ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ፥ ወንጌን ኣብ ብስነ ኣሃዝ ተራቀ ባህሊ ክስባእ ኣለዎ! ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ፥ ወንጌን ኣብ ብስነ ኣሃዝ ተራቀ ባህሊ ክስባእ ኣለዎ!  (ANSA)

ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ፥ ወንጌን ኣብ ብስነ ኣሃዝ ተራቀ ባህሊ ክስባእ ኣለዎ!

“ቤተ ክርስቲያን ወንጌል እትሰብኽ ዓቢ ኢሃይማኖታውነትን ኢግብረ ገባውነትን ዘቃልሕ ምድራውነታዊ ባህሊ ስለ ዘጋጥማ ዘይኮነስ

ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ደጋፊ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ኣብ ኣየርላንድ ከተማ ማይኑት ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ሳይንት ፓትሪክ፥ “ኣስፍሆተ ወንጌልን ጸዋዕታን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብውስጠ መርብብን ብኣካልን ኣብ ዘካይድዎ ርክብ “ተኣማንን ኣእማንን” ምስክርነት ክህቡ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ኣብቲ ዕለት 25 ሚያዝያ ኣብ ኣየርላንድ ከተማ ማይኑት ጳጳሳዊ ቅዱስ ፓትሪክ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ቤተ ክርስቲያን ወንጌል እትሰብኽ ዓቢ ኢሃይማኖታውነትን ኢግብረ ገባውነትን ዘቃልሕ ምድራውነታዊ ባህሊ ስለ ዘጋጥማ ዘይኮነስ ነቲ ጐይታ ወንጌሉ ንነፍሲ ወከፍ ፍጡር ክትእውጅ ዝሃባ ትእዛዝ ክትፍጽም ስለ ዘለዋ እዩ” ዝብል ሓሳብ ኣጽኒዖም ብምዝኽካር፥

ባህላዊ ትስብእተ ወንጌል

ክርስትና ይብሉ ብጹዕነቶም፥ ኣብ ታሪኽ ክስነድን ክስገውን ኣለዎ፡ ስለዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን “ናብ ባህሊ ክትኣትውን ታሪኽ ክተመንጨውን” ኣለዋ፡ ቤተ ክርስቲያን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ንስብከተ ወንጌል ሓደስቲ መገድታት ክትርከብ ኣብ ኣትጽዕረሉ ዘላ እዋን ኣብ ኩሉ ዓውድታት ንጥፈታት ደቂ ሰባት፥ “ብኹሉን ኣብ ኩሉ ቦታን እቲ ዝእመን እያ ከተቕርብ ዘለዋ፣ “ውስጠ መርበብ ብርግጽ ኣብ መንጎ ሰባት ንዝግበር ዘተ ርክብን ምልውዋጥን ከምኡ እውን ሓበሬታን ፍልጠትን ንምርካብ ዝሕግዝ ዕድል ዝውክል እዩ” እቲ ሓቀይና ሕቶ እምበኣር፥ “ሓድሽ ዕደ ጥበብ ብኸመይ ተጠቂምካ ወንጌል ብኸመይ ትሰብኽ ዘይኮነስ፥ ከመይ ጌርካ ሓደ . . . ኣብቲ ብስነ ኣህዝ ዝተራቐ ኣህጉር ህያው ወንጌል” ምዃን እዩ።

ብስነ ኣሃዝብ ዝተራቀን ውልቃውን ርክብ

እቲ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ መጋበርያ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ “ድኹምን ውጽኢት ዘይብሉን ስብከተ ወንጌል” ከስዕብ ስለ ዝኽእል፡ ስብከተ ወንጌል ብስነ ኣሃዝ መጋበርያ ጥራይ ክፍጸም ኣይክእልን . . . እቲ ናይ ምስክርነት ተግባር ኣብ መንጎ ሰባት ዝግበር ምልውዋጥ ከጠቓልል ኣለዎ፡ እዚ ድማ ካብቲ ምስ ጎይታ ዘለዋ ውልቃዊ ርክብን ካብ ናይ ተልእኾ ጸዋዕታናን” ዝውሕዝ ምዃኑ ሓቢሮም፥ “ሓድሽነትን ኣናስራውነትን ግልጸት ኢየሱስ ክርስቶስ እንተድኣ ተሰናኺሉ ኣብዚ እዋናዊ ዓለም ህላወ ቤተ ክርስቲያን ትርጉም ኣልቦ እዩ ዝኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንኻልኦት ናብ ክርስቶስ ናይ ምምራሕ ጸዋዕታ

ብጹእነቶም ኣብ መደረኦም ኣስዒቦም፥ ብዛዕባ እቲ ካብ ናትና ተበግሶ ዘይኮነስ ብዛዕባ ካብ ኣምላኽ ዝጽገው ኣምላኽ ጸዋዒኡ ዝኾነ ክርስቲያናዊ ጸዋዕታ ኣማኣኪሎም፥ . . . መንእሰያት ኣብዚ ብዙሕ ዕግርግር ዝመልኦ እዋን ኣብ ዝጓዕዝሉ እዋን ክሕገዙን ክምርሑን ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቦም፥ . . . ጸዋዕታኦም ንኸለልዩን ምስ ጸዋዕታኦም ንኽራኸቡ ምሕጋዝ፥ “ንኻልእ ሰብ ናብ ናጽነት ንምምራሕ ሓላፍነት ከም ዝስከሙን ነዚ ሓላፍነት እዚ ዘስተውዕሉን ሰብ ጥበብ ምዃን ይሓትት” . . . ስለዚ ስብከተ ወንጌል ዕኑድ፥ ዘንጠጠወ ልምምድ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ኣብ መንጎ ቃል ኣምላኽን ህይወት ቤተ ክርስቲያንን ዝግበር ጸዓተይናን ወይ ህርኩትን ርክብን ምልውዋጥን እዩ።”

ፍቕሪ ክርስቶስ ኡጦብያ ኣይኮነን

ኣብ መደምደምታ ሊቀ ጳጳሳት ፊዚክከላ፥ እቲ ዝሰብኽ ሰብ ምስቲ ዝሰብኮ ቃል ዝሰማማዕ ህይወትን መገድን ክነብር ከም ዘለዎ ኣዘኻኺሮም . . . ህይወት ካህን ነቲ ናይ ክህነት ጸዋዕታ ክስዕብ ምስ ዝመርጽ ካብ ሰብኣውነቱ ዝስእኖ ወይ ዝጎድሎ ነገር ከምዘየለ ዘርኢ እዩ፡ . . .  ጸዋዕታ ሰብኣውነትካ  ኣየጉድልን እዩ! ስለዚህ ካህናት “ፍቕሪ ክርስቶስ ኡጦብያ ከም ዘይኮነ  . . . ዝኾነ ሰብ ህይወቱ ብናጻ ክህብ/ከወፍይ ኣብ ዝደልየሉ እዋን ከስተማቕሮ ዝኽእል ክውንነት ምዃኑ ጭቡጥ ምልክት ክኾኑ እለዎም” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 Apr 2023, 15:15