲ ብዘይውዳእ ፍቕሪ ዝደምቅ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ናብቲ ሕያዋይ ጓሳ ገይሩ ምእንቲ መጓሰ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ንምሃብ ስንድው ዝኾነ እዩ። “ነዚ ዝደመቐን ምጽዋት ዘብርህን ልቢ” ነዚ ንማንም ዘይነጽግን ንኹሉ ሰብ ፍሱሕ ኣዋጅ ሓቀይና ሓርነት ዘቕርብን ፈልፋሊ ምሕረት” ኩሉ ኣቃልቦ ክገብር ይምሕጸን። . . . እቲ ጳጳስ ክቕበሎ ዘለዎ ጸዋዕታ “ንነፍሲ ወከፍ ፍቕሪ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ፍቕሪ ብምልዋጥ ንኹሉ ዘፍቅር ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናብቲ ዝተሰቕለ ጐይታ ጠመተኡ ዘንብር” ቢሎም ናይቲ ሎሚ ዕለት 15 ሓምለ ቤተ ክርስቲያን እትዝክሮ ቅዱስ በናቨንቱራ ቃል ዘኪሮም፥ “ምስኡ ፋሲካ የብዕል፡” እቲ ከቢድ ኣርዑት ሓጢኣት ናይቲ ብሓላፍነት ዝወሃቦ ህዝቢ ካብ እርዑት ብምእላይ ነቲ ፎኪስን ቀሊልን ዝኾነ ጾርን ኣርዑትን ክርስቶስ ዘርኢ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቃል ር.ሊ.ጳ. ዘብጽሕ
ኣብ ምወዳእታ ብጹዕነቶም ነቲ ብጹዕ ኣቡነ ፐሪቺ ዝተውሃቦም ፍሉይ ዕማም ዘኪሮም፥ “ቃል ር.ሊ.ጳ. ናብ ኣቢያተ ክርስቲያናትን መንግስታትን” ናይተን ዝለኣኸለን ሃገራት ምብጻሕ ዝብል እዩ፡” ግን ከኣ “ኣብዛ ብውግእን ደማዊ ግጭታትን እትሳቐ ዘላ ዓለም ዘይሕለል ገብሬ ሰላም” ምዃንን ምክልኻል “መሰረታዊ መሰላት ሰብኣዊ ፍጥረትን መብዛሕቲኡ ግዜ ብስም ተምሳል ሰብኣውነት ብዝምዝምዙን ዝቆጻጸሩን ስነ ሓሳባት ኣብ ሓደጋ ዝወድቁ” ከምኡ እውን “ናይተን ውልቀ ከባብያዊ ኣቢያተ ክርስቲያናት ድሌታትን ጸገማትን ተስፋታትን ፍርሕን ናብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብምቕራብ ኣቦኣዊ ምሕጽንታ ተካኢ ሓዋርያ ጴጥሮስ ከም ዝግንዘባ ዝገብር ሓቀይና ድልድል ይኸውን” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