ሆለሪኽ ዛዕባ ሲኖዶስ፥ ኣብ መግልጋል ኣማልክን ህዝብን ሓድነት ምርካብ
ናይቲ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ንኽመክር ናይ ዝተጸውዐ ሲኖዶስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣፈ ጒባኤ ናይ ሉሰምበርግ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ዣን ክላውደ ሆለሪኽ ብዛዕባ እቲ ንኽካየድ ዝተጸውዐ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ኣማእኪሎም ምስ ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽን ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣድንረያ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ንኽርስቶስ ዘማእከለት ኮይና እትጓዓዝ ምዃና ዘብርህይ እዩ ይብሉ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እዞም 64 ዓምት ዝዕድመኦም ኢየሱሳዊ ካህን ካርዲናል ዣን ክላውደ ሆለሪኽ ሊቀ ጳጳሳት ሉሰምበር ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ዝካየድ ስሩዕ ጉባኤ ኵላዊት ቤተ ክርትያን ንዝቐረበሎም ሕቶ፥
ጳጳሳት ጥራሕ ዘይኮኑ ቍጽሮም ዘይነዓቕ ድምጺ ዝህቡ ኣባላት ማለት ካህናት ገዳማውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዓለማውያን ምእመናን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ 50 ምኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ተጋባእያን ዝኾናሉ ተሳትፎ መንእሰያት ዘለዎን እዩ፡ እዚ ውሳነ እዚ እንታይን ስለምንታይን እዩ እቲ ዘለዎ ኣገዳስነት? እዚ ጉዳይ እዚ ብሓቂ ሓድሽ ኣይኮነን ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ድሮ ጳጳሳት ዘይኮኑ ናይ ምድማጽ መሰል ዝነበሮም ኣባላት ነይሮም እዮም፥ ድምጺ ዝህባ ደቂ ኣንስትዮ ኣይነበራን ግና ኣባላት ዝነበራ ነይረን ኢየን፡ ስለዚ እታ ንእሽቶ ጉጅለ ሕጂ እናዓበየት ትኸይድ ኣላ . . . ጳጳስ ጓሳ እዩ . . . ድሮ ኣብ ሃገረ ስብከታት ድሕሪኡ እውን ብደረጃ ኣጉባኤ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ድማ ብደረጃ ኣህጉር ዓቢይ ናይ ሲኖዶስ ተመክሮ ኣሕሊፍና ኢና። ኩሎም እቶም ዝሳተፉ ጳጳሳት ከምቲ እቲ ሕጂ ዘሎ ተመክሮ ዘይነበሮ እያቶም። . . . ስለዚህ ዕማም ናይቶም ሓደስቲ ተጋባእያን ኣባላት ነቲ ዘጋጠሞም ተመክሮ ናይ ምትሕልላፍ ምስክርነት እዩ።
እዚ እናሃለወ ግና ሲኖዶስ ‘ናይ ጳጳሳት’ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ? እወ ከምኡ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ ምኽንያቱ እቶም ዝበዝሑ ተጋባእያን ጳጳሳት ስለ ዝኾኑ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ዝተገብረን ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ቅዱስ ኣቦና ዝበጽሕን መመያ ዘቕርቡ ጳጳሳት እያቶም። ብህዝበ እግዚኣብሔር ዝቐርብ መመያ እውን ኣሎ፡ እቶም ተጋባእያን ምእመናን ንኤጲስ ቆጶሳት’ ዘይኮኑ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ዝውክሉ እያቶም።
ስለዚ ብውክልና ህዝበ እግዚኣብሔር ዝተሰነየ ናይ ጳጳሳት ዲኖዶስ ክበሀል ይከኣል ዶ? ጳጳሳት እውን ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣባላት እያቶም። ኣካል ናቶም እየ ክኸውን ዝደሊ። እንተዘይኮይኑ ሕማቕ ምተሰምዓኒ ነይሩ። . . .
ኣርስቲ - ትሕዝቶ ሲኖዶስ
‘ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝዝትይ ሲኖዶስ’ ምናልባት ግብረኣዊ ኣርእስቲ ኮይኑ ካብ ህይወት ሰባት ኣዝዩ ርሑቕ ይመስል። ይኹን፡ እምነት ነቶም እዚ ተመክሮ እዚ ዝገበሩ ልክዕ ብኣንጻሩ እዩ። ስለዚ ናይዚ ሲኖዶስ ኣርእስቲ መብርሃኩምዎ ዶ? ከመይ ጌርና ሎምን ጽባሕን ልኡኻት ቤተ ክርስቲያን ክንከውን ንኽእል። ከመይ ጌርና ሲኖዳውያን ልኡካን ቤተ ክርስቲያን ክንከውን ንኽእል . . ። ነዚ ምጉላሕ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ትንተና ወይ ኣስተንትኖ ኣይኮነን። ንቤተ ክርስቲያን ከምቲ እግዚኣብሔር ንዘመንና ዝደልዮ ክንገብር ንዓለም ንእዋናትና ወንጌል ክንእውጅ ኢና ዘሎና . . . ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ሲኖዳዊት እያ ነይራ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ሲኖዶስን ቤተ ክርስቲያንን መመሳስልቲ እያቶም ይብል . . . ኣብዚ ዘሎናዮ መገዲ ተሳትፎ መላእ ህዝበ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ትግባሬኡ ይመርሓና ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ብፍላይ ውሳኔ ብርሃነ ኣህዛብ!
ስለዚ እቲ ዝቕጽል ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣገባብ ቤተ ክርስቲያን ምዃን እምበር ውልቃዊ ኣርእስቲ ጥራሕ ኣይኮነን? እወ! ንሕማም ዘመንና መልሲ ዝህብ ክኸውን እምነት ኣሎኒ። ምኽንያት ከምቲ ክንብሎ እንኽእል ድሕረ - ዘመናዊ ወይ እዚ ዘለናዮ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዘመንና ጉሊሑ ንዝርአ ዘሎ ውልቃውነት መልሲ ዝህብ እዩ። ስለዚ እቲ ዝርአ ዘሎ ውልቃውነት ሰብኣውነት ንኸይንነብር ይድርኽ ምህላዉ ንርኢ ኣሎና፡ ንኽንነርብ ማሕበረሰብኣዊ ባእታታት የድልዩና እያቶም።
ኣብ ሕብረሰብ ኣብ መራኸቢ ብዙሃንን ዋላ ኣብተን ካቶሊካውያን ከይተረፈ ውልትውና ይዓቢ ዘሎ ይመስል። ስለዚህ ህዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ሓባር ምጉዓዝ ዝነብሮ ህይወት ነዞም ዝንባለታት እዚኣቶም ምላሽ ይህብ። ኣብዚ ሲኖዳውነት ብኣና ዝተመሃዘ ከም ዘይኮነ ምፍላጥ የድሊ፡ ነቲ ድሮ ቀዳሞት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝነበሮም ተመክሮ ዳግማይ ዘበራብሮ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ነቲ ዘጋጥመና ዘሎ ብድሆታት ንምግጣምን መልሲ ንምሃብን ዝሕግዝ መገዲ ድማ እዩ። እንተዘይኮይኑ ሰብኣውነት ኣብ ሓደጋ እዩ ዝተርፍ።
መንፈሳዊ ዘተ
ር.ሊ.ጳ. መብዛሕቲኡ ግዜ ኩሉ ሰብ ኣብ ዝዛረበሉን ኣብ ክትዕ ኣብ ዝዋፈረሉን እዋን ምስማዕ ጽን ምባል ኣገዳሲ ምዃኑ የጉልሑ . . . ከም ጳጳስ መጠን ክሰምዕ እንከለኹ ሓደ ሓደ ግዜ ሓሳበይ ከም ዝቕየር እርኢ። እዚ ድማ ንዓይ ጽቡቕ እዩ። . . . ስለዚህ ከም ክፋል ኣባላት ሰበኻታትና ምስማዕ ክህሉ ኣለዎ። . . . ንጳጳስ እውን ጽን ምባል ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ምስምማዕ ወይ ጽን ምብህሃል ማለት እዩ። ጳጳስ ናይ ምስማዕ ግደ ጥራይ ዘይኮነስ መልሲ ናይ ምቕራብን ጓሳ ህብዚ ናይ ምዃንን ተራ እውን ኣለዎ። . . . ኣብላጺ ዝውስነሉ ኩሉ ዝስዕበሉን ሲኖዳዊ ባይቶ የብልናን። ሲኖዶስ ባይቶ ኣይኮነን። ፍቓድ ኣምላኽ ከነስተውዕል መንፈስ ቅዱስ ክመርሓና ጽን እንብለሉ ጉባኤ እዩ!
