ድለ

2023.05.05 ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ሓድሽ ናይ ጸረ ዓመጽ/ግህሰት ዕማማት 2023.05.05 ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ሓድሽ ናይ ጸረ ዓመጽ/ግህሰት ዕማማት  (Vatican Media)

ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ሓድሽ ናይ ጸረ ዓመጽ/ግህሰት ዕማማት

እቲ ሽማግለ ኣብ 2014 ዓ.ም. ዝቖመ ብመሰረት “ሁሩ ወመሃሩ” ሓዋርያዊ ቅዋም ኣብ ውሽጢ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተጠርነፈ፡ ነቲ ዕለት 3 ግንቦት ኣብ ሮማ ዝጀመሮ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 8 ግንቦት ከም ዝዛዘመን

ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣብ ሮማ ዘካየዶ ምሉእ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን ናይቲ ሽማግለ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሾን ፓትሪክ ኦምለይ፥ “ቅዱስ ኣቦና ካባና ብዙሕ ሓቲቶም እዮም፥ ነዚ ክንፍጽም ድማ ኩላትና ተወፋይነት ኣሎና” ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሃቡ ዝበሉ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

መምርሒታት ቤተ ክርስቲያን ንምዕራፍ “ሓድሽ ኩላዊ ቅርጺ” ካብ ጉባኤ ጳጳሳት ኣበርክቶ ዘለዎ መወል ንሕንጸትን ሓገዝን ግዳያት፡ ምስ ጥዕናዊ ዕብየት ኣገልግሎት መዋሊ ማሕበርን ንመደባት ምክልኻል ሽርክነት ኣብ መርበብ ንዝፍጸም ግህሰት ህጻናት ንምምካት ዝሕግዙ ዕማማት ኣብ ጉዳይ ተቓላዕነት ብዝተፈላለየ መልክዑ ብዕምቆት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምኡ እውን ኣብ ድሌታት ግዳያትን ዝደሓኑን ከተኩርን ኣብ ኣገባብ ተሓታትነት ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ዕማም ከም ዝኾነን፡ እዞም ሓደስቲ ውጥናት እዚኣቶም ኣባላት ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ ኣብ ዘካይድዎ ዘተ ዝተሓንጸጹ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ኣባላት ንዕዮ ናይቲ ሽማግለ ቀጻልን መጻእን ዕማመታቱ ንምትንታንን ኣስፊሖም ብመንጽር እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብኣርካናዊ ኣካይዳ ንምምሕያሽ ቀጻሊ ጻዕሪ ክግበር ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ዘስካሕክሕ ገበን ጾታዊ ዓመጽ ንምሕላው ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣብ ግምት ብምእታው ዝተሓንጸጸ ምዃኑ የመላኽት።

ምትብባዕ ር.ሊ.ጳጳሳት

እቲ ሽማግለ ኣብ 2014 ዓ.ም. ዝቖመ ብመሰረት “ሁሩ ወመሃሩ” ሓዋርያዊ ቅዋም ኣብ ውሽጢ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተጠርነፈ፡ ነቲ ዕለት 3 ግንቦት ኣብ ሮማ ዝጀመሮ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 8 ግንቦት ከም ዝዛዘመን ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ካብ ሓላፍነቶም ዝለቐቑ እኳ እንተነበሩ፡ እቲ ሽማግለ ካብ ሕዳር 2022 ዓ.ም. ጀሚሩ ብዓሰርተ ሓደስቲ ኣባላት ሃብታም ኮይኑ፡ ኩሎም እቶም ብናይ ቦስቶን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ሾን ኦምለይ ዝምራሕ ዕለት 5 ግንቦት ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦም፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ዓመጽ ንዝፈጸመ ዝግበር ሕድገት” ኮኒኖም፡ ነቲ ክፍኣት ሕድገት ካብቲ ብበዳሊ ዝፍጸም ጭቡጥ ሓጢኣት ዝወሓደ ከበድ ዘይብሉ ኣይኮነን፡” ብርግጽ ብወገን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ክግበር ዝግብኦ ዘይምግባሮም “ንብዙሓት ጠንቂ ጸለመ ኮይኑዎም እዩ . . . “ብተወሳኺ እቲ ሽማግለ ኣብ ተልእኾኡ ተስፋ ከይቆርጽ ሓቲቶም፡ እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ከመይ ገይራ ንኩሉ ካብ ግዜ ናብግዜ ውሑስ ቦታ ክትከውን ከም እትኽእል ዓውሎማዊ ራእይ ዝውክል እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ጎድኒ ግዳያት ደው ምባል

“እቲ ሽማግለ ኣብ ጎኒ ግዳያት ደው ዝብል ምዃኑን መብጽዓታት ምስቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ክግበር ክረጋገጽ ዝኽእል ለውጢ ክተሓሓዝ ኣለዎ። እዚ ድማ መንእሰያት ተቓላዕትን ሰባት ኣብ ሓደጋ ከም ዘይወድቁን እቶም ብግህሰት ዝተጸልዉ ብኸመይ ከም ዝሕብሕቡን ዘርኢ ክኸውን ከም ዘለዎ ብጽኑዕ ይእመን።”

ኣባላት እቲ ሽማግለ ነዘን ቃላት እዚኣተን ብኣጽንዖት ዝተረጋገጸ ኣብቲ ዕለት 7 ግንቦት ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ክኸውን እንከሎ፡ ንቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ሓንጎፋይ ቢሉ ከም እተቐበለን ከምኡ እውን ነቲ ብቕዱስነቶም ዝተደንገገ “ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም” ዝብል ቀዋሚ ሕጊ፡ ፍኖት ምዃኑ ከም እተገልጸ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዋናዊ መምርሕታት

