ድለ

ጋላገር፥ መስርሕ ሰላም ዝብል ሓሳብ ህያው ክንገብሮ ኣሎና ጋላገር፥ መስርሕ ሰላም ዝብል ሓሳብ ህያው ክንገብሮ ኣሎና 

ጋላገር፥ መስርሕ ሰላም ዝብል ሓሳብ ህያው ክንገብሮ ኣሎና

ሎሚ ኣብ ዓለም ኣብ መ ንጎ ሃገራትን መራሕትን ጎዲሉ ዘሎ ምትእምማን እዩ፡ እዚ ምትእምማን እዚ ክንሃንጾ ድማ የድልየና” . . . ኣብዚ እዋን እዚ ምትእምማን ዘሎና ኣይመስልን

ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ‘ላ ስታምፓ’ ምስ እተሰምየ ናይ ኢጣልያ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፥ ቅድስቲ መንበር ንሰላም ኣብ እዩክሬይን እተካይዶ ዘላ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ጻዕርታት ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ህዝብታትን ሃገራትን ሰናይ ዝምድና ንምምዕባል ዘለዎ ተልእኾን ብሰፊሕ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርካባት ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ንቓላት ርእሰ ብሔር ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዘኪሮም፥ “ኲናት ዩክሬይን ኣብ መኣዲ ዘተ እዩ ዝዛዘም፡” በዚ ምኽንያት እዚ ጋላጋር ኣስዒቦም፥ ጻዕርታት ቅድስቲ መንበር “ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ናብ መኣዲ ዘተ ንምብጻሕ ንምፍታን ዝዓለመ እዩ።”

እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብዝምልከት ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ቅድስቲ መንበር ንጸገማትን መከራን ህዝቢ ዩክሬይን ኣፍልጦ ከም ዝሃበት እኳ እንተገለጹ፡ እቲ ናይ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ኩነታት ዝተሓላለኸ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ “መስርሕ ሰላም ዝብል ሓሳብ ህያው ክንገብሮ ኣሎና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወርሒ ለካቲት 2022 ዓ.ም. ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ካብ ዘበገሰትሉ ንደሓር ነቲ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ክሰርሑ ከም ዝጸንሑ ሕጂ እውን እንክብሉ ኣመልኪቶም ቅዱስ ኣቦና “ኣብ ግጭት ዩክሬይን ንዝፍጠር ወጥሪ ንምቅላልን ናብ ሰላም ዝመርሕ መገዲ የናድዩ ኣለዉ ምስ በሉ፥ ኣተሓሒዞም ቅዱስ ኣቦና ሩሲያን ዩክረይንን ናብ ዘተ ንኸቕርቡ ነዚ ናይ ዘተ ተልእኾ እዚ ብሓላፍነት ናይ ዝሃብዎም ኢጣሊያዊ ካርዲናል ማተዮ ዙፑ ሓላፍነት ንዝምልከት ሕቶ እንክምልሱ፥ ፍሉይነት ናይቲ ተልእኾ ገና ይጽናዕ ከምዘሎ ገሊጾም፥ “ማዕረ ማዕሪኡ እቲ ተልእኾ ጥንቃቐ ዝሓትት ስንኩፍ ጉዳይ ዝምልከት ብምዃኑ ብተስፋን ብጸሎትን ድማ ነሰንዮ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዝምድና ምስ ቻይናን ኢራንን

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብዛዕባ ተራ ካልኦት ሃገራት ኣብቲ ግጭት ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ዝምድና ሩሲያን ቻይናን ኢራንን ንዝቐረበሎም ሕቶ እውን መልሲ ከም ዝሃቡን፥ “ቀዳማይ ኣብ ግምት ክኣትው ዘለዎ ኩናት ደው ንምባል ዝከኣል ኩሉ ምግባር ናይ ዝኾነ ሃገርን መንግስትን ጻዕሪ ኣገዳሲ እዩ ዝብል ኮይኑ፡ ሰላም ንምርግጋጽ፥ እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር መርገጺ እዩ። ነዚ ጉዳይ እዚ ድማ ተተባብዕ!

ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ሕቶ፥ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እዚ ሕቶ እዚ ክትዛረብ ከላ “ንብምሉኡ ማሕበረሰብ ዓለም” እያ እትምልከት። ገለ ኣበሃህላታት ኣብ ዝተወሰኑ ሕቶታት ፍሉይ ተዛማድነት ክህልዎም ዝክእል እኳ እንተኾነ፡ ቅድስቲ መንበር “ብዓመጽ” ከም ዘይትዛረብ ኣብ ክንዱኡ ግን “ዋላ እውን ኣዚዩ ከጸግመና ዝኽእል ኩነታት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ማዕጾ ክፉት ምግባር ከም እትመርጽ ገሊጾም። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ቅድስቲ መንበር ብቐዳምነት “ሰናይ ንምህላው ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ካቶሊካውያንን ከምኡ እውን ናጽነቶም ህይወቶምን የገድሳ።” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣድላይነት ምትእምማን

እቲ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኩነታት እስራኤልን ፍልስጥኤምን ብዝብልከት ተኸታቲሉ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ብዝሃብዎ መልሲ ዝተዛዘመ ኮይኑ፥ ብጹዕነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዞባ ‘ፍልስጥኤምን - እስራኤልን’ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ስክፍታኦም ገሊጾም። “እዚ ንፖለቲካዊ ኩነታት ንምምሕያሽ ዝያዳ ዕንቅፋት ዝፈጥር ዘሎ ይመስል፥ እዚ እውን ብሓቂ የጉህየና።”

ፍልስጥኤማውያንን እስራኤላውያንን ዝዓዪ ሕድገታት ንምግባር ዝሕግዞም “ዝዓበየ ፖለቲካዊ ድላይ ክርከብ መታን ብርቱዕ ክስራሕ ኣለዎ” እንክብሉ ኣጽኒዖም፥ መብዛሕቲኦም ሰባት ከምቲ ተመኩሮ ዝሕብሮ እቲ ዘድሊ ንኣሽቱ ፖለቲካዊ ምልክታት እዩ፡ እዚ ኸኣ ምትእምማን ከሃንጽ ዘኽእል ምልክታት ማለት እዩ። ሎሚ ኣብ ዓለም ኣብ መ ንጎ ሃገራትን መራሕትን ጎዲሉ ዘሎ ምትእምማን እዩ፡ እዚ ምትእምማን እዚ ክንሃንጾ ድማ የድልየና” . . . ኣብዚ እዋን እዚ ምትእምማን ዘሎና ኣይመስልን . . . ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ኣብዚ መዳይ እዚ እዩ ኣበርቲዑ ክዓዪ ዘለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 June 2023, 15:50