ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ‘ውጽኢታዊ ገባሬ ሰላም’ እዮም ነይሮም

“ብሓቂ ቤተ ክርስቲያን ፖለቲካዊ ዝክረ ነገራት ወይ ምርጫታት ቀጽሪ ዘይብላን ዘይትጽበን ዘተ እተነቓቕሕን ብሓይሊ ኣጽዋር ዘይኮነ ብሓይሊ እምነት እትዛረብን ብቅድስናን ጸሎትን ንሰላም እቲ ዝበርትዐ ቅልጽም” እትነብር እያ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጽዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ “ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ፥ ብስነ ታሪኽን ቲዮሎጊያን መጽናዕት” ብዝብል ኣርእስት ዝተደርሰ መጽሓፍ ንንባብ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ኣብተን ናይ 34 መዓልታት ር.ሊ.ጵጵስናኦም ከም ገባሬ ሰላም ንዘበርከትዎ ዘይተኣደነ ጽልዋ ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ናይ ር.ሊ.ጵጵስና ስልጣኖምን ኵላዊ ጒስነቶምን ኣብ ዝሓጸረ መዓልታት ዘብቀዐ እውን እንተነበረ፡ ንድፊ ናይ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ንምድልዳል ምንጩ ወንጌል ዝኾነ ንሰብኣዊ ሓቅታትን ጽምኢ ፍቕርን ቀረባ ብምዃን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ዓለም ዘበርከትዎ ሎሚ እውን ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን መወከሲ እዩ” ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊን ማሕበር ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ኣቦ መንበርን ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም ኣብቲ ቨነዚያ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ካ ፎስካሪ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ፥ ነታ ብስተፋኒያ ፋላስካን ፍላቪያ ቱዲኒን ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ትምህርቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ቀጻልን ህያውን ምዃኑ እዩ ዘርኢ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቫቲካናዊ ማሕበር ‘ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ‘ቫቲካናዊ ማሕበር ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ’ ዕለት 17 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ክቐውም ከም ዝገበሩን እዚ ኸኣ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሉቻኒ ጽሑፋት ከም ቅርሲ ክዕቀብ ቲዮሎግያውን ስነ ቤተ ክርስቲያናውን ባህላውን መንፈሳውን ውርሻታቶም ምሉእ ብምሉእ ክጽናዕን ክመሓላለፍን ካብ ዝብል ድላይ ነቒሎም ዘቖምዎ ማሕበር ምዃኑ ዜና  ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥ ኣብዘን ሰለስተ ዓመታት ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን በቲ ዝመርሕዎ ማሕበር ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ኣቢሎም፡ ኣብ ዙሪያ ኣልቢኖ ሉቺያኒ መጽናዕቲ ክካየድ ብምትብባዕ፡ ጽሑፋቶም ሰነዳቶም ናይ ብሕቲ ማህደርን ናይ ቨነዚያ ፓትሪያርክ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ሓዲጎምዎ ዝሓለፉ ታሪኾም ዝነገር ዘበለ ኵሉ ሰነዳት መሰረት ሰፊሕን ዓሚቝን መጽናዕቲ ክካየድ ከም ዝገበረን፡ ብመንጽር እዚ ኩሉ ጻዕርታት ንቤተ ክርስቲያን ንቕድሚት ዘሰጋገረን ናብ ምንጪ ወንጌል ምምላስን ነዚ መሰረት ዝገበረ ተልእኾ ወንጌል ዘተባብዑን ምዃኖን ብጹዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሓቢሮም፡ ኤጲስቆጶሳዊ ምትሕብባር ኣገልግሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንድኻታትን ዘተ ምስ እዋናዊ ዓለም ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝኣመተ ዘተ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ሰላም ዘማከለ ርክባት ዘተባብዑ እዮም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውርሻ ስልጣናዊ ትምህርቲ

“ሎሚ ብመንጽር ምንጭታት ማህደር፡ ኣህጉርዊ ምርምርን ዓሚቕ መጽናዕትን ውርሻ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀድማዊ ንምንድፋዕ ዘኽእል ብምቕራቡ” ኣብ መደረኦም ኣመስጊኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 13 ግንቦት ምስ ክፍሊ መጽናዕቲ ሃምነናዊ ቲዮሎጊያ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያና ብምትሕብባር ንመጀመሪያ ግዜ መጽናዕታዊ ጉባኤ ምሉእ ብምሉእ ንስልጣናዊ ትምህርት ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ዝተወፍየ ናይ ማህደር ሰነዳት መሰረት ዝገበረ ስልጣናዊ ትምህርቶም የስፍሕ ምህላዉ ኣዘኻኺሮም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ናይ ቅንዕና ከውሒ” እንክብሉ ከም ዝገግለጽዎም ኣመላኺቶም፥ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዕርቅን ሕውነትን ኣብ ምዕባይ ኣብዛ ጸገማት ዝመልኣ ዓለም ሰላም ንምሕላውን ንምዕባይን ንምትሕብባር ብምዕዳም ከምኡ እውን እቲ ሞትን ማህሰይትን ዝዘርእ ዕዉር ዓመጽ እውን ክቋረጽ ዝጸዓሩ ኣዮም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጻዕሪ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንኽህሉ ዝድግፍ ዘቕረብዎ ብዙሕ ጻውዒትን ንመጀመሪያ ግዜ ዕለት 10 መስከረም 1978 ዓ.ም. ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ምእንቲ ሰላም ክጽልዩ ቅዱስ መጽሓፍን ቁርዓንን ጠቒሶም ዘቕረብዎ ጻውዒት . . . ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቃል ኢየሱስ ጠቒሶም “ገበርቲ ሰላም ብጹዓን እያቶም . . . እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ሰላም ኣብ ልቢ ኩሉ ተሓቲሙ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝቕጽል ዘሎ ተግባር ምዃኑ ገሊጾም፥

ምስ ርእሰ ብሔር ጂሚ ካርተር

ዕለት 20 መስከረም ንጳጳሳት ኣርጀንቲና ቺለን ተቐቢሎም ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ኣማእኪሎም፡ ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ናይ ሰላም ጻዕሪ ከም ዘዘኻኸሩን እቲ ምስሕሓብ እውን ሳላ መንጎይናነት ቅድስቲ መንበር ከም እተኣለየ ኣዘኻኺሮም፥ ካብ ዕለት 5 – 17 መስከረም ኣብ ከምፕ ደቪድ ናይ ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ጂሚ ካርተርን ርእሰ ብሔር ምስሪ ኣንዋር ኤል ሳዳትን መራሔ መንግቲ እስራኤል መናቸም በጊን ዝካየድ ንዝነበረ ናይ ሰላም ዘተ ደገፎም ከም ዝገለጹን፡ . . . ዕለት 6 መስከረም ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ . . . ነቲ ናይ ከምፕ ደቪድ ናይ ዘተ መድርኽ “ንልበይ ኣዚዩ ዝቐረበ  ዝኾነ ዕላማ” እንክብሉ ገሊጾም፥ “ንፍትሓውን ምሉእን ሰላም መገዲ ዝጸርግ እዩ” ከም ዝበሉን  ካርዲናል ፓሮሊን የዘኻኽሩ።

ምስጋና ንስለ ቅርበቶምን ጸሎቶምን

ዕለት 17 መስከረም ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ጂሚ ካርተር ንዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ስለ ጸሎቶም ኣመስጊኖም፡ ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንጻዕርታቶም ኩሉ እውን ጠቒሶም ካብ “ጸሎትኩም ትብዓት ረኺብና” ከም ዝበሉን ንጻዕርታት ቅድስቲ መንበር እውን ከም ዘመስገኑ ገሊጾም፥

ጽልዋ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓለም

ኣገልግሎት ኵላዊ ግብረ ሰናይን ሰገራውያን ክብርታት ኣብ ምድንፋዕን ዕለት 3 መስከረም ከም ር.ሊ.ጳጳሳት ንፈለማ ግዜ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፥ “ቤተ ክርስቲያን ንኹሉም ህዝብታት ምድሪ ትሕትቲ ልእኽቲ ወንጌል” እንክብሉ ከም ዝገለጽዋን እዚ ወንጌል እዚ ድማ  ‘ፍትሕን ሕውነትን ምትሕብባርን ተስፋን” ዝብል ኮይኑ፡ ብዘይ እዞም ክብርታት ኣዚኣቶም ዓለም ክትንበር ዘይሕሰብ ምዃኑ ከም ዘጉልሑን ዮሓንስ መበል 23 ኣብታ ሰላም ኣብ ምድሪ ዘርእስታ ዓዋዲት መልኽቶም ኣብቲ እዋን ናይ ቨነዚያ ፓትሪያርክ ዝነበሩ ኣልቢኖ ሉቻኒ ናይ ጥበብ ቃላቶም ከም ዝዘከሩን ተስፋና ከም ዩጦቢያ ወይ ግዚኡ ዝሓለፎ ከም ዘይኮነን . . . ሃብቲ ሃገር ካብ ንጥፋኣት ንልምዓት ክውዕል እዚ እውን መገዲ ሰላም ከም ዝኾነን ሰላም ንደሊ እንተድኣ ኮይንና ሰላም ዝዕንቅፍ ዘበለ ኩሉ ዝንባለታት ምውጋድ ከም ዘድሊ ዝመሃሩ እዮም እንክብሉ ኣብ መደረኦም ከም ዝዘከርዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅድስናን ጸሎትን ንሰላም

“ብሓቂ ቤተ ክርስቲያን ፖለቲካዊ ዝክረ ነገራት ወይ ምርጫታት ቀጽሪ ዘይብላን ዘይትጽበን ዘተ እተነቓቕሕን ብሓይሊ ኣጽዋር ዘይኮነ ብሓይሊ እምነት ምዝራብን ብቅድስናን ጸሎትን ንሰላም እቲ ዝበርትዐ ቅልጽም” እትነብር እያ እንክብሉ ገሊጾም፡ እዚ እውን ኣብዛ ሎሚ እንነብረላ ዓለም ኣብ ትሕቲ ምድንጋር ስልጣን ኣብ ትሕቲ ደረቕነትን ዘይምግዳስን ደረት ኣልቦ ጽምኢ ፍትሕን ሰላምን ዝኾነ እቲ እንኮ ውጽእታዊ ኣጽዋር ቢሉ ዝኣምን” ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ቅድስናን ጸሎትን ንሰላም ኣገዳሲ እዩ፥ ኣብዚ መዳይ እውን ኣብነት ከም ዝነበሩ ገሊጾም፥ ንሓጺር እዋን ጥራይ እኳ ንቤተ ክርስቲያን እንተመርሑ ኣብ ሓጺር ግዜ ጥራይ ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን ዝህቦ ኣግልግሎት ግብረ ሰናይ ሎሚ እውን ንቤተ ክስቲያን ዘይበርስ መወከስን ዘሐይላን እዩ” እንክብሉ ዝስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 May 2023, 16:26