ድለ

ሳልሳይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ሳልሳይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን 

ሳልሳይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን - ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን

እቲ ናይ 2023 ዓ.ም. ዕለት 23 ሓምለ ዓመታዊ በዓል ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን “ምሕረቱ ነቶም ዝፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር” (ሉቃ. 1, 50) ብዝብል ቃለ ወንጌል ዝምራሕ ክኸውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝወሰኑ

ቤተ ክርስቲያን “ምሕረቱ ነቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር” (ሉቃ. 1, 50) ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ዕለት 23 ሓምለ 2023 ዓ.ም. ዓመታዊ ክብረ በዓል ወለዲ ቅድስተ ማርያን ቅዱስ እያቄምን ሓናን ቅድሚ ዝበዓለሉ ቁርብ መዓታት ቅድም ኣቢላ ስላሳይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን እነሓጎታትን ከተብዕል ትዳሎ ከም ዘላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ሳልሳይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን - ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ሰንበት ዕለት 23 ሓምለ ከተብዕል ትቀራረብ ከምዘላ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን በቢ ዓመቱ ኣብ ወርሒ ሓምለ ራብዓይ ሰንበት ዓመታዊ ክብረ በዓል ወለዲ ቅድስቱ ድንግል ማርያም፡ ቅዱስ እያቄምን ቅድስቲ ሓናን ዝተቐራረበ ሰንበት ክኸውን እንከሎ፡ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን - ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ክበዓል ኣብ 2021 ዓ.ም. ዝወሰኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክኾኑ እንከለዉ፥ እዚ እውን ቅዱስነቶም፥ እቶም ኩሉ ጊዜ ዝርስዑ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን “ኣብ መንጎ ወለዶታት መራኽቦ ኮይኖም ተመክሮ ህይወትን እምነትን ንመንእሰያት ዘመሓላፉ እዮም” ዝብል ዘለዎም እምነት ዘረጋግጽ እዩ።

 “ምሕረቱ ነቶም ዝፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር”

እቲ ናይ 2023 ዓ.ም. ዕለት 23 ሓምለ ዓመታዊ በዓል ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን “ምሕረቱ ነቶም ዝፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር” (ሉቃ. 1, 50) ብዝብል ቃለ ወንጌል ዝምራሕ ክኸውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝወሰኑን ድሕሪ እዚ ዓመታዊ በዓል እዚ ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ 2023 ዓ.ም, ኣብ ርእሰ ከተማ ሊዝበን “ማርያም ተንሲኣ ብታህዋኽ ከደት” (ሉቃ. 1, 39) ብዝብል ወንጌላዊ ቃል ተመሪሑ ንኽካየድ ምስ ዝወሰንዎ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝተኣሳሰረ ከም ዝኾነን፥ ማርያም ነታ ብዕድመ ዝደፈአት ዘመዳ ኤልሳቤጥ ክትረክብ እትብገስን ኣብቲ ነብሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ ዝብል ጸሎታ ድማ ሓይሊ ናይቲ ኣብ መንጎ መንእሰያትን ዓበይትን ወለዶ ዘሎ ምሕዝነት ዓው ቢላ ከም ዘበሰረት ዘዘኻኽር ምዃኑ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ሓልዮ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከም ዘስምረሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ ከም ዝኾኑን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሰበኻታትን ሃገረ ስብከታትን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ኤቅለስውያን ማሕበረሰባትን እቲ በዓል በቲ ናይ ለምዘበን መርሕ ቃል መሰረት ብናይ ገዛእ ርእሶም ጉስነታዊ ኩነታት ከብዕልዎ እውን ከም ዝዓደመ የመላኽት።

18 Apr 2023, 16:33