ድለ

ው.ሕ.ሃ.ን ቅድስቲ መንበርን - ኣብ ዩክረይን ሰላም ንምስፋንን ውሕስነት ሰላማውያን ሰባት ንምርግጋጽ ው.ሕ.ሃ.ን ቅድስቲ መንበርን - ኣብ ዩክረይን ሰላም ንምስፋንን ውሕስነት ሰላማውያን ሰባት ንምርግጋጽ  (ANSA)

ው.ሕ.ሃ.ን ቅድስቲ መንበርን - ኣብ ዩክረይን ሰላም ንምስፋንን ውሕስነት ሰላማውያን ሰባት ንምርግጋጽ

ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ2 ጥቅምቲ ደጊሞም ዝበልዎ "ንዅሉ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ምናልባት እውን ክሳዕ ሕጂ ዘይተጠቐምናሎም እውን ከይተረፉ ነዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ደው ንምባል ክትጥቀመሉ ህጹጽ ምዃኑ ብምጕላሕ

ኣብ ኒው ዮርክ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢት ዝዀኑ የኔታ ጋብሪኤለ ካቺያ ትማሊ ኣብ መበል 88 ሓፈሻዊ ባይቶ ተሳቲፎም፣ ብዛዕብ ኩሉ እቲ ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ተወሪሩ ዘሎ ዞባታትን ብዛዕባ አብኡ ዘሎ ዅነታትን ከም እተመያየጡን መደረ ከም ዘቕረቡን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነቲ ቅዱስ አቦና ፍራንቸስኮስ ውግእ ደው ንምባል ዝከአል ኩሉ ንኽግበር ዘቕረብዎ ጻውዒት ውን አስምዕዎም - እቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት  "ብደሓን ንኽምለሱ ብፍቓዶም ናብ ኣባይቶምን ደምበኦምን ክአትዉ" ዘድልዮም ሓገዛት ንምርካብ ከየቋረጹ አብ ትጽቢት ኢዮም ዘለዉ።"

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር በቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ኣጸቢቓ ትሻቐል ብምህላዋ "ብምባል ነቲ ውግእ ደው ንምባል እተገብረ ጻውዒት ቅድስቲ መንበር እንደገና ብምዝካር ብቕልጡፍ ብዛዕባ ሰላም ንምምይያጥ ዘተ ንኽካየድ ጻውዒት ኣቕረቡ ። እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ቐዋሚ ተዓዛቢ ዝዀኑ የኔታ ጋብሪየል ካቺያ ኣብቲ 18 ሓምለ ብዛዕባ አብዚ ግዜ እዚ ተወሪረን ዝርከባ ዘለዋ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ዘሎ ዅነታት እተመያየጠሉ መበል 88 ሓፈሻዊ ባይቶ ው. ሕ. ሃ. መደረኦም ከም ዘቕረቡ አገልግሎት ዜና ቫቲካን ገሊጹ።

ነቲ ውግእ ደው ንምባል ዝከአል ኩሉ ይገበር

እዞም ናይ ቫቲካን በዓል ስልጣን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 2 ጥቅምቲ አብ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር "ንኵሎምን ነቶም ቀንዲ ሰብ መዚ ኣህጉራዊ ህይወት ዝኾኑ" ከምኡውን ነቶም ኩሎም "ፖለቲካውያን መራሕቲ ሃገራት ነቲ ውግእ ደው ንምባል ዝከኣሎም ኵሉ ኽገብሩ" ዘቕረብዎ ጻውዒትን ከምኡ ውን ቅዱስ አቦና ብ30 ሰነ ምስ ተወከልቲ ፓትርያርክ ቆስጣንጢኖስ ኣብ ዝገብርዎ ርክብ፣ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ውግአት "ናይ ሓቂ ዕንወት" ኢሎም ከም ዝጸውዕዖ ዘኪሮም።

ስድራ ቤታት ዳግም ንምሕባር ዚግበር ጻዕሪ ክብርትዕ ኣለዎ

ድሕርዚ የኔታ ካቺያ ነቶም "ንስደተኛታት ዘአንግዳኦምን ዝደገፋኦምን መንግስታት" ብምስም ቅድስቲ መንበር ምስጋናኦም ገለጹ "እቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ብደሓን ብወለንታ ከምኡውን ብኽብሪ ናብ ኣባይቶም ክሳዕ ዝምለሱ ናይ ግብረ - ሰናይ ደገፍን ሓገዝን ምርካቦም ክቕጽሉ" ድማ ምሕጸንታኦም አቕረቡ ። ከምኡ ውን ብስም ቅድስቲ ቤተክርስትያን "እቲ አገዳሲ ዝኾነ ጥቕሚ ቘልዑን ሕጻናትን ምእንቲ ኽኽበር፣ ኵሎም እቶም በቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ዓመጻን ውግእን እተበታተኑ ስድራቤታት ብቕልጡፍ ንኺሓብሩ ጻዕሪ ኽግበር ምሕጽንታኦም አቕረቡ።"

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንሰላም ይዓዪ

የኔታ ካቺያ ነቲ ቅዱስ አቦና ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ 30 ሰነ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምጥቃስ "ከምዚ ዝኣመሰለ ስቓይን ሰሓሮን እናሃለወ ኽነሱ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ካብ ውግእ ክወጽእ የብሉን የግዳስ ንሰላም ብሓባር ክዓዪ ኣለዎ።" በሉ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንካርዲናል ማትዮ ጹፒ ብሕድሪ ዝሃብዎም መዚ "ናብ መገዲ ሰላም ዝመርሕ ሕድሕዳዊ ምስምማዕን ሰብአውነታዊ ተግባራትን ንምዕባይን ዝዓለመ ተልእኾ" ምኹኑ  ጠቒሶም።

ንዅሉ ዲፕሎማስያዊ መገድታት ብምጥቃም ናይ ግብረ - ሰናይ ሓገዛት ምድንፋዕ

ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ2 ጥቅምቲ ደጊሞም ዝበልዎ "ንዅሉ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ምናልባት እውን ክሳዕ ሕጂ ዘይተጠቐምናሎም እውን ከይተረፉ ነዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ደው ንምባል ክትጥቀመሉ ህጹጽ ምዃኑ ብምጕላሕ፣ ንገለ ኻብቲ ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ውግእ ዘጋጠመ ኸቢድ ስቓይ ንምቅላል ዝሰርሑ ዘለዉ ንዅሎም እቶም ማሕበረሰባት ግብረ - ሰናይ ንዝኾኑ ውን ክድግፉ" ጻውዒቶም ከም ዘቕረቡሎም አገልግሎት ዜና ቫቲካን የመላኽት።

20 Jul 2023, 15:23