ብመንጽር እዚ ለውጥታትን ዝተሓደሰ ዕድመታትን ብርክት ዝበሉ ለውጥታትን ናይቲ ሽማግለ ኣቦ መንበር ካርዲናል ኦምለይ “ምትዕርራይ” ዝብልዎን ኣብ ኣገባብ ስራሕ ኣብቲ ሓፍሻዊ ምሉእ ጉባኤ ከም እተኣታተወን ሓቢሮም፥ እቲ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ 2011 ዓ.ም. ብናይቲ እዋን ብናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዝወጸ መምርሒ ቤተ ክርስቲያን ተሓዲሱን ከምቲ “ሁሩ ወመሃሩ” ሓዋርያዊ ቅዋም ዝእዝዞ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብደረጃ ዝካየዱ ኣብ መምርሕታት ምክልኻል ዘተኮረ እዩ። ስለዚ ሓድሽ ኵላዊ መምርሒታት ማዕቅፍ ተሓንጺጹ ኣሎ። ካብ ዕለት 31 ግንቦት ጀሚሩ ድማ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት እዚ ክጸድቕ እዩ፡ ካብ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ንጉጅለታት ግዳያትን ዝደሓኑን ህዝባዊ ርእይቶ ክወሃበሉ ክቐርብ እውን ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ካብ ጉባኤ ጳጳሳት ዝተረኽበ ሓገዝ ዝምወል

ኣብተን ግዳያት ዝኾኑለን ሓገዝ ንኽረኽቡ ዘኽእል መሳለጢ ዘይብለን እቶም ግዳያት “ብጽሞና ዝሳቐዮለን” ከባብታት ዘሎ ዘይማዕርነት ንምእላይ እቲ ሽማግለ ዘካይዶ ዕዮ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝነኣዱን እዚ እውን ካብ ጉባኤ ጳጳሳት ብዝርከብ ሓገዝ ዝምወል ከም ዝኾነን እቲ ዕላማ ኣብ ድኻታት ከባቢታት ዓለም ንዝርከቡ ግዳያት፡ ስድራ ቤቶምን ማሕበረሰቦምን ዝለዓለ ተበጻሕነት ሕንጸትን ሓገዝን ንምርግጋጽ መደባት ህንጸት ንምቕራብ ዓቕሚ ክህሉ ዝገብር እዩ። እዚ መደብ እዚ እውን ንፈተነ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈረመ ኮይኑ፡ ህላወ እቲ መወል ድማ ከም መሳለጢ መደብ ህንጸት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፥ እቲ ሽማግለ ነዚ ንምትግባር እውን ማለት ካብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ጀሚሩ ክኢላታት ዞባዊ ኣማኸርቲ ኣብ ምክልኻል ዝኣመተ መደብ ህንጻት ንምሃብ ስምምዓት ከም ዝገበረን እዚ ከምዚ ዓይነት ሽርክነት ቅድም ክብል እውን ቤተ ክርስቲያን ለበድ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቲ ዝነበረ ህጹጽ እዋን ምላሽ ንኽትህብ ዝሓገዘ እውን ምንባሩ ብጹዕነቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝሓበሩ ኣመላኺቱ።

ዓመታዊ ጸብጻብ ኣብ ምክልኻልን ኪደታትን መርሕታት

ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. እቲ ኣብ ግብሪ ዘሎ ንምክልኻል ዝሓቀነ መምርሕታትን ኵነታቱን ዘማእከለ ጸብጻባት ክቐርብ እንብሉ  ዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ከም ዝዘተየን፥ እቲ ጸብጻብ ንቕዱስ ኣቦና ንምቕራብ ድሌታት ግዳያትን ብህይወት ዘለዉን ብኸመይ ቀዳምነት ክወሃቦም ኣብ ኣገባብ ጸብጻብ ቤተ ክርስቲያን ክእለን ከም ዝኽእልን ዘተኮረ ሰብ ማእከል ዝገበረ ኣገባብ ዘለዎ ምዃኑ ካርዲናል ኦምለይ ገሊጾም፥ ኣብ ኩለን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን እቲ መምርሒ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ይውዕል ምህላዉን ብመሰረት ሕቶ ር.ሊ.ጳ. ነቲ ኣብ መርበብ ዝፍጸም ግህሰት ህንጻናት ንምምካትን ዝዓለመ እውን ምዃኑ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኦምለይ፥ ር.ሊ.ጳ. ዝሓተትዎ ንምዕዋት ቃል ይኣትዉ

“ር.ሊ.ጳ. ካባና ብዙሕ ይጽበዩ እዮም፡ ኵላትና ድማ ነዚ ክንውፈ ቃል ኣቲና እሎና” ዝበሉ ካርዲናል ኦመልይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ምሉእን ሓፈሻውን ጉባኤ እቲ ዝተፈላለየ ተራና ብምንጽጻር ኣብ ልዕሊ ዕማምናን ኣተገባብራኡ ዘሎና ሓባራዊ ሓላፍነትን ናይ ሓባር ዋንነት ስምዒት ንምፋርን ኣብ ኣገባብ ስራሕና ወሳኒ ምትዕርራይ ኣማዕቢልና - ቢሎም - ግቡእ ምላሽ ንምሃብ ኣድላዪ ጸጋታት የድልየና። ኣብቲ ዝሓንጸጽናዮ ውጥንን ምስና ዝሰርሑ ዘለዉ ሰብትን ድማ ርእሰ ተኣምንነት ኣሎና” እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 May 2023, 15:53