ድለ

2023.07.09 S. E. Mons. Robert Francis PREVOST, O.S.A 2023.07.09 S. E. Mons. Robert Francis PREVOST, O.S.A 

ንካርዲናልነት እተመዘዙ አቡነ ፕረቮስት፣ ነዚ ሓድሽ ግደ "ሓቢርና እንጕዓዘሉ" መገዲ ገይረ እየ ዝርእዮ

ሊቀ-ጳጳሳት ፕሪቮስት ካብ ቺካጎ ኢሊኖይስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኾኑ ኣባል ማሕበር አጎስጢኖሳውያን ኢዮም

እቶም ንካርዲናልነት እተመርጹ ንጉዳይ ጳጳሳት ንዝሓሊ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዝኾኑ ብጹዕ ሊቀ-ጳጳሳት አቡነ ሮበርት ፕሪቮስት አብ መጻኢ ከም ካርዲናል መጠን ዘሰክሞም ሓላፍነት ንጐይታን ንቤተ-ክርስትያንን ዘለዎም አገልግሎታዊ ተልእኾኦም ንምፍጻም ሓድሽ መገዲ ከም ዝኾኖም ይእመኑ።

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

አብ መንጐ እቶም አብ ዝሓለፈ ሰንበት 9 ሓምለ፣ አብ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ እተአወጁ 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ናይ ቅድስቲ መንበር ንጉዳያት ጳጳሳት ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ሓለቃ ዝኾኑ ብጹዕ ሊቀ - ጳጳሳት ሮበርት ፍራንሲስ ፕሪቮስት እንክኾኑ። ብ30 መስከረም 2023 አብ ዝካየድ ናይ ቅድስቲ መንበር ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት፣ ኣብ ድሮ እቲ ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት ቤተክርስቲያን አብ ዝብል ቴማ እንካብ መላእ ዓለም ምስ ዝጋብኡ መራሕትን ክኢላታትን ቤተ-ክርስትያን ዝኽፈት ሲኖዶስ ቤተክርስቲያን ናብ መዓርገ ካርዲናልነት ክድይቡ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ሊቀ-ጳጳሳት ፕሪቮስት ካብ ቺካጎ ኢሊኖይስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኾኑ ኣባል ማሕበር አጎስጢኖሳውያን ኢዮም። ብጹዕነቶም ንአስታት ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት  ኣብ ፔሩ ኣብ ሚስዮን ማሕበር ቅዱስ አጐስጢኖስ አገልጊሎም፣ ቀጺሎም ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መምህር ኰይኖም ድሕሪ ምግልጋል፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ናይ ማሕበር አጉስጢኖሳውያን ብምዃን አገልገሉ። ብድሕርዚ መዓርገ ጵጵስና ተቐቢሎም አብ ሰበኻ ቺክላዮን ፔሩ አቡን ብምዃን አገልግሎቶም ቀጸሉ። ብ2023 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ናይ ቅድስቲ ንመንበር ንጉዳያት ጳጳሳት ንዝሓሊ ቤት ጽሕፈት  ላዕለዋት ሓላፊ ኮይኖም ንኸገልግሉ ተመዘዙ ።

ብጹዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፕረቮስት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ካርዲናል ኢሎም ንዝሃብዎም ስያሜ ምላሽ እንክህቡ “ክትአምኖ ዘጸግም ተግራሞት” ክብሉ ስምዒቶም ገለጹ። ንጽብሒቱ ድሕሪ አዋጅ ሽመቶም ምንጋሩ  ምስ አገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መጠይቕ “ነዚ ሓድሽ ሓላፍነትን ነቲ ኹሉ ምሳኡ ዝስዕብ መዝነታትን ንጐይታ ሕድሪ እህቦ አሎኹ” ክብሉ ተረኽቡ።

ንቃላት ቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ብምዝካር ድማ "ካርዲናል ምዃን ምስ ክርስቶስ መድሓኒና ዝግበር ናይ ፍቕሪ ተልእኾ ኢዩ፣" ከምኡ ውን" ካርዲናል ምዃን ማለት ምሉእ ህይወትካ ንአገልግሎት ቤተ-ክርስትያን ከተወፊ ዝቐርበልካ ጸዋዕታ ኢዩ" በሉ። ቀይሕ ክዳን ካርዲናላት ምስ ደም ሰማእታት ዝተሓሓዝ ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ኸኣ ዓብዪን ከቢድን ሓላፍነት ማለት ኢዩ። ብጹዕነቶም አብ መንጎ ህዝቢ ፔሩ ዘሕለፍዎ አገልግሎታዊ ትመኩሮታቶምን፣ ኣብ እተፈላለየ ሚስዮናዊ አገግሎታቶምን፣ ከምኡውን አብ ማሕበሮም አብ እተፈላለዩ ጽፍሕታትን መሪሕነታትን ዝነበሮም አገልግሎትን፣ ቀጺሎም ውን ከም ኣቡን ናይ ሰበኻ አብ ዘገልገሉሉ ኩሉ እቲ “አብ ክርስቶስ ዘለዎም ትውክልቲ” ሓይልን ጽንዓትን ከም ዝኾኖም ይምስክሩ።

"ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስን ቤተ-ክርስትያንን ዚሓቱኒ ዘለዉ ንምፍጻም እሙን ኮይነ ክርከብ ጥራይ እየ ናብ ጐይታ ዝጽሊ።"

እቶም ንካርዲናልነት እተመዘዙ ብጹዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፕረቮስት እቲ ካርዲናላት ዝስየሙሉ ታሽዓይ ጉባኤ ካርዲናላት ቅዱስ አቦና ፍራንሲስ ኣብ መኽፈቲ መደብ ናይ እቲ ብዛዕባ ሲኖዳሳውነት ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ሲኖዶስ ክፍጸም ምዃኑ ምምዳቦም አጋጣሚ ዘይኮነስ እኳ ደአ ነቲ "ኵላትና ብሓባር ክንጓዓዝ ዝተጸዋዕናሉ ጸዋዕታ" ዘመልክት ምዃኑ ገሊጾም። እዚ ኸኣ "ብሓቂ ነቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ሃሰስ ምባልን መንፈስ ሕድሕዳዊ ምስምማዕ ዘለካ ንምዃንን ከምኡ ውን ነቲ ዓንዲ ማእከል ትርጉምን እንታይነትን ቤተክርስትያን ንዝኾነ ተልእኾ አገልግሎትን ፍቕርን ንምፍጻም" ዝጽውዕ ምዃኑ ኢዩ።

"ነቲ ጐይታ ኻብ ገዛእ ርእሰይን ካብ ቤተ-ክርስትያንን ንዝቶ ዘሎ እሙን ኣገልጋሊ ኮይነ ንኽርከብ ተስፋ እገብር።"

አብ መደምደምታ ድማ ከም ካርዲናል መጠን ዘለዎም ተራ፣ ከምቲ አብ ዝመጽእ ጥቅምቲ ዝግበር ሲኖዶስ ዚመያየጠሉ አርእስቲ፣ መልክዕ  "ተሳትፎን፡ ምትሕብባርን፡ ተልእኾን" ዘለዋ ቤተ-ክርስትያን ንምሕናጽ ዘኽእሎም ተራ ምዃኑ ከም ዝአምኑ ገለጾም።

13 Jul 2023, 15:17