ድለ

ሲኖዶስ፥ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሲኖድስ መጋበርያ ዕዩ  ዘሰናድው ዓውደ ኣኼባ ሲኖዶስ፥ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሲኖድስ መጋበርያ ዕዩ ዘሰናድው ዓውደ ኣኼባ 

ሲኖዶስ፥ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሲኖድስ መጋበርያ ዕዩ ዘሰናድው ዓውደ ኣኼባ

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ቀዳምነት ክህበሎም ዝብሉ ነጥብታት ንምጉላሕ ፍረ ማሕበረሰብኣዊ ምስትውዓል ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝኾኑ ናብ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ዝተላእኩ ናይ መወዳእታ ሰነዳት

ናይ ሲኖዶስ ጉዳይ ዝክታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ንዝካየድ ጒባኤ ሲኖዶስ መዛተይ ዝኸውን ናይ መጋበርያ ዕዮ ሰነድ ንምቕራብ ዘድሊ ዕዮ ከም እተበገሰን ኣብዚ መጋበርያ ዕዮ ንምስንዳው ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ካብ ሓሙሽተ ኣህጉራት ዝተዋጽኡ ጉጅለ ክኢላታት ተረኺቦም፡ ኣብ ኣህጉራዊ መድርኽ ኣስተንትኖኦም የካፍሉ ምህላዎም ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሲኖዳውነት ኣማእኪሉ ንኽዝትይ ዝጸውዕዎ ጉባኤ ሲኖዶስ፡ መጋበርያ ዕዮ ናይ ምስንዳው ኪደት ከም እተበገሰ ዕለት 12 ሚያዝያ ካብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጉዳይ ሲኖዶስ ሓልዮ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ፥ እቶም ካብ ሓሙሽተ ኣህጉራት ዝተዋጽኡ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ዝሳተፉን ጉጅለ ክኢላታት፡ ካብ ዕለት 12 – 19 ሚያዝያ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ሲኖዶስ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተኣኪቦም ናይቲ ካብ ዕለት 4 – 29 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገር ቫቲካን ዝካየድ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ መጋበርያ ዕዮ ንምስንዳው ነቲ ብኣህጉራዊ ደረጃ ዝተሰናደዉ ሸውዓተ ኣህጉራዊ ሲኖዶሳዊ ጉባኤታት ዘመሓላለፎ ሰነድ ብዕምቆት ይምልከቱ ከምዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣህጉራዊ ጉባኤታት ሲኖዶስ

እቶም መጋበርያ ዕዮ ሲኖዶስ ንምስንዳው ዝተኣከቡ፥ ዕዮኦም ብጸሎት ድሕሪ ምኽፋት ኣስዒቦም ነቲ ኣብ ሸውዓተ ክፍለ ዓለም ዝተነብረ ተምክሮ ብሰፊሕ ድሕሪ ምልውዋጥ፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ቀዳምነት ክህበሎም ዝብሉ ነጥብታት ንምጉላሕ ፍረ ማሕበረሰብኣዊ ምስትውዓል ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝኾኑ ናብ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ዝተላእኩ ናይ መወዳእታ ሰነዳት ብዝርዝር ክትንትን እዩ። እዚ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ዝስነይ ኣሰናዳኢ መጋበርያ ዕዮ ሲኖዶስ፥ ዘካይዶ ዘሎ ኣኼባ ዕጽው ከም ዝኾነን ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ ዕለት 20 ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ጋዜጣዊ መግለጺ ክወሃብ ከም ዝኾነን ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ብዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ብቐጥታ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ክመሓላለፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተሳተፍቲ

ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ናይቲ መጋበርያ ዕዮ ሲኖዶስ 2023 ዓ.ም. ንምስንዳው ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ርክብ ተጋባእያን፡ ብቐዳምነት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረች፡ ናይ ሲኖዶስ 2023 ዓ.ም. ኣፈ ጉባኤ ብጹዕ ካርዲናል ዛን ክላውድ ሆለሪኽን፥ ናይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሲኖዶስ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ልዊስ ማርቲን ደ ሳን ማርቲን፥ ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ እናቴ ናታሊ በኳርት፡ ካብ ኣውስትራሊያ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ቲሞትይ ካስተሎኤ፥ ካብ ኣፍሪቃ ብጹዕ ኣቡነ ሉቾ ኣንድረስ ሙዋንዱላ፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዕ ኣቡነ ዳኔል ፍሎረስ፥ ኢጣሊያዊ የኔታ ፒየርንጀሎ ሰኮሪ፡ የኔታ ፒየሮ ኮዳ፡ የኔታ ቶማሽ ትራፍንይ፡ ኣባ ጃኮሞ ኮስታ፡ ኣባ ዳሪዮ ቪታሊ፡ እናቴ ሺዙወ ሂሮታ፡ ኣባ ጁዜፐ ቦንፍራተ፡ ፕሮፈሰር ሚርያም ውይለንስ፡ ፕሮፈሰር ኣና ሮውላንድስ ኣባ ፓስኳለ ቧ፡ እናቴ ማሪ ኮልበ ዛሞራ፡ ፕሮፈሰር ፓውሎ ፎሊዞ፡ ተርይ ቦናቨንቱራ፣ ሱዛ ፓስኮኤ ብውሕዘት መርበብ ኣበሬታ ድማ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ማውሪሲዮ ሎፐዝ ኦሮፐዛ ይሳተፉ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ። 

13 Apr 2023, 15:39