ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት  

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት

እዚ ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምምሕዳር ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ኵርያ ሮማናን ሕዳሴን ጽገናን ኣብ ምትእትታው ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ከምኡ እውን እቲ ዕለት 19 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ወግዓዊ ኮይኑ ዝተሓትመ Praedicate Evangelium - ሁሩ ወመሃሩ ሓዋርያዊ ቅዋም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ኩርያ ሮማናን ዘተግብር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብሓደስቲ ኣባላት ዝሓደስዎ ኣብ ምሕደራ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ኵርያ ሮማናን ጽገናን ሕጻሴን ከተኣታትው ኣብ 2013 ዓ.ም. ዘቖሙዎ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ትስዓቱ ካርዲናላት ዕለት 24 ሚያዝያ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ መሪሖም ከም እተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 24 ሚያዝያ ዝተኻየደ ኣኼባ እቲ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላት ብቅዱስነቶም ብሓደስቲ ኣባላት ድሕሪ ምሕዳሱ ዘካየዶ ቀዳማይ ኣኼብ ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ናይቲ ትስዓቱ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ኣመሓዳሪ ግዝኣት ቫቲካን ካርዲናል ፈርናንዶ ቨርገዝ ኣልዛጋ ናይ ኪኒሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣቦንጎ በሱንጉ ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስ ናይ ቦስቶን ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ሾን ፓትሪክ ኦምለይ ናይ ባርቸሎና ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኹዋን ኾሰ ኦመላ ኦመላ ናይ ኪዩበክ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ገራልድ ላክሮይ ናይ ሉክሰምበርግ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪኽ ናይ ሳን ሳልቫዶ ቢ ድባህያ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ሰርጆ ዳ ሮካ ናይዚ ጉባኤ ትስዓቱ ካርዲናላት ዋና ጸሓፊ ናይ ክረዚማ ስዩም ሊቀ ጳጳሳት ማርኮ መሊኒ ብኣባልነት ዝሓቁፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥

እዚ ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምምሕዳር ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ኵርያ ሮማናን ሕዳሴን ጽገናን ኣብ ምትእትታው ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ከምኡ እውን እቲ ዕለት 19 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ወግዓዊ ኮይኑ ዝተሓትመ Praedicate Evangelium - ሁሩ ወመሃሩ ሓዋርያዊ ቅዋም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ኩርያ ሮማናን ዘተግብር ኣብ ትግባሬ ዝመርሕ ክኸውን ኣሚቶም ዘቐምዎ ኮይኑ ቀዳማይ ኣኼባኡ ዕለት 1 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ከም ዘካየደን እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ዘካየዶ ናይ መወዳእታ ኣኼባኡ ብፍላይ ነቲ ብኣህጉራዊ ደረጃ ዝተኻየደ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ እተወፈየ ምንባሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

25 Apr 2023, 16:01