ድለ

ላዳሪያ፥ ዓዋዲ መልእኽቲ ሰብኣዊ ህይወት ናጽነት ምስ ተፈጥሮ ክጥርንፍ ዝክእል ትንቢታዊ ጽሑፍ እዩ! ላዳሪያ፥ ዓዋዲ መልእኽቲ ሰብኣዊ ህይወት ናጽነት ምስ ተፈጥሮ ክጥርንፍ ዝክእል ትንቢታዊ ጽሑፍ እዩ! 

ላዳሪያ፥ ዓዋዲ መልእኽቲ ሰብኣዊ ህይወት ናጽነት ምስ ተፈጥሮ ክጥርንፍ ዝክእል ትንቢታዊ ጽሑፍ እዩ!

ወርሒ ሓምለ 1968 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝደረስዋ Humanae vitae - ሰብኣዊ ሕይወት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘቕርቦ ዋጋ

ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ እቲ ብር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ንቤተ ክርስቲያን ዝተዓደለ ሰብኣዊ ህይወት ዘራስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቶም ነቲ ኣብ መንጎ ናጽነትን ተፈጥሮን ዘሎ ምትእስሳር ዝበትኩ ንጾታዊ ርክብ ሰብኣውነቱ ንዝሓክኽ መገዲ ዘርሃዉ ህልዮታት ዘቃለዐን ብቑዕ መልሲ ዝሃበን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት ውጥን ኣምላኽ ዝተስተውዓለ “ውሁድ ኵለንተናዊ ስነ ሰብኣዊ” ራእይ ፍቕርን ሰብኣዊ ጾታዊ ርክብን ዝድህስስ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ 55 ዓመት ዝተሓትመ ነቲ ጠርናፊ ራእይ ዝገማምዕ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ “መከላኸሊ ጥንሲ ስነ ሰብኣዊ” ክልኩል ዝብል ኣብ ሓቂ ዝተመርኮዘ ሓሳብን ትምህርትን ዘቕርብ እዩ። እዚ ናይታ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1968 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝደረስዋ Humanae vitae - ሰብኣዊ ሕይወት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘቕርቦ ዋጋ ምዃኑ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳረያ ፈረር ኣብቲ ነዛ ዓዋዲ መልእኽቲ ማእከል ኣብ ዝገበረ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፥ ኣብቲ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኣጎስቲኒያኑም ዕለት 19 ግንቦት ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ መኽፈቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

ዘይብተኽ ምትእስሳር

እቲ ናይቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ኣርእስቲ ትብዓት ዓዋዲ መልእኽቲ፥ ኣብ ዛዕባ ጾታዊ ርክብን ምውላድን ዝብል ኮይኑ፡ ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ጳውሎስ ሻድሻይ “ዘቕርብዎ ሓሳብ ዓሚዩቑ “መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ጾታዊ ርክብ ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊ ሓዳር ምጥቓም ፍቑድ ክኸውን ዝብል ንዝቐርብ ዝነበረ ሕቶታት ብቐጥታ ብምቅዋም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብመርትዖታት ዝተደገፈ ቲዮሎጊያዊ ስነ ሰብኣዊ ስነ ኣኣምሮኣውን ቅዱስ መጽሓፍን ትውፊትን ኣምራት እተቕርብ ከምዝኾነትን “ፍረዩ ተፋረዩ” እቲ እግዚኣብሔር ዝደልዮ ኣብ መንጎ ክልተ መጻምድቲ ናይ ዝጸንዕ ሓዳር ትርጉም ምዃኑ ዘብርህ እዩ።

ህይወት ህያብ እዩ

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም፥ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአ ህይወት ህያብ ምዃኑ ዝዝንግዕ ከም ምህርቲ ናይ ጾታዊ ርክብ ገይሩ ዝምልከት መቆጻጸሪ ጥንሲ፡ ከም ስነ ምግባራዊ ናጽነት ገይሩ ዘቕርብ፡ ነቲ ኩነታት ህይወት ፍቕሪ መጻምድቲ ዝቕይር ናጽነት ሓቀይና ናጽነት ከምዘይኮነ ዘብርህ ዓውዲ መልእኽቲ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፡ ብመንጽር እዚ፥ እቲ ዘገድስ “ስምዒታዊ ሕብረት ምዃኑን እቲ ጾታዊ ተግባር ድማ ነቲ ብኣምላኽ ዝተወሃበ ናጻ ተግባር ምዃኑ ንዝሰብኽ ህልዮ መልሲ ምሃብ እዩ። ምቁጽጻር ጥንሲ ምስ ኣጠቓቕማ መከላኸሊ ጥንሲ፥ ብሰብ ሰርሖ ኣገባባ ህይወት ምትሕልላፍን ምቁጽጻርን ብስነ ፍልጠት ሜላታት ምፍራይን ወይ ዘይምፍራይን ሰብኣዊ ሰብነት ናብ ግኡዝነት ዘትሕት፡ በንጻሩ ከም ምዕባለ ተገይሩ ዝንገር ኣልቦ ውላድ ወይ ራእይ ውላድ ዘይብሉ ጾታዊ ርክብ ተቐባልነት ረኺቡን ደሓር ድማ ብዝገደደ ብዘይ ጾታዊ ርክብ ምውላድ ናብ ዝብል ደረጃ ተበጺሑ፡ ህይወት ከም ህያብ ዘይኮነስ ከም ‘ተራ ምፍራይ’ ዝብል ብመንጽር ረብሓ ንህይወት ዝመዝን ኣተሓሳስባ ሳዕቤኑ ብምትንታን ነዚ ዓይነት ኣምራት እዚ ናይ ተቓውሞ መልሲ ብስነ መጎታዊ ኣገባብ ዘቕርብ ትርጉም ህይወት ዘነጽር እውን ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናጽነትን ተፈጥሮኝ ስሙራት እምበር ተጋራጨውቲ ኣይኮኑን

ብጠቕላላ እቲ ኣብ ዓለም ዝዝርጋሕ ብቐጻሊ ኣብ ህልዮ ስነ ጾታዊ እዚ ድማ እቲ ንሰብ ዝገልጾ ኣካሉ ዘይኮነስ ዘለዎ ምስረቓዊ ጾታ እዩ ዝብል ነቲ ሰብኣዊ ድሩትነት ክስገር ዝፍትን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ስነ ፍልጠት ዝግበር መጽናዕትን ዝቐርቡ ህልዮታት ንሰብኣዊ ኣካል ናብ ናይ ዝኽሪ መዝገብ ዝቕይር፥ ሰብኣዊ ኣካል ናብ እንስሳዊ ኣካል ዘሰጋግር፡ ዓለም ናብ ኣልቦ ኣደነት ዘሰጋግር ባህሊ፡ ሎሚ እውን ይቕጽል ምህላዉ ኣዘኻኺሮም ዓዋዲ መልእኽቲ ጳውሎስ ሻድሻይ “ሰብኣዊ ህይወት - ዘቕርቦ ትምህርቱ ሎሚ እውን ቅኑዕ ኮይኑ ይቕጽል ከም ዘሎን ብሓቂ ድማ ትንቢታዊ እዩ፡ ነቶም ጸረ - ሰብኣውነት ዝኾኑ ትምህርትታት ብምቅዋም ናጽነትን ተፈጥሮን ዘይገራጨው ካብ ምዃን ሓሊፉ ስኒት ከም ዘለዎ ዘብርህ ምዃኑ ብዘፊሕ ብዝትንትን ሓሳብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 May 2023, 16:37