ድለ

ኣሊስተር ዳተን ሓድሽ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣሊስተር ዳተን ሓድሽ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ 

ኣሊስተር ዳተን ሓድሽ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ

ካሪታስ ቤተይን ስድራይን ጸዋዕታይን እዩ፡ ብትሕትና ክሰምዕ ከስተንትንን ድልድላት ክሃንጽ ቃል እኣቱ፡ ነቲ ዝተወሃበኒ ሓድሽ ሓላፍነት ተጠቒመ ፈደራላዊ ትካል ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ንቕድሚት ክስጉም ክድርኾ እውን ቃል እኣቱ”

ዝተፈላለያ 162 ካቶሊካውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝጥርንፍ ብካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት፡ ካብ ዕለት 11 – 16 ግንቦት መበል 22 ምሉእ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ ከም ዘካየደ ክፍለጥ እንከሎ፥ ኣብ ናይ ዕለት 15 ግንቦት ውዕሎ፥ እንግሊዛዊ ኣሊስተር ዳተን ሓድሽ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ንኽኾኑ ከም እተሓረየ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ 1996 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝሰርሑ ኣብ ሰብኣዊ ዓውዲ ናይ ልዕሊ 25 ዓመታት ተመክሮ ዘለዎም ኣሊስተር ዳተን፡ ናይቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ትካል ግብረ ሰናይ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ቢሉ ከም ዝሰመዮም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ዳተን ኣብዚ ዝተወሃቦም ሓድሽ ሓላፍነት ክሳብ 2027 ዓ.ም. ዘገልግሉ ምዃኖም ከም ዘመላኸተ ኣፍሊጡ፡

ኣብ ዓውደ ሰብኣዊ ጉዳይ ናይ ልዕሊ 25 ዓመት በዓል ተመክሮ

ዳተን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ስኮትላንድ ጨንፈር ካሪታስ ፈጻሚ ኣካል ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ከም ዝኾኑን ኣብ ልዕሊ 70 ሃገራት ዝተፈላለዩ ናይ ግብረ ሰናይ ውጥናት ዝመርሑን ካብ 2009 - 2014 ዓ.ም. ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ ሰብኣዊ ጉዳያት ሓላፊ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ መበል 11 ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ድሕሪ ምምራጾም፡ ኣብቲ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ንካሪታስ ከገልግል ንዓይ ዓብይን ፍሉይን ዕድልን ኮይኑኒ እዩ። ካሪታስ ቤተይን ስድራይን ጸዋዕታይን እዩ፡ ብትሕትና ክሰምዕ ከስተንትንን ድልድላት ክሃንጽ ቃል እኣቱ፡ ነቲ ዝተወሃበኒ ሓድሽ ሓላፍነት ተጠቒመ ፈደራላዊ ትካል ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ንቕድሚት ክስጉም ክድርኾ እውን ቃል እኣቱ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ከመላኽት እንከሎ፥ ዱተን ንመጀመሪያ ግጼ ምስ ካሪታስ ክሰርሑ ዝጀመሩን ኣብ 1966 ዓ.ም. ከም ዝኾነን ካብ ሹዕ ጀሚሮም ምስ ካሪታስ - ናብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ክጓዓዙ ከም ዝገበሮምን ካብ ኩናት ኮሶቮ ዳርፉር ዒራቕ ላይበርያን ሶሪያን ናብ እስያ ሱናሚ ኣብ ዝተኸስተሉ እዋን ኣብ ሃይቲ ርእደ መሬት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ህንድን ኢንዶነዢያን ቺለን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብቲ ስስዐን ምዝመዛን ውግእን ግጭትን ኣብ ዝፍጠረሉ ዞባታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርአ ማዕበል ምዝንባል ብሰንኪ ህጹጽ ኩነታት ለውጢ ኣየርን ከቢድ ዕንወት ኣብ ዘጋጥመሉ ዞባታት፡ ፓኪስታን ሚያንማር ህንዲ ባንግላደሽን ብዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላን ውሕንጅን ቅልውላው መግቢ ኣብ ዝረኣየሉ ከባቢ ሳሕል ክሳብ ሶማሊያ ካብ ሱዳን ክሳብ ዚምባብወን ከምኡ እውን ኣብ ፓስፊክ ዝጠልቃ ኣብ ዘለዋ ግዝኣታት ዘፍርሕ ክውንነት” ብቐረባ ክበጽሑ ከም ዝገበሮም፡ ኣብ 2014 ዓ.ም. ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ ዝሕንጽጾም ውጥናት ሰብኣዊ ሓገዝ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ካብ 2005 – 2009 ዓ.ም. ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ መደብ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሓላፊ ኮይኖም ዘገልገለ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሓድሽ ምኽትል ኣቦ መንበር ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ

ብተወሳኺ እቲ ናይ ዕለት 15 ግንቦት ውዕሎ ክሪስትይ ሮበርትሶን ሓድሽ ምኽትል ኣቦ መንበር ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኮይነን ከገልግላ ከም እተሓረያን ካብ 2019 ዓ.ም. ጀሚረን  ናይ ካሪታስ ጨንፈር ኣውስትራሊያ ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኮይነን ዝሰርሓ ዘለዋ ከም ዝኾናን ቅድሚኡ ኣብ ካሪታስ ኣውስትራሊያ ተሓባባሪት መደባት ካሪታስ ፓሲፊክን መራሒት ጉጅለ ርክባትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዘገልገላን ኣብ ሜሪ ማኪሎም ዋና ኣካያዲት ስራሕ እውን ከም ዝነበራ ዜና ቫቲካን ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

16 May 2023, 16:30