ድለ

ፓሮሊን፥ ሞስኮን ኪየቭን ዛዕባ ተልእኾ ቅድስቲ መንበር ፓሮሊን፥ ሞስኮን ኪየቭን ዛዕባ ተልእኾ ቅድስቲ መንበር 

ፓሮሊን፥ ሞስኮን ኪየቭን ዛዕባ ተልእኾ ቅድስቲ መንበር

“ኣጽዋር ንዘይምርድዳእ መፍትሒ ከም ዘይኮነ ስለ ዝኣምኑ፥ ነቲ ዝቕጽል ዝነበረ ኲናት ንምዕጋት ዘይጎነጻዊ ምትእትታዋት ዘማእከለ ተግባራትን ጻውዒትን”

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዛዕባ ታሪኽ ኣባ ቶኒኖ በሎ ዝገልጽ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ መጽሓፍ ንንባብ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምረቓ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ድሕሪ ዘስምዕዎ መደረ፥ ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃንጋሪ ዘካይድዎ ዑደት ዛዚሞም ኣብ ምምላሶም ኣብታ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክረይንን ናይ ሰላም ዘተ ክካየድ ቅድስቲ መንበር ዘበገሰቶ ተልእኾ ሞንጎይናነት ዝምለከት ዝበልዎ ሓሳብ መንግስታት ሩሲያን ዩክሬይንን ዝፈልጥዎ ነገር ከም ዘየለ ዝሃብዎ ርእይቶ ከም ዘገረሞምን ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ካብ ዕለት 24 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከብቅዕ ዘቕረብዎ ዘየቋርጽ ጻውዒት ደጊሞም ከም ዘቃልሑን፡ ብጹዕነቶም “ድምጺ ሰላም” ዘርእስታ ዛዕባ ካብዚ ዓለም ብሞት ካብ ዝፍለዩ  ኣብ ዝኽሪ መበል ሳላሳ ዓመት ነፍሰ ሄር ኣባ ቶኒኖ በሎ ታሪኾም እተዘንተው ብቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካን ዝተሓትመት መጽሓፍ ብወግዒ ንንባብ ንምቕራብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሉምሳ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ድሕሪ ዘስምዕዎ መደረ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ኣብ ዩክረይን ሰላም ንኽወርድ ዝዓለመ ተልእኾ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝምልከት፥ ር.ሊ.ጳ. ካብ ሃንጋሪ ኣብ ምምላሶም ምስቶም ኣብቲ ጉዕዞ ዘሰየንይዎም ናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት፥ “ምእንቲ ሰላም ዝኾነ ክግበር ዘሎዎ ነገር ኩሉ ክገብር ፍቓደይና እየ ሕጂ እውን እንተኾነ ቅድስቲ መንበር ሰላም ክወርድ ትጽዕር ኣላ፥ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ግን ንህዝቢ ገና ኣይተገልጸን . . . ብወግዒ ድማ ንህዝቢ ምስ ተዘርገሐ ክነግረሉ እየ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ፥ መንግስቲ ሩሲያ ኮነ መንግስቲ ዩክረይን ብዛዕባ እዚ ናይ መንጎይናነት ዕማም ኣፍልጦ ከም ዘይብሎም በቢ ወገኖም ከም ዝገለጹን. . . ብጹዕነቶም ብዛዕባ እቲ ቅድስቲ መንበር ተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ኣብ እዋኑ ንኽልቲአን ሃገራት መግንስታት ተሓቢሩ እዩ” እንክብሉ ከም ዘነጸሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ካብ ሩሲያን ዩክረይንን ዝተወሃበ ግብረ መልሲ የገርሞም

“ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህዝቢ ምስ ተገልጸ ዝግለጽ ተልእኾ ቅዱስ መንበር ክህሉ እዩ ኢሎም፥ ሓቂ ስለ ዝኾነ፡ ኣነ ድማ ነዚ እየ ዝደግሞ።” እወ ሕጂ ኣብ ዝርዝር ኣይኣትውን . . . ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሞንጎይናነት ቅድስቲ መንበር ካብ መንግስቲ ሩሲያ ኮነ መንግስቲ ዩክሬይን “እንፈልጦ ነገር የሎን” ዝብል ዝሃቡሉ ግብረ መልሲ~ ከም ዘገረሞም” ገሊጾም፥ ምናልባት እቲ ቅድስቲ መንበር ዘበገሰቶ ናይ ሞንጎይናነት ምእንቲ ናይ ሰላም ዘተ፥ ብምኽንያት ናይ ስነ ክሌኣዊ መላዊ ርክባት ዘጋጥሞ ናይ ስነ ቤት ጽሕፈታዊ ኣሰራርሓታት ኣብቲ ክበጽሖ ዝግብኦ ኣካል ዘይበጽሐ ክኸውን ይኽእል ክብል ጥራሕ ኣየ ዝኽእል። እዚ ናተይ ኣተረጓጉማ እዩ። ክልቲኦም ወገናት ከም እተሓበሩ እፈልጥ እየ።” ስለዚ በቲ ካብ ናይ ክልቲአን ሃገራት መንግስታት ዝተወሃበ ግብረ መልሲ ተገሪመ ጥራሕ እየ ክብል ዝኽእል።  

