ጉጆሮቲ፥ ካርዲናል ምዃን ከቢድ ሓላፍነት እዩ፥ ንኽብሪ ዘይኮነስ ንሰማዕትነት እዩ!
ሓደ ካብቶም 21 ዕለት 30 መስከረ ካርዲናል ዝስመዩ ናይ ምብራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስያን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ክላውዲዮ ጉጆሮቲ፥ ኣብታ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ዘገልገሉላ ሃገረ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምውጋድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘነቓቕሕዎ ዘለዉ ናይ ሰላም ተልእኾን ብዛዕባ ዝተሓላለኸ ታሪኽ ዞባታት ምስራቕ ኤውሮጳን ኣብ ዝምልከት ዛዕባ ኣተኵይሮም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ቅድስቲ መንበር እተካይዶ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ኡጦቢያ ዘይኮነስ ጭቡጥን ተኻኣልን እዩ፡” ነዚ ዝበሉ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ኣብተን ናይ ምብራቕ ስርዓት ዝኽተላ ወይ ናይ ምብራቕ ስርዓት ዝኽተል ምእመን ብዙሓን ኣብ ዝኾነለን ምብራቓውያን ሃገራት፥ ኣብ ጆርጂያ ኣርመኒያን ኣዘርበጃንን ካብ 2020 ዓ.ም.፡ ኣብ 2011 ዓ.ም. ኣብ በላሩስ ካብ 2015 – 2020 ዓ.ም. ኣብ ኡክረይን ደሓር እውን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ዘገልገሉ ናይ ምብራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ክላውዲዮ ጉጆሮቲ፥ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥
ናብ ሃገር ቫቲካን ምስ ተመለስኩም ነዊሕ ከይጸናሕኩም ቅዱስ ኣቦና ናይ ምብራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ናይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ እንክብሉ ሰምዮሙኹም፡ ሕጂ ኸኣ ሓደ ካብቶም 21 ካርዲናል ዝስመዩ ምዃንኩም ብኸመይ ተቐቢልክምዎ? ቅድም ቀዳድም ዘይተጸበኽዎ እዩ ነይሩ . . . ካልኦት ስልኪ እናደወሉ እንቋዕ ሓጎሰካ ዝብል መልእኽቲ ምስ ኣብዙሕለይ፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓላፍነት ምስቶም ካልኦት 21 ከም ዝሰመዩኑ ተረድኣን ደሓር እውን ሓበሬታ ተወህበኒ . . . ካርዲናልነት ክብሪ ዘይኮነስ ሰማእትነት እዩ፥ ኣገዳሲ ግን ከኣ ጾር እውን እዩ፡ ኣብ ተልእኾይ ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ብዙሕ ደም ርእየን ብዙሓት ንኽርስቶስ ብሰማእትነት ዝመስከሩን ብውልቂ ጥራሕ ዘይኮነ ብዙሓት ብሓባር ብደም ሰማእትነት ክርስቶስ ዝመስከሩ ሰማእትነቶምን ብቐረባ ዝረኣኹ እየ . . . ሕጂ ድማ ኣድላዪ እንተኾይኑ ንጳጳስ ሮሜ እሙን ክኸውን ር.ሊ.ጳ. ይሓትኑ ኣለዉ፡ ንቤተ ክርስቲያንን ንር.ሊ.ጳ. ክሳብ ሰማእትነት እሙን ክኸውን ፍቓደይና እየ . . .
. . . እቲ ዝተወሃቦም ሓድሽ ሓላፍነት ንማእከላይ ምብራቕ ጥራሕ ዝምልከት ዘይኮነ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዩክረይንን ካልኦት ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያት ክርስቲያን ዘጠቓልል እውን እዩ . . . ኣብ ታሪኽ ብብዝሒ ምእመናን ዝፍለጣ ዝነበራ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሎሚ ውሁዳን ምእመናን ዘለወን ኮይነን ኣለዋ . . . እዚ ኸኣ ብኣጋጣሚ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ዓመጽን ኣሳዶን ምኽንያት እዩ . . . መወከሲና ጎይታን መምህርን ምእንታና ደሙ ዘፍሰሰ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ! ስለዚ ንሕና ወከልቲ ናይ ሓንቲ ካብ ደም መስራቲኣ እትውለድት ቤተ ክርስቲያን ኣመንቲ ኢና። እዚ ኣብተን ኣብ ሓደ ኣምላኽ ዝኣምና ሃይማኖታት ኣግራሞት ዝፈጥር ጉዳይ እውን እዩ። . . . መንግስቲ ዝመስረተ ሰዓሪ ነብዪ የብልናን . . . ምድራዊት ከተማ ዘሎና ህዝቢ ኣይኮንናን . . . ብታሪኽ ኣቢልና ናብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ነጋድያን ኢና!