እዚ መስርሕ ብኸመይ ይካየድ? መንፈሳዊ መስርሕ እዩ። ኣብ ናይ ሓባር መደምደምታ ንምብጻሕ ብናይ ተቓውሞ ኣተሓሳስባ ዘይኮነስ` ናብ ምስማዕን ዘተን ዘእትው መገዲ እዩ፡ ኣብዚ መስርሕ እዚ ኩሉ ግዜ ምልዋጥ ከምዘድሊ ንጹር እዩ፥ ሓሳብ ጳጳስ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ዓለማውያን ምእመናን ዝምልከት ምልዋጥ እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተወሰነ ውጽኢት ንምርካብ ናይ ምድማጽ ኣገባብ ክህሉ ይርአ? እወ . . . እዚ ብሰፊሑ ንናይ ኣሕዋትና ፕሮተስታንት ሲኖዳውነት ዝምልከት እዩ . . . ኣንሕና እቲ ክንፍጽሞ ዘሎና ካቶሊካዊ ሲኖዳውነት እዩ፥ ጉባኤ ጳጳሳት እናበለ ክሳብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝበጽሕ ኣገባብ ኣሎ፥ እዚ ኩሉ ሃይራርቃዊ ኪደት እዚ ብሲኖዳውነት ኣይጠፍእን ወይ ኣይሕከኽን እዩ። ብሓባር ፍቓድ እግዚኣብሔር ንምድላይ ዘኽእል እዩ።
ክልተ መርገጺ ኣሎ ዝብል ኣዘራርባ ይስማዕ ኣብ ዝቐርብ ሓሳብ ዝርአ ፍልልይ በዚ ኣገባብ እዚ ኣይኮነን ክንበብ ዘለዎ፡ ምኽንያት በዚ ኣናብባ እንተድኣ ከይድና ቤተ ክርስቲያን እዩ ዘጥፍእ። ከም ማሕበረሰብ - ቤተ ክርስቲያን እቲ ጉዕዞ ሓባራውነት እዩ!
ብሓባር ምጉዓዝ
ብሓባር ምጉዓዝ ክበሃል እንከሎ ብጭቡጥ እንታይ ማለት እዩ? ክርስቶስ ማእከል ዝገበረ ምምልላስ እዩ፡ ብየማን ብጸጋም ወይ ቅድሚት ዝኸዱን ድሕሪት ዝጸንሑ እውን ኣለዉ፡ ይኹን እምበር ብሓባር ምኻድ ንቡር እዩ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጠሩ ዝተወሰኑ ውጥረታት ንቡር ምዃን ክንመሃር ኣሎና። እዚ ንገዛእ ርእሱ ቤተ ክርስቲያን ንህዝቢ ቀረባ ምዃና ዘመላኽት እውን እዩ። ምኽንያት ኩሉ ሰብ ኣብ ኩለን ኣህጉራት ኣብ ኩሉ ጉዳያት ብሓደ ዓይነት መገዲ ኣይኮነን ዝሓስብ፡ ስለዚ ብብዙሕ ኣኽብርቶ ምስማዕ ኣገዳሲ እዩ። ንዝተፈላለዩ ባህልታት እውን። ፍቓድ ኣምላኽ ምምድላይ ንቕድሚት ዝኸይድ መገዲ ብሓባር ንምውሳን ማለት እዩ። ብየማን ይሃሉ ብጸጋም ወይ ቅድሚትን ድሕሪትን እቲ ማእከል ክርስቶስ ስለ ዝኾነ ስለዚ በቢ ሸነኾም ምስ ክርቶስ እዮም ዝመለላለሱ ከካብ ዝሸነኽካሉ ነቲ ማእከል ዝኾነ ክርስቶስ ኢኻ እትጥምት` ኩሉ ኣካል ማሕበረሰብ እዮም፥ በቲ ማእከል ዘሎ መንጽር ኢኻ ትናበብን ትረአአን። ክርስቶስ ብሓቂ ማእከል ካብ ኮነ መንፈስ ቅዱስ ድማ እቲ ዝሞተን ዝተንስኤን ጐይታ ኣብ ማእከል ምህላዉ መጋበርያን ዋሕስን እንተኾይኑ - ኩላትና ልኡካን ደቀ መዝሙር ኢና!
