ድለ

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መስህብ በጻሕቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መስህብ በጻሕቲ 

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መስህብ በጻሕቲ

ሰባት ንኣምላኽ ንኽፈልጥዎን ክርስቲያናዊ ሱር ህያው ንኽገብሩን ስለ ዘኽእሎም ዋጋ ስነ ጥበብን ባህልን ምዕቃብ ከምዘድሊ ዝምዕድ ኮይኑ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምኽንያት ዕለት 27 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መስህብ በጻሕቲ፥ “ተፈጥሮ ካብ እግዚኣብሔር ብሓላፍነት ዝተወሃበና እዩ ዝብል እምነት ንዘላቒ ወፍሪ ዝያዳ ተወፋይነት ክግበር ዝጠልብ እዩ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነዚ “ፍሉይ ተወፋይነት ዘለዎ ህሞት እዚ ብመሰረት ስልጣናዊ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛዕባ ሓልዮት ተፈፍጥሮን ፍጥረትን” ብዝበለጸ ኣድማዕን እወንታውን ብዝኾነ መገዲ ሓላፍነት ብዝተመልኦ ኣገባብ ክንበር” ትላበውን ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ንዅሉ ከም እተነቓቕሕ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ደጋፊ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓቢሮም፥ እዚ ዓመታዊ ዝኽሪ መዓልቲ መስህብ በጻሕቲ ዕለት 27 ግንቦት ተዘኪሩ ክውዕል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘመሓላለፎ ውሳኔ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ናይ 2023 ዓ.ም. መዓልቲ መስህብ በጻሕቲ፥ “ንሰባት ንመሬት ንምዕባለን ዝያዳን ዝሓሸን ዕላማ ዘለዎ ወፍሪ ከም ዘድሊ” ንምጉላሕ ዝተወፍየ ምዃኑ የብርሁ።

ብተወሳኺ፥ “ንማሕበረሰብ ዓለም፡ መንግስታት ህብረ ትካላት ቁጠባ፡ መሻርኽቲ ልምዓትን ኣውፈርቲ ውልቃዊ ጽላትን ኣብ ዙርያ ሓድሽ ሜላ ወፍሪ መስህብ በጻሕቲ ንኽጥርነፉ ጻውዒትን ስጉምትን ዘቕርብ እዩ . . . ብተወሳኺ ዘላቒ ወፍሪ ምድጋፍ እውን ምስክርነት እምነት እዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ኣኽብሮት ፍጥረት ዝተመስረተ፡ ነቲ ፍጥረት ብዝፈጠረን ንኸነመሓድሮ ብዝጸገወና እግዚኣብሔር ብሓላፍነት ዝተዋህበናን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰብኣዊ ክብሪ ምድንፋዕ

ቁጠባዊ ወፍሪ ወይ ምንቅስቓስ ኣብ ናይ ሓጺር ግዜ መኽሰብ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ነዊሕ ግዜ ረብሓታት ብምትኳር ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ምስፋሕ ክጽዕሩ ዝብል ምዃኑ እውን ኣብሪሆም፥

ቀዳምነት ስነ ምግባር ብጽምኢ መስኽሰብ ክድብን የብሉን

ፖለቲካ ንመሃዛዊ ሓድሽ መገድታት ክድግፍን፥ “ንሰናይ ኩሉ ዝዓለመ ጽሬት ህይወት ዘዕቢ” ግቡእ መደባት ከለሊ ኣለዎ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ዝተገለሉ ፍሉይ ግምት ዝህብ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ክንክንን ባህላውን  መንፈሳውን ወፍርታት

እቲ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ፥ “ሰባት ንኣምላኽ ንኽፈልጥዎን ክርስቲያናዊ ሱር ህያው ንኽገብሩን ስለ ዘኽእሎም ዋጋ ስነ ጥበብን ባህልን ምዕቃብ ከምዘድሊ ዝምዕድ ኮይኑ፥ “መገዲ ጽባቐ ኵለንተናዊ ምሉእ ምዕባለ ናይቲ ወንጌል ንምእዋጅን መንፈሳዊ ዕብየትን ኣመንቲ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ተልእኾ እዩ” ቢሎም ባህላዊ ትርጉም ዘለዎ ስነ ጥበባዊ ስርሓት ናይ ምክንኻን ግዴታ “ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ” እንክብሉ የዘኻኽሩ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሓላፍነታዊ መስህብ በጻሕትን ሓልዮትን ናይ ሓባር ቤትናን

ኣብ መወዳእታ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ፥ ኣብ መንጎ መስህብ በጻሕትን ሓልዮት ፍጥረትን ዘሎ ምትእስሳር ደጊሞም ብምግላጽ፥ “ንሰብን ከባብን ዘኽብር መስህብ በጻሕቲ ነቲ ብፍቕሩ ናብ ኩሉ ዝበጽሕ ኣቦ ሓልዮት ኣፍልጦ ንምሃብ መገዲ ዝኸፍት እዩ” ቢሎም ኣተሓሒዞም፥ ኣብ ጽላት መስህብ በጻሕቲ ዝዓዩ ሰራሕተይናታት ዝተፈላለየ ዓይነት መስህብ በጻሕቲ ንምልላይ ዕድል ከምዘለዎም ሓቢሮም፡ እዚ ድማ “ዝያዳ ደጋፍን ውሑድ ሃልኪ ዘለዎን ንተፈጥሮ ዝያዳ ዘኽብርን ንጽባቐ ብብዙሕ መግለጽታቱ ክስትንተንሉ ዘኽእልን እዩ” ምስ በሉ፥ ንዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. እናጠመትና ነቲ ዝግበር ምድላዋት “በዚ ንፍጥረት ዝምልከት ሓልዮት ክበዓልን ክንበርን ነቲ መጻኢ ብሓባር ናይ ምህንጽ ተስፋ ብጽንዓት ክንዓትር ከም ዘኽእል ተስፋኦም ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

27 May 2023, 17:03