ድለ

ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ንዝመክር ሲኖዶስ ናይ ዕዮ - ሰነድ ኣጽዲቑ ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ንዝመክር ሲኖዶስ ናይ ዕዮ - ሰነድ ኣጽዲቑ 

ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ንዝመክር ሲኖዶስ ናይ ዕዮ - ሰነድ ኣጽዲቑ

እዚ ካብ ዕለት 10 – 11 ግንቦት ዝተኻየደ ኣኼባ፥ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ምስቲ ኣብ ፍሉያት ኣቢያተ ክርስቲያናት ምስ ህዝበ እግዚኣብሔር ዝተኻየደ ምምኽካር ስዒቡ ዝመጹ ምዕራፋት ምስትውዓልን ዘጠቓለለ

ስሩዕ ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ነቲ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ንዝመክር ሲኖዶስ ዝምልከት ናይ ዕዮ መዛተዪ ሰነድን ከምኡ እውን ናይቲ ሲኖዶስ ናይ ዘካይዶ ኣኼባታት ስነ ኣገባብ ከም ዝሓንጸጸን ኣብ ዋዜማ ሲኖዶስ ማለት ዕለት 30 መስከረም ዝካየድ መደብ ጸሎት ኣማእኪሉ ከም እተመያየጠ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጸሎትን ብውልቃዊ ኣስተንትኖን ህሞታት ዝተለለየ “ዓቢ ሕውነታዊ ሃዋህው” ኣብዚ ሰሙን እዚ ስሩዕ ጉባኤ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣብ ሮማ ኣኼባ ከም ዘካየደን ብዛዕባ ናይቲ ሶኖዳውነት ኣማእኪሉ ናይ ዝካየድ ሲኖዶስ ናይ ዕዮ ሰነድ ከም እተመያየጠ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ ክሕተም ተዳልዩ ዘሎ ሰነድ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ፈላማይ ኣኼባ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝካየድ ዘተ ዝመርሕ ኮይኑ፥ እቲ መደበይና ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ንካልኣይ ክፋል ሲኖዶስ ናይ ዕዮ ሰነድ ንኸዳሉ ክእከብ እውን ከም ዝኾነ ገሊጹ፥ እዚ ካብ ዕለት 10 – 11 ግንቦት ዝተኻየደ ኣኼባ፥ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ምስቲ ኣብ ፍሉያት ኣቢያተ ክርስቲያናት ምስ ህዝበ እግዚኣብሔር ዝተኻየደ ምምኽካር ስዒቡ ዝመጹ ምዕራፋት ምስትውዓልን ዘጠቓለለ ከም ዝኾነን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ማርዮ ግረች ከም ዝገለጽዎ፥ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝካየድ ሲኖዶስ መዛተዪ ናይ ዕዮ ሰነድ ፍረ ናይቲ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ቤተ ክርስቲያን ዝተኻየደ ናይ ምስማዕ መስርሕ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፥ ብተወሳኺ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ እቶም ኣብቲ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ካብ ዕለት 1 – 3 ጥቅምቲ ንኸካይድዎ ተመዲቡ ዘሎ ዛዕባ መንፈሳዊ ሱባኤ እውን ሓበሬታ ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ።

13 May 2023, 16:41