ሓድሽነት መድርኽ ኣህጉር
ተመክሮን ከምኡ እውን ሓድሽነትን ኣህጉራዊ መድርኽ ሲኖዶስ እንታይ እዩ ነይሩ? ጽቡቕን እቶም ዝተፈላለዩ መንበረ ጵጵስናታት ብደረጃ ዝተፈላለያ ኣህጉራት እንታይ ከም ዝሓስቡ ዘርእይ እዩ፡ ፍልልያት ርኢና ኢና። ብጀካ ኣፍሪቃ እቲ ኣህጉራዊ መድርኽ ምስሊ ዳስ እዮም ዝተጠቐመ፡ ኣፍሪቃ ግና እቲ ዳስ ምስ መእለዪ ስደተይናታት ዝተእኣሳሰረ ናይ ሕሰምን ድኽነትን ምልክት ብምዃኑ ምስሊ “ስድራ ቤት እግዚኣብሔር” ዝብል መግለጺ እያ ዝመረጸተ፡ . . .
ትጽቢታት
ካብቲ ናይ ሲኖዶስ ዕዮ መካየዲ ‘ናይ መዛተይ ሰነድ’ እንታይ ክንጽበ ይግባእ? ቅድም ቀዳድም እቲ ናይ ዘተ መጋበርያ ሰነድ ሓጺር እዩ፡ ምእንቲ ኩሎም ኣባላት ሲኖዶስ ሓሳቦም ክገልጹን ከካፍሉን ኣብ ተሳትፎ ዝሕግዝ እዩ። . . . ካብ ክልተ ዓመት ኣትሒዙ ዝተበገሰ እውን ብምዃኑ . . . እግዚኣብሔር ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓለም ንቤተ ክርስቲያን ዘቕርቦ ጻውዒት ብሓቂ ክንርዳእ ግዜ ኣሎና . . . ።
ብጭቡጥ ኣብ መንጎ ሕጂን መስከረምን እንታይ እዩ ዝግበር ወይ ዝኸው? እቲ ጽሑፍ ናብ ኩሎም ተሳተፍቲ ክቐርብ እዩ። ስለዚህ ብዙሕ ስራሕ እዩ ዝጽበየና ዘሎ፣ ሓደስቲ ባእታታት ብዙሓት ስለ ዝኾኑ ነጥቢ ብነጥቢ ክንርእዮ ኣሎና። . . . እቲ ናይ ምወዳእታ ውሳኔ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምዃኑ ኣብ መወዳእታ ናብኦም እዩ ዝለኣኽ . . . ።
ብዘይ ጳጳሳት ወይ ኣንጻር ጳጳሳት ዝካየድ ሲኖዶስ የሎን። ብዘይ ጴጥሮስ ወይ ኣንጻር ጴጥሮስ እውን ዝበሃል ወይ ዝካየድ ሲኖዶስ የሎን። ኩሉ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ ዝቐርብ። ከምዚ እንተዘይኮይኑ ክንቕጽል ኣይንኽእልን፡ ካቶሊካውያን ኢና ካቶሊካውያን ኮይና መታን ክንቀጽል። እዚ እዩ እቲ ነቕ ዘይብል ድሌትና።
ናብ ወሰናስን ዘለዉ ምውፋር
ኣብ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ኣብ ዝካየድ ኣኼባታት ትሳቲፍኩም ኢኹም። ልብጥ ዝበለ ምላሽ ወይ ተቓውሞ ኣጋጥሙኩም ድዩ? ክልተ ፈተናታት ኣስተብሂለ፡ እቲ ቀዳማይ ንኹሉ ኣብቲ ናይ ቀደም ቅዲ ምውህሃድ እዩ። . . . ክግበር ዘለዎ ብምፍጻም ብዘይ ምጭናቕ . . . እዚ ሲኖዶስ እዚ ሲኖዳውነት ውህደት ተሳትፎን ተልእኾን ዝምልከት እዩ፡ ስለዚ ዘይትንክፎም ኣርእስታት ኣለዉ፡ እቶም ዘይተዘተየሎም ድማ ናብ ር.ሊ.ጳ. ከነመሓላልፎ ኢና . . . እቲ ሲኖዶስ ሲኖዳውነት እዩ ዝኸውን፡ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።
(Andrea Tornielli)