ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰላም ዘካይድዎ ተባዕ ጻዕርታት ይዝክሩ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰላም ዘካይድዎ ተባዕ ጻዕርታት ይዝክሩ  (AFP or licensors)

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰላም ዘካይድዎ ተባዕ ጻዕርታት ይዝክሩ

“ናይ ር.ሊ.ጳ. ጻዕርታት ‘ናብ መሬት ክወርድ ዘይክእል ባዶ ግብረ ሰላምነትን - ፈሪሃ እግዚኣብሔርነት ዘንቅሎ ትምኒታውን ትያትራዊ ወስታን” ገርካ ምርኣይ ነቲ ቅዱስነቶም ዘካይድዎ ጻዕሪ ዘይበቅዕን ፍትሓዊ ኣፍልጦ ዘይምሃብን እዩ ዝኽውን

ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ርክባት ወጻእን ኣህጉራት ትካላትን፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሰላማዊ መፍትሒ ክርከቦ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ መሰረት “ኣብነት ዩክሬን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደረሰ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ ተረኺቦም፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጻዕርታት ንውሕስነት ሰላም የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር “ኣብነት ዩክሬይን” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ኢጣሊያ ዛዕባ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ ዝድህስስ ሊመስ እተሰምየ መጽሔት ዘሕተሞ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተካየደ ዓውደ ምረቓ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝወሰድዎ መርገጺ”፥ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምእላይ ዘካይድዎ ጻዕርን ንዘመሓላልፍዎ ናይ ሰላም መልኽትን ወስታኦምን” ክወሃቦ ዘለዎ ትርጉም ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድሌት ዘተን ሰላምን

ይኹን እምበር ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ “ናይ ር.ሊ.ጳ. ጻዕርታት ‘ናብ መሬት ክወርድ ዘይክእል ባዶ ግብረ ሰላምነትን - ፈሪሃ እግዚኣብሔርነት ዘንቅሎ  ትምኒታውን ትያትራዊ ወስታን” ገርካ ምርኣይ  ነቲ ቅዱስነቶም ዘካይድዎ ጻዕሪ ዘይበቅዕን ፍትሓዊ ኣፍልጦ ዘይምሃብን እዩ ዝኽውን፡ ስለዚ ናይ ቅዱስነቶም “ናይ ሰላም ጻዕርን ቃላትን ናይ ሓደ ተራ ኣብ መሬት ክወርድ ዘይክእል ዘረባ” ዘይኮነስ ናይ ሓደ ሓያልን ተባዕን ‘ትንቢት ሰላም’ እዩ፡ እዚ ድማ ነቲ ክውንነት ውግእን ውግእ ዘይተርፍ ምርጫን ገይሩ ንዘቐምጥ ኣረኣእያ ዓቢይ ብድሆ እዩ . . . ከም እንፈልጦ ግን ብዙሕ ግዜ ከምዚ ዓይነት ትምቢትን ትብዓት ንሰላምን ካብ ምቕባልን ምድጋፍን ንላዕሊ ምንጻግን ምኹናንን ልሙድ ዝኾነ እዩ ዝመስል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምትሕግጋዝን ክርስቲያናዊ ቅርበትን

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም ናይ ኩለን ሃጋራት ልኡካነ መግንስታት ብምኽንያት እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኲናት ካብ ኪየቭ ናብ ልቪቭ ከግዕዙ እንከለዉ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ግን ኣብ ኪየቭ እዩ ዝተረፈ” እዚ ድማ “ምስ ሰማእት ህዝቢ ጭቡጥ ክርስቲያናዊ ቅርበት ንምግላጽን ሰላም ንምድጋፍን” ከም ዝኾነ ኣዘኻኺሮም፡ በዚ መንጽር እዚ “ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ህዝቢ ዩክረይን ቀረባን ፍቕራዊ ሕቝፍን እዮም ዘረጋግጹ እምበር ኣብ ስቓዩ ንበይኑ ኣይሓደግዎን . . . ስለዚ ኩላትና ኣብ ልዕሊ ሓቂ ዘሎና ግዴታ ዘተሓሳስብ ኮይኑ . . . እዚ ድማ ነቲ ሕጂ ዘሎ መዓት ናብ እወታዊ ገጹ ከብል ክሕግዝ ዝኽእል ኩሉ፡ ናይ ምልላይ ሓባራዊ ሓላፍነት ከም ዘሎና ዘተሓሳስብ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Jul 2023, 16:36