ምቁራጽ ውግእ

. . . ኩሉ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ብፍላይ ድማ ዝያዳ ናይ ጽልኢ ሃዋህው ንምግዋሕ ዝድርኽ ዘበለ ተግባር ክውገድ ኣለዎ። ቶኽሲ ደው ንምባል ዘኽእል ቅድመ ኩነት ይሃይሉ ኣይሀሉ ኣይፈልጥን፡ ግን ተስፋና እቲ ውግእ ደው ክብል እዩ። ናይ ቫቲካን ናይ ስነ ክሌኣዊ መላ ኪደት ቶኽሲ ደው ንምባል ዘተኮረ እዩ። ስለዚ ከምቲ ቅድስቲ መንበር ደጋጊማ እትገልጾ፥ ናብ ናይ ሰላም ዘተ ንኽብጻሕ ቶኽሲ ደው ክብል ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነቲ ዘሎ መዓት ደው ምባል

ዕለት 9 ግንቦት ዳግማይ መጥቃዕቲ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝብገሰሉ እዩ ዝብል ዝንገር ዘሎ ጉዳይ፡ ኣብ ግምት ብምእታው፥ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እዚ ንዩክረይን ብትሪ ዝጸሉ ግን ከኣ ንሩሲያ እውን ዝጸልዋ ዘሎ ግጭት” ክቋረጽ እሞ ናብ ናይ ሰላም ዘተ ክብጻሕ ቅድስቲ መንበር ዘይተሓለለ ጻዕሪ ተካይድ ምህላዋ ይሕብሩ።

ኣባ ቶኒኖ ንቢዪ ሰላም

ብጹዕነቶም ናብቲ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተረኽብሉ ቀንዲ ምኽንያት ንሱ ድማ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብዚ ዓለም ብሞት ካብ ዝፍለዩ ዝኽሪ ሳልሳ ዓመት ናይ ሞልፌታ ጳጳስ ዝነበሩ ነፍሰ ሄር ብጹዕ ኣቡነ (ኣባ ቶኒኖ) ቶኒኖ በሎ ተኸታሊኦም ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ሞልፌታ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ኮርናኪያ፥ “ምስክርነትን መምህር ጽድቅን፥ ክርስቲያናዊ ጉዕዞ ኣባ ቶኒኖ በሎ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ መጽሓፍ ንንባብ ኣብ ዘቕረበ ዓውደ ጉባኤ ምርኻቦም ሓጎስ ከም እተሰመዖምን፥ “ኣባ ቶኒኖ ብሓቂ ንሰላም ብፍላይ ንኲናት ወሽመጥ ደሓር እውን ኲናት ባልካን ከብቅዕ ኣበርቲዖም ከም ዝዓየዩን ገዛእ ርእሶን ክሳብ ንሓደጋ ብቅላዕ ዝፈጸመዎ ነቕ ዘይብል ጭቡጥ ምልክታ ሰላም ሓዲጎም እዮም፥ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ከምኦም ዝኣመሰሉ ነቢያት ሰላም የድልዩና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ጳጳስ በሎ ስጉምታት ሰላም

ናይ ኣባ በሎ ናይ ቀረባ ዓርኪ ብጹዕ ኣቡነ ኮርናክያ ዘካፈልዎ ተዘክሮታት ትረኻታትን ቃላትን ህዝባውን ግላውን ፍጻሜታት ዶን ቶኒኖ፥ “ኣባ ቶኒኖ ነቢዪ ሰላም” ምንባሮም ዘረጋግጽን ካብ ምዃን ሓሊፉ እነብረሉ ዘሎና እዋን ብዙሓት ገበርቲ ሰላም ነቢያት ሰላም ካሳብ ክንደይ ከም ዘድልዩን ንዘሎ ጽምኣት ሰላም ማዕቅን እውን እዩ። ሰላም ብዘይ መጋበርያ ሰላምን ኣጽዋርን ብዘይኮነ ጐደና ዘተ” ጥራሕ እዩ ዝብጻሕ። ኣብ 1990 ዓ.ም. ኣብ እዋን ውግእ ወሽመጥ መንግስታት ነቲ ውግእ ደው ክብል ክዓያ ዝጽውዕ መልእኽቲ ናብ ህዝባዊ ባይቶ ልኢኾም ከም ዝነበሩን ከምኡ እውን ኣብ ነበር ዩጎስላቪያ ዝተባርዐ ውግእ ከብቅዕ ደጋጊሞ ጻውዒት ብምቕራብ፥ ንሰላም ወጊኖም፥ “ኣጽዋር ንዘይምርድዳእ መፍትሒ ከም ዘይኮነ ስለ ዝኣምኑ፥ ነቲ ዝቕጽል ዝነበረ ኲናት ንምዕጋት ዘይጎነጻዊ ምትእትታዋት ዘማእከለ ተግባራትን ጻውዒትን” ዝፈጸሙን ዘቕረቡን ኣብቲ ውሩይ ሰላማዊ ሰልፊ ሓነጽቲ ሰላም መደብ ዝሳተፉ ዝነበሩን” እዮም፥ እንክብሉ ድማ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝዘከርዎምን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተረኽቡ ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ኣባ ቶኒኖ በሎ ኣዋናውን . . . ንጽቡቕ ምግናን ዝፈትዉ እዮም ዝነበሩ . . . ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ንጽቡቕ ምግናን ዝፈልጡ ምህዞ ዝፈልጡ ብህልው ኩነታት በቲ ኣብ ኩሉን ከመይ ብዘለሉን ዘይዓግቡ” ሰባት የድልዩና፥ ኣባ ቶኒኖ ኣብነት እዮም፥ መገዲ ወንጌል ዘርእዩናን ዘዘኻኽሩና” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 May 2023, 16:10