ስለዚ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ኢዮቤል 2025 ቅዱስ ዓመት ኣብ ግምት ብምእታው ዘቖምዎ ናይ እዋንና ውስጠ - ኣቢያተ ክርስቲያን ሰማእታት ጉዳይ ዝከታተል ሽማግለ እንታይ ትብሉ? እዚ ገምሪ እዚ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እውን እዩ ዝነበረ እዚ ናብቲ ኣብ ደም ዝጸንዐ ሓድነት ክንጥምት ዝገብረና እዩ፡ ናብቲ ብሓቂ ምስጢር ዝኾነ ሕብረት ኣብ ሰማእትነት ዝድርኽ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስቲያናት ዘሎ ፍልልያት ክንየው ደረትን መሰናኽላትን ስለ ዝኸይድ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ቅውም ውህደትና ዝነጽር እዩ። ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ድሮ ብደም ዝተረጋገጸ ሕብረት ኣሎ፡ ስለዝ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኹሉ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ዘቖምዎ ሽማግለ ብምሉእ ልበይ ዝቕበሎን ብምሉእ ልበይ ዝተሓባበረሉን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም እዩ።
ካርዲናል ዝብል ስሜትኩም ምስ ተልእኾ ሰላም ር.ሊ.ጳ. ፈለማ ኣብ ኪየቭ ደሓር ኣብ ምስኮ . . . ዝሳዃዕ ይመስለኒ። በዚ መገዲ እዚ ናይ ብጹዕ ካርዲናል ዙፒ ናይ ር.ሊ.ጳ. ልኡከ ሰላም ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ብኸመይ ትርእይዎ፥ ብርግጽ ዝርዝር ተልእኾ ካርዲናል ዙፒ ማለት ዘካየድዎ ርክባትን ዝርዝር ሓበሬታን የብለይን፡ ይኹን እምበር ልቢ ዝትንክፍ ናብ ሰላም ዝመርሕ መገዲ ሕውነት ዝድህስስን ዘርእይን ምዃኑ እምነተይ እዩ፡ ኣብ በላሩስ ኣብ ዪክሬይንን ከምኡ እውን ኣብታ ደሓር ታንክታት ሩስያ ዝኣትዋላ ሃገረ ጆርጃ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይነ ኣገልጊለ እየ፡ . . . ንሕና ምዕራባውያን መብዛሕቲኡ ግዜ ፍጹም ዘይንፈልጦ ዝተሓላለኸ ጠንቅታት እቲ ከባቢ ከም ዘሎ እየ ዝኣምን። ስለዚህ እቲ ሎሚ ዝወሃብን ዝሰምዖን ሓበሬታ ኣብ ሎማውነት ዝተሓጽረ ኣዚዩ ድሩት ኮይኑ እየ ዝረኽቦ፡ ናይ ሎሚ ዞባ ምብራቕ ክትርድኦ እንተድኣ ደሊኻ ናይ ትማሊ ምብራቕ ዘባ ምርዳእ የድሊ፡ እዚ ከኣ ንናይቲ ከባቢ ብሉጽ መጻእ ከአንፍት ዝኽእል መገዲ እዩ። ምፍራስ ሶቪየት ሕብረት ብምዕራዊ ዓለም ብዕምቆት ተተርጒሙን ርድኡ ኮይኑ እዩ ዝብል ስምዒት የብለይን። ስለዚህ ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው ተልእኾ ሰላም ካርዲናል ዙፒ ምስቲ ዝተሓላለኸ ናይቲ ዞባ ጸገም እዩ ዝራኸብ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራችነስኮ ወትሩ ኪኖ ዝኾነ፡ ርትዓዊ ተኽእሎ ሰላም ይደልዩ፡ እዚ ድማ ካብ ዓሚቝ እምነቶም ዝነቐለ እዩ፡ ካብ ምኽንያታዊ ንላዕሊ ዝኾነ ካብ እምነት ዝውለድ እዩ። ፍቕሪ ድማ ቅድምን ድሕሪን ምኽንያት ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ ኣብ ዩክረይን ሓዋርያዋዊ ልኡኽ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ነቶም ኣብ ዶንባስ ዝተመዛበሉ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ 16 ሚሊዮን ኤውሮን ክሳብ 800 ሺሕ ዝግመቱ ሰባት ሓገዝ ከም ዝረኸቡ ብቐረባ ዝምስክሮ እዩ . . . ቅዱስነቶም ዘነቓቕሕዎ ዘለዉ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ክንየው ቀመር ዝኽየድ ኡጦብያዊ እዩ ክትብል ትኽእል።
ምፍራስ መንደቕ በርሊን ምፍራስ ሶቪየት ህብረት ዝቐልዕዎ መትኒ - ቁጣዐ ዳግማይ ልደት ሃገራውነት ግርጭትን ቁጠባዊ ጸገማትን ኣስዒቡ እዩ። ስለዚህ ነቲ ኩነታት ብዕምቆት ምንባብ የድሊ፥ ነዚ ከይዳህሰስካ ኣብ ሎማውነት ተሓጺርካ ነቲ ካብ ሩሕቕ ዝመጸ ጸገም ክኣልዮ እየ ምባል ትኽክል ኣይመስለንን . . . ሰብኣዊ ሕውነት ምምእካል ወሳኒ እዩ . . .
ዕለት 30 መስከረም ኣብ ዋዜማ ሲኖዶስ ምስቶም 21 ካርዲናል እትስመይሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ እዩ . . . ነዚ ኣብ ቫቲካን ክካየድ ዝኾነ ኣኼባ - ሲኖዶስ ብኸመይ ትርእይዎ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ከም ዘበራብር ኣይፈልጥን፡ ምኽንያቱ ተበግሶ ደቂ ሰባት ኩሉ ግዜ ምድላው ስለ ዝኾነ፡ መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ንኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ካልኦት ብዙሓት ኣብ ታሪኽ ዝተፈጸሙ ፍጻሜታትን ዘገረመና እዩ፥ ገዛእ ርእስናን ዓወታትናን ምድላዋትና እነብዕለሉ ዘይኮነስ፡ ልብና ንኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ እነቕርበሉ ፍጻመ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ሕሹኽ ዝብለሉን ኣስተንፍሶኡ ዘንብረሉን ኩነት እዩ! ስለዚ ንዓይን ንዓና ሓደስቲ ካርዲናላት ብመንፈስ ሲኖዶስ ክንመላለስን ንቤተ ክርስቲያን ከም ሕብረት ዘቑማ ሲኖዳውነት ዝኾነ ብባህርይ ቤተ ክርስቲያን ክንመላለስ ከም ዘሎና ዘዘኻኽረኒ እዩ . . .
ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሃረር ዝብልዎን ዘተባብዕዎምን ኣብ መንጎ ክርስቲያን ምብራቕን ምዕራብን ምሉእ ስኒት . . . ክንጽሕ ንኸውን? ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ምስሪ ኣብ እስክንድሪያ ከም ኣባል ናይቲ ናይ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ባህርያዊ እዩ፡ ውልቃዊ ቅርበት ምስ ምዕባለ ናይቲ ርክባትና መለለዪ ምስ ዝኾነ ፍጻሜታት ዝተኣሳሰሩ ታሪኻዊ ዝምድናታትን ክልተ ንገረ እዩ። ሓያል ውልቃዊ ርክባት ኣዚዩ ሓያልን ፍቕሪ ዝመልኦን ክኸውን ኣለዎ እዚ ነቲ ካብ ሩሕቕ ዝመጸ ሎሚ እንስከሞ ዘሎና ከበዳትን በሰላታቱን ከዳኽም ኣለዎ . . . እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዝሚሞም።