ሊቀ ጳጳሳት ፕረቮስት፥ “ጳጳስ ጓሳ እምነር ኣካያዲ ስራሕ ኣይኮነን”
እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ዝተሾሙ ሓድሽ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሮበርት ፕረቮስት ምስ ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ትምህርቲ ንጭነቕ ኢና፡ ኣድላይነት ትምህርቲ ከምዘለዎ እንተኾነ፡ ግን ቀዳማይ ግዴታና ከም ጳጳስ ንኢየሱስ ምፍላጥ ዘለዎ ጽባቐን ሓጎስን ምትሕልላፍ ምዃኑ ክንርስዕ የብልናን” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት የዘኻኽሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳስ ሮበርት ፕረቮስት ኣብ መበል 67 ዓመት ዕድመኦም ናይቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓድሽ ህየንተ ኮይኖም ብር.ሊ.ጳ. ዝተሾሙ፥ መነኮስ ኣባል ናይ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ማሕበር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ቺካጎ ዝተወለዱ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ኣብ ላቲን ኣመሪካ ልኡኽ ወንጌል ካብ ምዃን ሎሚ ናይቲ ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምምራሕ እንታይ ትርጉም ኣለዎ? ሎሚ እውን እንተኾነ ንገዛእ ርእሰይ ከም ልኡከ ወንጌል እየ ዝሓስብን ዝርእን፡ ጸዋዕታይ ከም ናይ ኩሉ ክርስቲያን ወንጌል ምእዋጅ እዩ። ብርግጽ ህይወተይ ብዙሕ ተቐይሩ እዩ። ሎሚ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ከገልግል ዕድል ኣሎኒ፥ ማለት ብቐረባ! ኣብ ሮማዊ ኩርያ ኮይነ ማለተይ እዩ። ካብቲ ቅድም ዝነበረኒ ተልእኾ ዝተፈልየ ግን ከኣ ንሓደ ሸነኽ ህይወተይ ክነብሮ ሓድሽ ዕድል እውን እዩ፡ ቅዱስነቶም ነዚ ሓድሽ ሓላፍነት ምስ ጸውዑኒ፥ ሕራይ ዝብል መልሲ እየ ዝሃብኩ፡ በዚ መንፈስ ተኣዝዞ እዚ ድማ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመትን ፈረቓን ከም ጳጳስ ዳርጋ ዕስራ ዓመት ከም ልኡከ ወንጌል ኣብ ፐሩ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ድማ ሓድሽ ተልእኾይ ኣብ ኩርያ ሮማና እጅምር ኣለኹ።
ንቤተ ክርስቲያን ንዘመንና ዝኸውን “ናይ ሓደ ጳጳስ መለለዪ” ከተቕርቡልና ትኽእሉ ዶ? ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ‘ካቶሊክ’ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያት ሓደሓደ ግዜ ናይ ሓደ ከባቢ ጳጳስ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰበኻዊ ሸነኽ ጥራይ ከተኩር ኣብ ሓደጋ እዩ ዝወድቕ፡ ሓደ ጳጳስ ግን ኣዚዩ ዝሰፍሐ ራእይ ቤተ ክርስቲያንን ክውንነትን ክህልዎ፥ ኵላውነት - ኣድማሳውነት ቤተ ክርስቲያን ክመሃር ይግባእ።
ንብጻዩ ክሰምዕን ምኽሪ ናይ ምሕታት ክእለት ዘለዎ ከምኡ እውን ስነ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ብስለት ዘለዎ፥ ሓደ መሰረታዊ ባእታ ስእሊ ጳጳስ፥ ካብቶም ጳጳሳት ኣቦን ሓውን ክኾንዎ ንዝግብኦም ካህናት ጀሚርካ ምስ ማሕበረሰብ ምእመን ቅርበት ዘለዎ ጓሳ ምዃን እዩ። ንኹሉ ምቕራብ - ንማንም ከየግለልካ ምንባር። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ኣርባዕተ ዓይነት ቅርበት ዝበለዎ፥ እዚ ድማ ምስ እግዚኣብሔር ምስ ኣሕዋት ጳጳሳት ምስ ካህናት፡ ምስ ኩሎም ህዝበ እግዚኣብሔር ዝብሉ እያቶም፡ ሓደ ሰብ ተነጺሉ ኣብ ዓቢይ ህንጻ ተፈልዩ ብዝተወሰነ ማሕበራዊ ደረጃ ወይ ብዝተወሰነ ደረጃ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዕጉብ ኮይኑ ክነበር ንዝብል ፈተና ኢዱ ክህብ የብሉን።
እቲ ዘሎና ስልጣን፥ ናይ ምግልጋል ስልጣን እዩ፥ ኣብ ምግልጋል ዝለዓለ ምዃን፡ ንካህናት ዘሰንዩ ጓሶትን መምሃራንን ምዃን እዩ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ምምሃር ትምህርቲ፡ እምነትና ኣብ ዝገልጽ ትምህርትታት ንጽመድ እቲ ቀዳማይ ዕማምና ንኢየሱስ ክርስቶስ ምፍላጥ እንታይ ማለት ምዃኑ ምምሃርን ምስ ጎይታ ዘሎና ቅርበት ምምስካርን ምዃኑ ኣብ ምርሳዕ ሓደጋ ንነብር፥ እቲ ቀዳማይ ክኸውን ዘለዎ ግን ንሱ እዩ። ጽባቐ እምነት፣ ንኢየሱስ ኣብ ምፍላጥ ዘሎ ጽባቐ ንምትሕልላፍን እዩ፥ ስለዚ ብቐዳምነት ኣብዚ ጽባቔ ምኩሩ ኮይንካ ምርኻብ የድሊ እንክብሉ መለለዪ ሓደ ጳጳስ ይሕብሩ።
ኣብዚ ኣብ ኤቅለስያዊ ማሕበረሰብኣውን ውልትናውና እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ጳጳስ ኣብ ዙሪያ ተኸታሊ ጴጥሮስ ዝገብርዎ ናይ ሓድነት ኣገልግሎት ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ? እተን ኣብ ዕዮ ሲኖዳውነት እንጥቀመሉ ዘለና ሰለስተ ቃላት፥ ማለት ተሳትፎ - ሱታፌ - ተልእኾን መልሲ እያተን። ጳጳስ ነዚ መንፈሳዊ መስህ ከነብርን ናይ ሕብረት መንፈስ ክነብርን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት፡ ምስ ር.ሊ.ጳ. ሓድነት ከስፍሕ ይጽዋዕ። እዚ እውን ካቶሊክ ምዃን ማለት እዩ። ምኽንያቱ ብዘይ ጴጥሮስ ቤተ ክርስቲያን ኣበይ ኣላ? ኢየሱስ ነዚ ኣብ ናይ መወዳእታ ድራር ‘ኩሎም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ’ ቢሉ እዩ ዝጸለየ፡ እዚ ሓድነት እዚ ድማ እዩ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክንርእዮ ንደሊ።
ሎሚ ሕብረተሰብን ባህልን ካብቲ ናይ ኢየሱስ ራእይ ኣርሒቑ ይወስደና ኣሎ፡ እዚ ድማ ኣዚዩ ብዙሕ መጉዳእቲ የስዕብ። ሓድነት ዘይምህላው ንቤተ ክርስቲያን ዘሳቕያ ቍስሊ እዩ፡ . . . ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጠር ምፍልላይ ክትዓትን ዋላ ሓንቲ ኣይሕግዝን እዩ፡ ብፍላይ ንሕና ጳጳሳት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናብ ሓድነትን ሱታፌን ዝወስድ ስጉምቲ ከነቀላጥፍ ይግባእ።
መስርሕ ምሻም ሓደስቲ ጳጳሳት ክመሓየሽ ይኽእል ድዩ? እቲ ‘ሁሩ ወመሃሩ’ ዝብል ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ኣባላት ህዝበ እግዚኣብሔር ክሳተፉ ከምዘለዎም ይገልጽ። እዚ ድዩ ዝኸውን ዘሎ? ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣባላት ኩሪያ ሮማና መሳጢ ኣስተንትኖ ነይሩና እዩ። ጳጳስ ወይ ካህን ጥራይ ዘይኮነ ኣባላት ህዝበ እግዚኣብሔር እውን ይስምዑ ኣለዉ፡ እዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ጳጳስ ንሓንቲ ፍልይቲ ቤተ ክርስቲያን ከገልግል ስለ ጽዋዕ። ስለዚ ንህዝበ እግዚኣብሔር ምስማዕ ኣግዳሲ እዩ፣
ሓደ ሕጹይ ኣብ መንጎ ህዝቡ ብዝኾነ ሰብ እንተዘይተፈልጠ ብሓቂ ናይ ሓደ ማሕበረሰብ ናይ ሓደ ከባብያዊ ቤተ ክርስቲያን ጓሳ ክኸውን ኣጸጋሚ እዩ። ዘይከኣል ዘይኮነስ ከቢድ እዩ ዝኸውን። ስለዚ እቲ መስርሕ ንዝተፈላለዩ ኣባላት ሕብረተሰብ ምስማዕ ቁሩብ ክፉት ክኸውን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ግን ጳጳስ ክትከውን ክትጽዋዕ ውጽኢት ደሞክራሲያዊ ድምጺ ማለት ኣይኮነን፡ እዚዩ ሰፊሕ ኣርአእያ ዘለዎ እዩ። ሓዋርያዊ ቃላት ድማ ኣብዚ ብዙሕ ይሕግዝ። ኣነ ዝኣምኖ በብቑሩብ ናብ ዝዩድ ክፉታት ክንከውን ከም ዘሎና እዩ። ንገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናንን ምስማዕ የድሊ።
ሓደ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተኣታተዉዎ ሓድሽ ነገር፡ ከም ኣባላት ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ክልተ ደናግልን ሓደ ዓለማዊ ምእመን ምሻም እዩ፥ ብዛዕባ ኣበርክቶኦም እንታይ ትብሉ? ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ርእይቶኦም ዘሀብትም ምዃኑ ርኢና ኢና፡ እተን ክልተ ገዳማውያትን እቶም ሓደ ድማ ዓለማዊ ምእመን፥ ሓደሓደ ግዜ እቲ ዘለዎም ኣርኣእያ ምስ ካልኦት ኣባልት ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ዘቕርብውዎ ሓሳብ ፍጹም ይጋጠም። ኣብ ካልእ እዋን ድማ ርእይቶኦም ኣረኣእያኦም ካልእ ኣረኣእያ ዘተኣታቱ ይኸውን ስለዚህ እዚ ኣብቲ መስርሕ ዓቢይ ኣገዳስነት ኣለዎ። . . . እርኣእያ ብዝተፈላለየ ኩርናዕ ዘርእይ እውን እዩ።
እቲ ሓድሽ ግህሰት ዝምልከት ሕጊ ናይ ጳጳሳት ሓላፍነት ኣዕብይዎ እዩ፡ ብቑልጡፍ ስጉምቲ ክወስዱን ንዝኾነ ምድንጓይን ሸለል ምባልን መልሲ ክህብሉ ዝጽውዕ እውን እዩ። ነዚ ዕማም እዚ ጳጳሳት ብኸመይ ይርእዮ? ድሮ ንዓመታት ጽቡቕ ስራሕ ዝፍጸመሉን እቲ ዝወጸ ሕጊ እውን ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ቦታታት ኣሎ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ገና ብዙሕ ክንመሃር ከምዘሎና እየ ዝኣምን። ብዛዕባ ህጹጽነትን ሓላፍነትን ምስናይን ግዳያት እየ ዝዛረብ ዘለኹ፥ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ግዜ ዘጋጥም ጸገማት እቲ ጳጳስ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ምስ ካህናት ቅርበት ዘለዎ ክኸውን ይግባእ። ምስቶ ግዳያት እውን ከምኡ፡ ገሊኦም ግዳያት ዝቕበል ጳጳስ ከይከውን ይመኽሩ፡ ግናኸ ነቶም ብግፍዒ ዝተሳቐዩ ሰባት ልብና ማዕጾ ቤተ ክርስቲያን ክንዓጽው ኣይንኽእልን ኢና። ሓላፍነት ጳጳስ ዓቢይ እዩ፡ ሕጂ ነዚ እውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ቃንዛ ዘስዕብ ዘሎ ኩነታት ንምምላስ ዓቢ ጻዕሪ ክንገብር ዘሎና ይመስለኒ፡ ግዜ ክንወስድ የብልናን፡ ምስተን ካልኦት ናይ ኩርያ ሮማና ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ብሓባር ክንሰርሕ ንጽዕር ኣሎና።
ነዚ ጉዳይ እዚ ንምግጣም ዘድሊ ምድላው ዘይረኸቡ ጳጳሳት፡ እዚ ንምምሕያሽ ድማ ናይቲ ብኣኦም ዝምራሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ግደ ምዃኑ ገሊጾም ነዚ ዝያዳ ሓላፍነት ዘለዎምን ተሃዋስያን ክንክነው ህጹጽ ኣድላዪ እዩ። እዚ ስራሕ እዚ እውን ብርግጽ ነቲ ኣብ መንጎ ካልኦት ባህልታት ዘሎ ፍልልያት ግምት ዝህብ እኳ እንተኾነ፥ ንኣብነት ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ምዝራብ ዘይፈቅድ ባህላዊ ጸቕጢ ነይሩ እዩ፡ ኣሎ እውን፡ ይኹን እምበር እዚ መሰናኽል እዚ እውን እናተሰገረ እዩ ዘሎ፣ ነቶም ግዳያት ከነሰንዮም ክንሕግዞምን ይግባእ፡ እንተዘይኮይኑ ቁስሎም ፈጺሙ ኣይክሓውን እዩ፥ ኣብዚ ኩላትና ዓቢይ ሓላፍነት ኣሎና።
ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ናብ ሲኖዶስ ዝመርሕ መገዲ ተጸሚዳ ኣላ፡ ኣብዚ ግደ ጳጳስ እንታይ እዩ? ኣብዚ ር.ሊ.ጳ. ዘተኣታትውዎ ዘለዉ ቀጻሊ ሕዳሴ፥ ገለ ገለ ጳጳሳት ቤተ ክርስቲያን፥ ናበይ ከም እትኸይድ ስለ ዘይፈልጡ ዘለዎም ፍርሒ ብግልጺ ዝዛረቡ ኣለዉ፡ እዚኣቶም ምናልባት ኣብቲ ቀደም ዝነበረ ውሕስነት መልሲ ዝረኽቡ ኮይኑ ስለ ዝስምዖን ክኸውን ይኽእል።
ኣብዚ እዋን እዚ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣዚዩ ህልው ስለ ዝኾነ፡ ናብ ሕዳሴ ባዕሉ ይደፍኣና ኣሎ፡ ስለዚ ድማ ነቲ ኣነ ዝብሎ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ናይ ምንባር ዓቢይ ሓላፍነት ጸዋዕታ ከም ዘሎና ብሓቂ እኣምን። መስርሕ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ገለ ኣገባባት ምቕያር ጥራሕ ኣይኮነን፡ ምናልባት ቅድሚ ውሳነ ምሃብካ ዝያዳ ኣኼባታትን ምኽኽርን ምክያድ እዩ፣ ካብኡ ንላዕሊ እውን።
ነዚ ብኸመይ ኢና እንበጽሖ? ንሓድሕድና ክንሰምዕ ክንክእል ኣሎና፡ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ምዝታይ ወይ ንዓይ ወይ ንኻልኦት ዝምስጡ ጉዳያት ንምስፋሕ ጥራይ ዝግበር ሕቶ ከም ዘይኮነ ክንፈልጥ ኣሎና። . . . ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝደልዮ ንምፍላጥ ነዚ ብሓቂ ክንደልይን ክንሰምዕን ኣለና . . . ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝህቦ ህያባት መንፈሳዊ መስህብ ዋጋ ምሃብ . . . እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተመክሮ እዩ። . . . ሲኖዳውነት ብሓባር ነቲ ጐይታ ዝሓትተና ኣብዚ ግዜና እዚ ምድላይ ማለት እዩ ።
ቁጠባዊ ጸገማት ኣብ ሕይወት ጳጳሳት ክሳብ ክንደይ ጽልዋ ኣለዎ? ሓደ ጳጳስ ንፉዕ ኣመሓዳሪ ክኸውን ይሕተት። ወይ እንተወሓደ ንዑኡ ዝሕግዞ ንፉዕ ኣመሓዳሪ ናይ ምርካብ ክእለት ክህልዎ ይሕተት።
ር.ሊ.ጳ. ድኻን ንድኻታትን ጽጉማትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝደልዩ ነጊሮምና እዮም። ፍሉጥ እዩ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መሰረታዊ ኣገልግሎት መውሃቢ መዳያት ተዋፊራ ተገልግል እያ፥ ኣብ ገለ ገለ ከባቢ እውን ኣብቲ መንግስቲ ክብጽሖ ዘይክእል እተቕርቦ ኣገልግሎት እዩ። ብወገነይ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ሸይጣ ኣብ ጎደናታት ወንጌል ጥራሕ ክትሰብኽ ኣለዋ ዝብል ኣርኣእያ የብለይን፡ ይኹን እምበር እዚ ኣዚዩ ዓቢይ ሓላፍንት እዩ። ንኹሉ ዝምጥን ሓደ ዓይነት መልሲ የሎን። ኣብ መንጎ እተን ናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝያዳ ሕውነታዊ ሓገዝ ምድንፋዕ የድሊ . . . እቲ ዘገድስ ጸዋዕታና ፈጺምና ዘይምርሳዕ እዩ። እንተዘይኮይኑ ኣካይድቲ ስራሕ ኮይንና ኢና እንተርፍ።
ኣብ መንጎ ጳጳስን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዘሎ ርክብ ከመይ ትርእይዎ? ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቲ መልእኽቲ ወንጌል ናብ ሚሊዮናት ሰባት ንምብጻሕ ኣገዳሲ መጋበርያ ክኸውን ይኽእል። ብጽቡቕ ክንጥቀመሉ ገዛእ ርእስና ከነዳልው ኣሎና። ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ምድላው እዚ ጎዲሉ ከይጸንሕ ዝብል ስግኣት ኣሎና። ማዕረ ማዕሪኡ ሎሚ ብቐጻሊ እትቕየር ዘላ ዓለም ብሓቂ ቅድሚ ምዝራብና ወይ ቅድሚ ኣብ ትዊተር ምጽሓፍና ንምምላስ ወይውን ብህዝባዊ መልክዕ ሕቶታት ንምሕታት ጥራይ . . . መራኸቢ ብዙሓን ክፈጥሮ ዝኽእል ሓደጋን ክፈጥሮ ዝኽእል ሰናይን ዘበለን ክነስተውዕል ይግባእ . . . ማሕበራዊ መራኸቢታት ብትኽክል ምጥቃም ዓቢይ ሓላፍነት ይሓትት።ምኽንያቱ ዕድል ስለ ዝኾነ። እንተኾነ ግን ሓደጋ እዩ ዝኸውን። ኣብ ሕብረት ቤተ ክርስቲያን ድማ ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል። ስለዚ ድማ እዩ ሓደ ሰብ ኣብ ኣጠቓቕማ እዞም ኣገባባት እዚኣቶም ኣዚዩ ጥንቁቕን ንቑሕን ክኸውን ዘለዎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።