ድለ

ፖላንድ፥ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ድልድል ዝሃንጽ እዩ! ፖላንድ፥ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ድልድል ዝሃንጽ እዩ! 

ፖላንድ፥ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ድልድል ዝሃንጽ እዩ!

“ሓደ ሰብ ምስ ስርዓታቱ ዘይንሰማማዕ እኳ እንተኾንና ኣብ ህይወቱ ዘሕልፎ ተመክሮ ኣብ ግምት ብምእታው ዝያዳ ኣኽብሮት ክህልወና

“ዘይገማምዕ መሰናኽል ዘይተክል ንዘተ ዝድግፍ መራኸቢ ብዙሓን የድሊ” እዚ ሓሳብ እዚ ፖላንድ ኣብ ዝርከብ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መንበረ ጥበብ ንተመሃሮን መምሃራንን መደረ ዘስምዑ ንቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ዝወከሉ ኣንድረያ ቶርኔሊን ማሲሚሊያኖ ሚኒከቲን ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ዝተኻየደ ርክብ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣገልግሎት መራኸቢ ብዙሓን እተካይዶ ኣጥቓቕማ ዝተራቀ እደ ጥበባዊ ምዕባለ” ምስ እዋናዊ ምዕባለ ንምስጓም ካብ ዝብል ድሌት ዝነቐለ ጥራሕ ዘይኮነ ክንየው እውን ንገዛእ ርእሱ እቲ ምዕባለ ንሰናይ ንምጥቓም ዝሃንጽ እውን ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ክኢላታት ኣብ ሓቅን ምስክርነትን ህይወት ሰባት ተመርኲሶም መራኸቢ ብዙሓን ምዝርጋሕ ኣድላዩ ምዃኑ ከም ዘጉሉሑን፡ ቶርኒየሊ “ሓደ ሰብ ምስ ስርዓታቱ ዘይንሰማማዕ እኳ እንተኾንና ኣብ ህይወቱ ዘሕልፎ ተመክሮ ኣብ ግምት ብምእታው ዝያዳ ኣኽብሮት ክህልወና ኣለዎ፡ ወንጌል ልዕሊ ኩሉ እተዘርገሐ ሳላ እቶም ‘ብኢየሱስ ኪማረኹን ክግረሙን’ ዝፈቐዱ ሰባት ምዃኑ ኣዘኻኪሮም፥ ኣስዒቦም ተልእኾን እተፈላለየ ንጥፈታትን መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ከብርሁ እንከለዉ፥ ነፍሲ ወከፍ ሓበሬታ እቲ ዘሕዝን ፍጻመታት ከም ዘለዎ ግን ከኣ ኣብቲ ፍጻሜ ተስፋ ከምጽእ ብዘኽእል ኣገባብ የቕርባ፡ ኣብ መዓልታዊ ዕዮና ብዛዕባ ከም ውግእ ዝኣመሰለ ዘደንቕ ነገራት ክንዛረብ ኮለና እውን ከይተረፈ ኩሉ ሳዕ ከምኡ ንኽንገብር ኢና እንጽዕር፡ በዚ ኸኣ ተስፋ ንኽንረክብ ዘይዓግተና እውን ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታውን ኮይኑ፥ በዚ  መሰረት ነቕርቦ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣካያዲ ዕዮ ቫቲካን ነውስ ማሲሚሊያኖ ሚኒከቲ እውን ብወገኖም ኣገዳሲ መዳይ ንጥፈታት መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ብዛዕባ ኣብ ዓለም ዝፍጸሙ ፍጻመታት ብማዕቅን ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ዘቕርብ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ “እዚ ማለት ንኣብነት ኣብ ዩክሬን ቦምብታት ክፍነው እንከሎ ብርግጽ ብዛዕባ እቲ ዘስዕቦ ዕንወት ትዛረብን ትሕብርን ብተመሳሳሊ ድማ ብዛዕባ ዘድሊ ሓገዝን ንረብሓ ካልኦት ሰባትን ይንቀሳቐስ ንሰላም ሕውነት ከምኡ እውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ብቓላት ብሓገዝ ብፖለቲካዊ መዳይን ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብ ክህሉ ዝክእል መፍትሕታት የመላኽት” ከም ዝበሉን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣሲስዒቡ፥ “ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እዋናዊ ምዕባለ እደ ጥበብ ምጥቃም ከም ዘድሊ ኣመልኪቶም፥ “ኩሉ ዘመናዊ እደ ጥበብ ተጠቂሙ ነቲ ንኻልኦት ዝልውጥን ዘዕብን ሓብሬታ ንጽባቐ እምነት ክርስትና የጉልሕ” ከም ዝበሉ የመላኽት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ እቲ ኣብ ፖላንድ ሊብሊን ዝርከብ መንበረ ጥበብ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዓለም ሓደ ካብቶም ዝዓበዩን ካቶሊካዊ ኣተሓሳስባ ዘስፍሑ ካቶሊክዊ መንበረ ጥበብ ከም ዝኾነ ክንገር እንከሎ፡ ስነ ፍልጠታዊ ንጥፈታት የካይድን ንመንእሰያት ኣብ ከም ቲዮሎጊያ ፍልስፍና ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ሕግን ሰብኣዊ ስነ ፍልጠትን ከምኡ እውን ኣብ ስነ ሒሳብን ተፈጥሮኣዊ ስነ ፍልጠትን ዝኣመሰሉ ክፍልታት መጽናዕቲ ዘለዎ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

02 June 2023, 15:46